bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
Colossians 2
Colossians 2
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
← Chapter 1
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 3 →
1
ምእንታኻትኩምን ምእንቲ እቶም ኣብ ሎዶቅያ ዘለዉን፥ ምእንቲ እቶም ገፀይ ብስጋ ሪኦም ዘይፈልጡን፥ ከመይ ዝበለ ዓብዪ ገድሊ ኸም ዘለኒ፥ ክትፈልጡ እደሊ ኣለኹ።
2
እዙይ ከዓ፥ ልቦም ተፀናኒዑ ብፍቕሪ ሓደ ምእንቲ ክኾኑን፥ ምሉእ ናይ ምስትውዓል ሃብቲ ምእንቲ ኽህልዎምን፥ ነቲ ምስጢር እግዚኣብሄር ዝኾነ ክርስቶስ ምእንቲ ኽፈልጡን ኢለ እየ፥ ዝጋደል ዘለኹ።
3
ኵሉ መዝገብ ጥበብን ፍልጠትን፥ ኣብ ክርስቶስ እዩ ተሰዊሩ ዝርከብ።
4
እዙይ ዝብለኩም ዘለኹ፥ ሓደኳ ብምጥባር ከየስሕተኩም ኢለ እየ።
5
ኣነ ብስጋ እኳ ምሳኻትኩም እንተ ዘየለኹ፥ ብመንፈስ ምሳኻትኩም እየ፤ ብስርዓት ምንባርኩምን፥ ኣብ ክርስቶስ ዘለኩም ፅኑዕ እምነትን እናረአኹ፥ እሕጐስ ኣለኹ።
6
እምበኣር ንጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ተቐበልኩምዎ፥ ብእኡ ንበሩ፤
7
ኣብኡ ተመስሪትኩምን ተሃኒፅኩምን፥ ከምቲ ዝተምሃርኩምዎ ብእምነት ፅንዑ፤ ምስጋናውን ይብዝሐልኩም።
8
ከም ናይ ክርስቶስ ዘይኮነስ፥ ከም ባህሊ ሰብን፥ ከም ኣተሓሳስባ እዛ ዓለም እዚኣን፥ ከንቱን መታለልን ዝኾነ ፍልስፍና ገይሩ፥ ሓደኳ ኸይማርኸኩም ተጠንቀቑ።
9
ናይ መለኮት ፍፁም ምልኣት፥ ብሰብነት ሓዲሩ ዝነብር፥ ብክርስቶስ እዩሞ።
10
ንስኻትኩም ከዓ፥ በቲ ርእሲ ሕልቅነትን ስልጣናትን ዝኾነ ክርስቶስ፥ ብእኡ ምሉኣት ኴንኩም ኢኹም።
11
ንስኻትኩም ድማ፥ ብክርስቶስ ብዝግበር ግርዘት፥ ነቲ ሓጢኣተኛ ስጋኹም ካባኻትኩም ብምቕንጣጥ፥ ብኢድ ሰብ ብዘይኮነ ግርዘት፥ ብእኡ ተገረዝኩም።
12
ብጥምቀት ምስኡ ተቐበርኩም፤ ብሓይሊ እቲ ኻብ ሞት ዘተስኦ እግዚኣብሄር ብምእማንኩም ድማ፥ ምስኡ ተሳእኹም።
13
እግዚኣብሄር ንኵሉ ሓጢኣትኩም ይቕረ ብምባል፥ ንኣኻትኩምውን ብበደልኩም በቲ ዘይተገረዘ ሓጢኣተኛ ስጋኹም ሞይትኩም ንዝነበርኩም፥ ምስ ክርስቶስ ህያዋን ገበረኩም።
14
ነቲ ዝኸሰናን ዝቃወመናን ዝነበረ፥ ኣብ ሕጊ ዘሎ ናይ ዕዳ ፅሑፍ ደምሰሰልና፤ ኣብ መስቀል ሸንኪሩውን ኣወገዶ።
15
ነቶም ኣሕሉቕን ስልጣናትን፥ ኣፅዋሮም ገፊፉ ምስ ሰዓሮም፥ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ብግልፂ፥ ብእኡ ኣሕፈሮም።
16
ስለዙይ ብብልዕን መስተን፥ ብምብዓል በዓላትን፥ ባሕትን፥ ሰናብትን ዝመፀ፥ ሓደኳ ኣይፍረድኩም።
17
እዝ ዅሉ፥ ናይቲ ኽመፅእ ዘለዎ ፅላሎት እዩ እሞ፤ እቲ ናይ ብሓቂ ህላዌ ዘለዎ ግና፥ ክርስቶስ እዩ።
18
ሓደኳ ትሕትና ብዝመስልን፥ ንመላእኽቲ ብዝግበር ኣምልኾን፥ ነቲ ዓስብኹም ኣየግድፍኩም፤ እዝ ሰብዙይ በቲ ዝረኽቦ ራእይ እናተመፃደቐ፥ ከንቱ ብዝኾነ ስጋዊ ኣተሓሳስባኡ ዝዕበ እዩ።
19
እዝ ሰብ እዙይ፥ ምስቲ ንሰብነት ብጅማትን መገጣጠምን ኣሲሩ ብምምጋብ፥ እግዚኣብሄር ብዝህቦ ዕብየት ዝዓብየሉ፥ ርእሲ ምስ ዝኾነ ክርስቶስ ርክብ የብሉን።
20
እምበኣር ካብ ኣተሓሳስባ እዛ ዓለም እዚኣ፥ ምስ ክርስቶስ ሞይትኩም እንተ ዄንኩም፥ ስለ ምንታይ ደኣ ገና ኸም ኣነባብራ ዓለም ትነብሩ? ስለ ምንታይከ ነቲ “ኣይትሓዝ፤ ኣይትጥዓም፤ ኣይትንካእ” ዝብል ሕጊ ትግዝኡ?
22
እዝ ሕጊ እዙይ፥ ብምሉኡ ሰብ ዝሓገጎን ዝመሃሮን ስለ ዝኾነ፥ ምስ ፈፀምካዮ ሓላፊ እዩ።
23
እዝ ሰብ ባዕሉ ብዘጥረዮ ኣምልኾን፥ ትሕትናን፥ ንሰብነት ኣበርቲዑ ዝቐፅዕን ብምዃኑ፥ ጥበብ ዘለዎ ይመስል፤ ድልየት ስጋ ንምቍፅፃር ግና፥ ኣይጠቕምን እዩ።
← Chapter 1
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 3 →
All chapters:
1
2
3
4