bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
Colossians 4
Colossians 4
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
← Chapter 3
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
1
ኣቱም ጐይቶት፥ ንስኻትኩምውን ኣብ ሰማይ ጐይታ ኸም ዘለኩም ፈሊጥኩም፥ ንመገልገልትኹም ቕኑዕን ግቡእን ግበሩሎም።
2
ፀሎት ኣዘውትሩ፤ ኣብ ፀሎትኩም ከዓ፥ ንቑሓትን መመስገንትን ኩኑ።
3
ነቲ ምእንታኡ ተኣሲረ ዘለኹ፥ ምስጢር ክርስቶስ ምእንቲ ኽንሰብኽ፥ እግዚኣብሄር ንቓሉ ኣፍ ደገ ክኸፍተልና፥ ምእንታና ፀልዩ።
4
ኣነውን ከምቲ ዝግብአኒ ገይረ፥ ነቲ ቓል ምእንቲ ብግልፂ ኽናገር ፀልዩለይ።
5
ነቲ ዝተውሃበኩም ጊዜ ብግቡእ እናተጠቐምኩም፥ ምስቶም ኣብ ወፃኢ ዘለዉ ብጥበብ ተመላለሱ።
6
ንነፍሲ ወከፍ፥ ብቑዕ መልሲ ምሃብ ምእንቲ ኽትክእሉ፥ ኣዘራርባኻትኩም፥ ብጨው ከም ዝተቐመመ፥ ኵልሻዕ ብፀጋ ዝመልአ ይኹን።
7
ቲኪቆስ፥ እቲ ፍቑር ሓውናን፥ እሙን ኣገልጋልን፥ ብጐይታ መሳርሕተይን፥ ከመይ ከም ዘለኹ ኸፍልጠኩም እዩ።
8
ናባኻትኩም ዝሰዶ ዘለኹ፥ ብዛዕባ ሃለዋትና ምእንቲ ኽትፈልጡን፥ ልብኹም ምእንቲ ኸፀናንዕን ኢለ እየ።
9
ምስኡውን ነቲ ኻባኻትኩም ዝኾነ፥ እሙንን ፍቑርን ሓውና ኣናሲሞስ እሰደልኩም ኣለኹ፤ ንሳቶም፥ እቲ ዅሉ ኣብዙይ ዝኾነ ኽነግሩኹም እዮም።
10
እቲ መተኣስርተይ ዝኾነ ኣርስጥሮስ፥ ሰላም ይብለኩም ኣሎ፤ ማርቆስ ወዲ ሓዉ ንበርናባስውን፥ ሰላም ይብለኩም ኣሎ። እዙይ እቲ “እንተ መፀኩም፥ ብፅቡቕ ተቐበልዎ” ኢለ ኣዚዘኩም ዝነበርኩ ሰብ እዩ።
11
ኢዮስጦስ ዝተብሃለ ኢያሱ፥ ሰላም ይብለኩም ኣሎ። ግሩዛት ካብ ዝኾኑ፥ ንመንግስቲ እግዚኣብሄር ምሳይ ዘገልግሉ፥ ንኣይውን ዘፀናንዑኒ ዘለዉ ኣይሁድ፥ እዚኣቶም ጥራሕ እዮም።
12
እቲ ሓደ ኻባኻትኩም፥ ኣገልጋሊ ክርስቶስ ዝኾነ ኤጳፍራስ፥ ሰላምታ የቕርበልኩም ኣሎ፤ ምሉኣትን ብዅሉ ናይ እግዚኣብሄር ፍቓድ ተረዲእኹም፥ ፍፁማት ኴንኹም ምእንቲ ኽትቆሙን፥ ተጊሁ ብፀሎት ይጋደል ኣሎ።
13
ንሱ ምእንታኻትኩምን፥ ምእንቲ እቶም ኣብ ሎዶቅያን ኣብ ኢያራጶሊስ ዘለዉን፥ ብዙሕ ፃዕሪ ኸም ዘለዎ እምስክረሉ ኣለኹ።
14
ሉቃስ እቲ ፍቑር ሓኪምን ዴማስን፥ ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ።
15
ነቶም ኣብ ሎዶቅያ ዘለዉ ኣሕዋትን፥ ንኒምፋስን፥ ነታ ኣብ ገዛኡ ዘላ ቤተ ክርስቲያንን፥ ሰላም በሉለይ።
16
ነዛ መልእኽቲ እዚኣ ምስ ኣንበብኩምዋ፥ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ሎዶቅያ ኸም እትንበብ ግበሩ፤ ንስኻትኩምውን፥ ነታ ኻብ ሎዶቅያ እትመፅእ መልእኽቲ ኣንብብዋ።
17
ንኣክሪጳ ድማ “ነታ ብጐይታ ዝተቐበልካያ ኣገልግሎት፥ ከም እትፍፅማ” በልዎ።
18
እዝ ሰላምታ እዙይ፥ ኣነ ጳውሎስ ብኢደይ እፅሕፈልኩም ኣለኹ። መቓውሐይ ዘክሩ። ፀጋ ምሳኻትኩም ይኹን። ኣሜን።
← Chapter 3
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
All chapters:
1
2
3
4