bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
Amos 5
Amos 5
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
← Chapter 4
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 6 →
1
ኣቱም ቤት እስራኤል፥ እዝ ኣብ ልዕሌኹም ዘልቅሶ ዘለኹ ቓል መልቀስ ስምዑ፦
2
እታ ድንግል እስራኤል ወዲቓ እያ፤ ደጊምውን ኣይትትስእን እያ፤ ኣብ ገዛ ምድራ ተደርቢያ ኣላ፤ ዘተስኣ ድማ የለን።
3
“ካብታ ሽሕ ዝወፀላ ኸተማ፥ ሚእቲ ይተርፍዋ፤ ካብታ ሚእቲ ዝወፁላ ኸተማ ኸዓ ንቤት እስራኤል፥ ዓሰርተ ጥራሕ ይተርፍዋ” ይብል ጐይታ እግዚኣብሄር።
4
እግዚኣብሄር ንቤት እስራኤል ከምዙይ ይብል፦ “ንኣይ ድለዩሞ ብህይወት ክትነብሩ ኢኹም።
5
ግና ጌልገላ ፈፂማ ኽትማረኽ እያ፤ ቤቴልውን ከንቱ ኽትከውን እያሞ፥ ንቤቴል ኣይትድለዩ፤ ናብ ጌልገላ ድማ ኣይትእተዉ፤ ናብ ቤርሳቤህውን ኣይትሕለፉ።”
6
ኣብ ቤት ዮሴፍ ሓዊ ኸይትነድድ፥ ኣብ ቤቴል ዘጥፍኣ ዘይብላ ኸይትቃፀል፥ ንእግዚኣብሄር ድለይዎ፤ ብህይወት ድማ ኽትነብሩ ኢኹም።
7
ኣቱም ንፍርዲ ናብ ዕረ እትልውጥዎ፥ ንፅድቂ ኸዓ ናብ ምድሪ እትድርብይዎ፥ ወይለኹም!
8
ንሸውዓተ ኸዋኽብትን፥ ኦሪዮን ንዝተብሃለ ኾከብን ዝፈጠረ፥ ግብ ዝበለ ፀልማት ናብ ወጋሕታ ንዝልውጥ፥ ንመዓልቲ ኸዓ ግብ ዝበለ ለይቲ ዝገበሮ፥ ንማያት ባሕሪ ዝፅውዖ፥ ናብ ልዕሊ ገፅ ምድሪ ድማ ዘፍስሶ፥ ስሙ እግዚኣብሄር እዩ።
9
ንሱ ኣብ ልዕሊ እቲ ሓያል፥ ብድንገት ጥፍኣት የውርደሉ፤ ኣብ ልዕሊ ዕርዲ፥ ጥፍኣት የምፅእ እዩሞ ድለይዎ።
10
ንሳቶም ነቲ ኣብ በሪ ኣደባባይ ዝግስፆም ይፀልእዎ፤ ነቲ ሓቂ ዝዛረብ ከዓ ይፅየፍዎ።
11
ንድኻ ስለ ዝረገፅኩምዎ፥ ነቲ ዘፍረዮ ስርናይ ከዓ ንግብሪ ስለ ዘግደፍኩምዎ፥ ብፅሩብ ኣእማን ኣባይቲ ሰራሕኹም፥ ግና ኣይትነብሩሉን ኢኹም። ዘሕጕስ ኣታኽልቲ ወይኒ ተኸልኩም፤ ግና ወይኑ ኣይትሰትዩን ኢኹም።
12
ኣነስ በደልኩም ብዙሕ፥ ሓጢኣትኩም ከዓ ብርቱዕ ከም ዝኾነ እፈልጥ እየ። ነቲ ፃድቕ ተጨንቕዎ፤ ጉቦውን ትቕበሉ፤ ነቲ ምስኪን ኣብ ደገ ኣደባባይ ትገፍዕዎ ኣለኹም።
13
ስለዙይ፥ ክፉእ ዘመን እዩ እሞ፥ እቲ ለባም በዝ ኸምዙይ ዝመሰለ ዘመን ስቕ ይብል።
14
ብህይወት ንኽትነብሩ፥ ሰናይ እምበር ክፉእ ኣይትድለዩ፤ ከምቲ ባዕልኻትኩም ዝተናገርኩምዎ ድማ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት ምሳኻትኩም ክኸውን እዩ።
15
ምናልባሽ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት፥ ነዝ ተሪፉ ዘሎ ቤት ዮሴፍ እንተ ራህርሀሉስ ክፉእ ፅልኡ፤ ሰናይ ከዓ ፍተዉ፤ ኣብ በሪ ባይቶውን ቅኑዕ ፍረዱ።
16
ስለዙይ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል፦ “ኣብ ኵሉ ኣደባባያት ክቍዘም፥ ኣብ ኵሉ መንገድታት ከዓ፥ ዋይ ዋይ ክበሃል እዩ። ንሓረስቶት ናብ ብኽያት፥ ነቶም መልቀስ ዝኽእሉ ናብ ዋይታ ኽፅውዑ እዮም።
17
ብማእኸልኩም ክሓልፍ እየ እሞ፥ ኣብ ኵሉ እንዳ ኣታኽልቲ ወይኒ፥ ወዮ! ተብሂሉ ኽብከ እዩ” ይብል እግዚኣብሄር።
18
ኣቱም ንመዓልቲ እግዚኣብሄር እትፅበዩ ወይለኹም። ንመዓልቲ እግዚኣብሄር ንምንታይ ትደልዩዋ? ንሳስ መዓልቲ ፀልማት እምበር ብርሃን ኣይኮነትን እያ።
19
ከምቲ ኻብ ቅድሚ ኣንበሳ ዝሃድም እሞ ድቢ ዘጋጥሞ ሰብ፥ ከምቲ ናብ ቤቱ ኣትዩ ኢዱ ኣብ መንደቕ ዘፀግዕ እሞ ተመን ዝነኽሶ ሰብ እዩ።
20
መዓልቲ እግዚኣብሄር፥ ፀልማት እምበር ብርሃን ኣይኮነትን? ግብ ዝበለ ፀልማትን ምንፅብራቕ ብርሃን ዘይብላንዶኸ ኣይኮነትን?
21
“ነቲ ዓመት በዓላትኩም ፀሊአዮ፥ ተፀይፈዮውን፤ እቲ ኣኼባኹምውን ደስ ኣየብለንን።
22
ዝቃፀል መስዋእትኹምን መስዋእቲ እኽልኹምን እንተ ኣቕረብኩምለይ እኳ፥ ኣይቕበሎን እየ፤ ነቲ ናይ ስቡሕ ከብትኹም መስዋእቲ ምስጋናውን፥ ቈላሕ ኣይብሎን እየ።
23
ድምፂ ዝማሬኹም ካባይ ኣርሕቑ፤ ንቓና በገናኹምውን ኣይሰምዖን እየ።
24
ፍርዲ ኸም ማያት፥ ፅድቂ ኸዓ ኸም ዘይነፅፍ ሩባ ይፍሰስ።
25
“ኦ ቤት እስራኤል፥ ኣርብዓ ዓመት ኣብ ምድረ በዳ መስዋእትን ቍርባንንዶ ኣቕሪብኩምለይ ኢኹም?
26
ንባዕልትኹም ዝሰራሕኹምዎም ምስልታት፥ ድንኳን መሎኽን፥ ምስሊ ኮኸብ ሬፋን ኣምላኽኩምን ኢኹም ዘልዓልኩም።
27
ስለዙይ ንኽንየው ደማስቆ ኸም እትማረኹ ኽገብረኩም እየ” ይብል እቲ ኣምላኽ ሰራዊት ዝስሙ እግዚኣብሄር።
← Chapter 4
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 6 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9