bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
Ezra 2
Ezra 2
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
← Chapter 1
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 3 →
1
ናቡከድነፆር ንጉስ ባቢሎን ናብ ባቢሎን ማሪኽዎም ካብ ዝነበሩሞ፥ ካብ ምርኮ ደይቦም ናብ ኢየሩሳሌምን ናብ ይሁዳን፥ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ከተማኣቶም ዝተመለሱ ደቂ ሃገር እዚኣቶም እዮም።
2
እቶም ምስ ዘሩባቤል ዝመፁ፦ ኢያሱ፥ ነህምያ፥ ሰራያ፥ ረዕላያ፥ ካብ መርዶክዮስ፥ በላሳን፥ መሴፋር፥ በጉዋይ፥ ሬሑም፥ ምስ በዓና መፁ።
3
ደቂ ፋሮስ ክልተ ሽሕን ሚእትን ሰብዓን ክልተን።
4
ደቂ ሰፋጥያስ ሰለስተ ሚእትን ሰብዓን ክልተን።
5
ደቂ ኤራ ሸውዓተ ሚእትን ሰብዓን ሓሙሽተን።
6
ደቂ ፈሓት ሞኣብ ካብ ደቂ ኢያሱን ኢዮኣብን ክልተ ሽሕን ሸሞንተ ሚእትን ዓሰርተ ኽልተን።
7
ደቂ ዔላም ሽሕን ክልተ ሚእትን ሓምሳን ኣርባዕተን።
8
ደቂ ዛቱዕ ትሽዓተ ሚእትን ኣርብዓን ሓሙሽተን።
9
ደቂ ዘካይ ሸውዓተ ሚእትን ስሳን።
10
ደቂ ባኒ ሽዱሽተ ሚእትን ኣርብዓን ክልተን።
11
ደቂ ቤባይ ሽዱሽተ ሚእትን ዕስራን ሰለስተን።
12
ደቂ ዓዝጋድ ሽሕን ክልተ ሚእትን ዕስራን ክልተን።
13
ደቂ ኣዶኒቃም ሽዱሽተ ሚእትን ስሳን ሽዱሽተን።
14
ደቂ በጉዋይ ክልተ ሽሕን ሓምሳን ሽዱሽተን።
15
ደቂ ዓዲን ኣርባዕተ ሚእትን ሓምሳን ኣርባዕተን።
16
ካብ ዓሌት ሕዝቅያስ ደቂ ኣጤር ተስዓን ሸሞንተን።
17
ደቂ ቤሳይ ሰለስተ ሚእትን ዕስራን ሰለስተን።
18
ደቂ ዮራ ሚእትን ዓሰርተ ኽልተን።
19
ደቂ ሓሱም ክልተ ሚእትን ዕስራን ሰለስተን።
20
ደቂ ጋቤር ተስዓን ሓሙሽተን።
21
ደቂ ቤተልሔም ሚእትን ዕስራን ሰለስተን።
22
ሰብ ነጦፋ ሓምሳን ሽዱሽተን።
23
ሰብ ዓናቶት ሚእትን ዕስራን ሸሞንተን።
24
ደቂ ኣዝሞት ኣርብዓን ክልተን።
25
ደቂ ቂርያትይዓሪምን ከፊራን ብኤሮትን ሸውዓተ ሚእትን ኣርብዓን ሰለስተን።
26
ደቂ ራማን ጌባን ሽዱሽተ ሚእትን ዕስራን ሓደን።
27
ሰብ ማክማስ ሚእትን ዕስራን ክልተን።
28
ሰብ ቤቴልን ጋይን ክልተ ሚእትን ዕስራን ሰለስተን።
29
ደቂ ናባው ሓምሳን ክልተን።
30
ደቂ መጌብስ ሚእትን ሓምሳን ሽዱሽተን።
31
ደቂ እቲ ኻልኣይ ዔላም ሽሕን ክልተ ሚእትን ሓምሳን ኣርባዕተን።
32
ደቂ ካሪም ሰለስተ ሚእትን ዕስራን።
33
ደቂ ሎድና ሓዲድን ኦኖምን ሸውዓተ ሚእትን ዕስራን ሓሙሽተን።
34
ደቂ ኢያሪኮ ሰለስተ ሚእትን ኣርብዓን ሓሙሽተን።
35
ደቂ ሴናኣ ሰለስተ ሽሕን ሽዱሽተ ሚእትን ሰላሳን።
36
ካህናት፥ ደቂ ዮዳኤ ኻብ ቤት ኢያሱ ትሽዓተ ሚእትን ሰብዓን ሰለስተን።
37
ደቂ ኢሜር ሽሕን ሓምሳን ክልተን።
38
ደቂ ፋስኮር ሽሕን ክልተ ሚእትን ኣርብዓን ሸውዓተን።
39
ደቂ ካሪም ሽሕን ዓሰርተ ሸውዓተን።
40
ሌዋውያን፥ ደቂ ኢያሱን ቀድምኤልን፥ ካብ ደቂ ሆዳይዋ፥ ሰብዓን ኣርባዕተን።
41
ዘመርቲ፥ ደቂ ኣሳፍ ሚእትን ዕስራን ሸሞንተን።
42
ደቂ ኣጋፈርቲ፥ ደቂ ሰሎም፥ ደቂ ኣጤር፥ ደቂ ጢልሞን፥ ደቂ ዓቁብ፥ ደቂ ሓጢጣ፥ ደቂ ሶባይ፥ እዚኣቶም ኵላቶም ሚእትን ሰላሳን ትሽዓተን።
43
ናታኒም፤ ደቂ ሲሓ፥ ደቂ ሓሱፋ፥ ደቂ ጠብዖት፥
44
ደቂ ኬራስ፥ ደቂ ሲዓ፥ ደቂ ፋዶን፥
45
ደቂ ልባና፥ ደቂ ኣጋባ፥ ደቂ ዓቁብ፥
46
ደቂ ኣጋብ፥ ደቂ ሰምላይ፥ ደቂ ሓናን፥
47
ደቂ ጌዴል፥ ደቂ ጋሓር፥ ደቂ ራያ፥
48
ደቂ ረኣሶ፥ ደቂ ኔቆዳ፥ ደቂ ጋሴም፥
49
ደቂ ዖዛ፥ ደቂ ፋሴሓ፥ ደቂ ቤሳይ፥
50
ደቂ ኣስና፥ ደቂ ምዑናውያን፥ ደቂ ንፋሰሲም፥
51
ደቂ በቅቡቅ፥ ደቂ ሓቁፋ፥ ደቂ ሓርሑር፥
52
ደቂ በስሎት፥ ደቂ ምሒዳ፥ ደቂ ሓርሳ፥
53
ደቂ በርቆስ፥ ደቂ ሲሳራ፥ ደቂ ቴማ፥
54
ደቂ ንስያ፥ ደቂ ሓጢፋ።
55
ደቂ ገላዉ ሰሎሞን፥ ደቂ ሶጣይ፥ ደቂ ሶፌሬት፥ ደቂ ፍሩዳ፥
56
ደቂ የዕላ፥ ደቂ ዶርቆን፥ ደቂ ጌዴል፥
57
ደቂ ሰፋጥያስ፥ ደቂ ሓጢል፥ ደቂ ፈክራት ደቂ ሃፂቦይም፥ ደቂ ኣሚ።
58
እዚኣቶም ኵላቶም ናታኒምን ደቂ ኣገልገልቲ ሰሎሞንን ሰለስተ ሚእትን ተስዓን ክልተን እዮም።
59
እዚኣቶም ድማ ኻብ ቴልሜላን ካብ ቴላሬሳ ካብ ከሩብ ካብ ኣዳንን ካብ ኢሜርን ዝደየቡ ነበሩ፤ ካብ እስራኤል ምዃኖም ማይ ቤት ኣቦታቶምን ዘርኦምን ክነግሩ ዘይከኣሉ፦
60
ደቂ ዳላያ፥ ደቂ ጦብያ፥ ደቂ ኔቆዳ ሽዱሽተ ሚእትን ሓምሳን ክልተን ነበሩ።
61
ካብ ደቂ ካህናት ከዓ፥ ደቂ ኤብያ፥ ደቂ ኣቆስ፥ ደቂ እቲ ኻብ ኣጓላት ቤርዜሊ ገለዓዳዊ ሰበይቲ ዝወሰደ ብስሞምውን እተሰምየ ቤርዜሊ እዮም።
62
እዚኣቶም ኣብ መፅሓፍ ትውልዲ፥ ትውልዶም ደለዩ፤ ግናኸ ኣይተረኽቡን፤ ስለዙይ ከም ርኹሳት ተቘፂሮም ካብ ክህነት ተኸልከሉ።
63
እቲ ሓቴርሰታም ኸዓ፥ ብኡሪምን ብቱሚምን ንእግዚኣብሄር ዝጥይቕ ካህን ክሳዕ ዝትስእ ካብ ዝተቐደሰ ኣይትብልዑ በሎም።
64
ኵሉ እቲ ማሕበር ብምሉኡ ኣርብዓን ክልተን ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ስሳን ነበረ።
65
ብዘይ ሓሻኽሮምን ኣግራዶምን፥ ሸውዓተ ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ሰላሳን ሸውዓተን ነበሩ። ዝዝምሩን ዝዝምራን ድማ ኽልተ ሚእቲ ነበርዎም።
66
ኣፍራሶም ሸውዓተ ሚእትን ሰላሳን ሽዱሽተን፥ ኣባቕሎም ክልተ ሚእትን ኣርብዓን ሓሙሽተን፥
67
ኣግማሎም ኣርባዕተ ሚእትን ሰላሳን ሓሙሽተን፥ ኣእዱጎም ሽዱሽተ ሽሕን ሸውዓተ ሚእትን ዕስራን ነበሩ።
68
ገሊኣቶም ኻብቶም ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት ከዓ ናብታ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘላ ቤት እግዚኣብሄር ምስ መፁ፥ ነታ ቤት እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ እታ ቦታኣ ኽሰርሕዋ ብፍቓዶም ገንዘብ ሃቡ።
69
ንመዝገብ እቲ ስራሕ ዝኸውን ከከም ዓቕሞም ስሳን ሓደን ሽሕ ዳሪክ ወርቂ፥ ሓሙሽተ ሽሕ ምናን ብሩር፥ ልብሲ ኻህናት ድማ ሚእቲ ሃቡ።
70
ካህናትን ሌዋውያንን ገሊኣቶም ኻብቲ ህዝብን ዘመርትን ኣጋፈርትን ናታኒምን ከዓ ኣብ ከከተማኣቶም፥ ኵላቶም እስራኤልውን ኣብ ከከተማኣቶም ተቐመጡ።
← Chapter 1
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 3 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10