bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
Ezra 3
Ezra 3
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
← Chapter 2
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 4 →
1
እታ ሻውዐይቲ ወርሒ ምስ በፅሐት ድማ፥ ደቂ እስራኤልውን ኣብ ከተማታቶም እንተለዉ፥ እቶም ህዝቢ ኸም ሓደ ሰብ ኮይኖም ናብ ኢየሩሳሌም ተአከቡ።
2
ሽዑ ኢያሱ ወዲ ዮሴዴቅን ኣሕዋቱ ኻህናትን ከምኡውን ወዲ ዘሩባቤል ሰላትያልን ኣሕዋቱን፥ ከምቲ ኣብ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ፥ ሙሴ፥ ሕጊ ዝተፅሓፈ፥ ኣብ ልዕሊኡ ዝቃፀል መስዋእቲ ኸቕርቡሉ ተሲኦም መሰውኢ ኣምላኽ እስራኤል ሰርሑ።
3
በቶም ኣብ ከባቢኦም ዘለዉ ህዝብታት እታ ሃገር ተሸቢሮም ነበሩ እሞ፥ ነቲ መሰውኢ ኣብቲ ቦታኡ ኣንበርዎ። ብጊሓትን ብምሸትን ከዓ ንእግዚኣብሄር ዝቃፀል መስዋእቲ ኣብ ልዕሊኡ ኣቕረቡ።
4
ከምቲ ፅሑፍ ድማ ናይ ዳስ በዓል ኣብዓሉ፤ ከምቲ ስርዓቱ ነንመዓልቲ ዝተመደበ፥ ንመዓልቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ብቝፅሪ ኣቕረቡ።
5
ድሕሪዙይ ድማ እቲ ዅልሻዕ ዝቃፀል መስዋእትን ናይ ሰርቀ ወርሕን ናይ ኵሉ ቅዱስ በዓላት እግዚኣብሄር ነቲ ናይ ኵሎም ናይ ፍቓድ መስዋእቲ ንእግዚኣብሄር ፈትዮም ዝስውእዎን ኣቕረቡ።
6
ካብታ ሻውዐይቲ ወርሒ፥ ብቐዳመይቲ መዓልቲ፥ እቲ ንእግዚኣብሄር ዝቃፀል መስዋእቲ ኸቕርቡ ጀመሩ። መቕደስ እግዚኣብሄር ግና ኣይተመስረተን ነበረ።
7
ንወቐርቲ እምንን ንፀረብቲ ዕንፀይትን ድማ ገንዘብ ሃቡ፤ ከምቲ ብቂሮስ ንጉስ ፋርስ ዝተኣዘዘ ዕንፀይቲ ቄድሮን ካብ ሊባኖስ ብባሕሪ ናብ ኢዮጴ ኸምፅኡሎም፥ ንሲዶናውያንን ንጢሮሳውያንን ምግብን መስተን ዘይትን ሃቡ።
8
ናብታ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘላ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኽ ካብ ዝመፁ ኸዓ፥ ኣብ ካልአይቲ ዓመት ኣብታ ኻልአይቲ ወርሒ፥ ዘሩባቤል ወዲ ሰላትያልን፥ ኢያሱ ወዲ ዮሴያርን እቶም ዝተረፉ ኣሕዋቶም ካህናትን ሌዋውያንን፥ እቶም ካብ ምርኮ ናብ ኢየሩሳሌም ዝተመለሱ ዅላቶምን ኮይኖም፥ ቤት እግዚኣብሄር ክሰርሑ ጀመሩ። ንሌዋውያን ከዓ ኻብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፥ ስራሕ ቤት እግዚኣብሄር ንኽሰርሑ ኣቖምዎም።
9
ሽዑ ኢያሱ ደቁን ኣሕዋቱን፥ ደቂ ይሁዳ ቀድምኤልን ደቁን፥ ደቂ ኤንሓዳድ ከዓ ምስ ደቆምን ምስ ኣሕዋቶም ሌዋውያንን ኮይኖም፥ ነቶም ስራሕ ቤት እግዚኣብሄር ዝሰርሑ ኽሕልዉ ኸም ሓደ ሰብ ኮይኖም ደው በሉ።
10
እቶም ሃነፅቲ፥ መቕደስ እግዚኣብሄር ክስርቱ እንተለዉ ኸዓ እቶም ካህናት ለቢሶም መለኸት ሒዞም፥ ሌዋውያን ደቂ ኣሳፍ ከዓ ፀናፅል ሒዞም፥ ከምቲ ስርዓት ዳዊት ንጉስ እስራኤል ንእግዚኣብሄር ከመስግኑ ቆሙ።
11
“ንሱ ሕያዋይ እዩ እሞ፥ ምሕረቱ ኸዓ ኣብ እስራኤል ንዘለኣለም እዩ” እናበሉ ንስንሳቶም እናተቐባበሉ ንእግዚኣብሄር ብመዝሙር ኣኽበርዎን ወደስዎን። እቶም ህዝቢ ዅላቶም ከዓ፥ ቤት እግዚኣብሄር ስለ ዝተሰረተ፥ ዓው ኢሎም ዕልል እናበሉ ንእግዚኣብሄር ኣመስገኑ።
12
ብዙሓት ካብቶም ካህናትን ሌዋውያንን ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታትን ነቲ ቐዳማይ ቤት ዝረአዩ ኣረጋውያን ከዓ፥ እዛ ቤት እዚኣ ኣብ ቅድሚኣቶም ምስ ተሰረተት፥ ዓው ኢሎም በኸዩ። ብዙሓት ሰባት ድማ ብታሕጓስ ዓው ኢሎም ይጭድሩ ነበሩ።
13
እቲ ህዝቢ እውን ብሓጐስ ዓው ኢሉ ይጭድር ነበረ፤ እቲ ድምፂ ኸዓ ኽሳዕ ርሑቕ ይስማዕ ነበረ እሞ፥ እቲ ህዝቢ ነቲ ድምፂ ሓጐስ፥ ካብ ድምፂ ብኽያት ክፈልዮ ኣይከኣለን።
← Chapter 2
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 4 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10