bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
Lamentations 3
Lamentations 3
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
← Chapter 2
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 4 →
1
ኣሌፍ። ብበትሪ ቝጥዓኡ መከራ ዝረአየ ሰብ ኣነ እየ፤
2
ንሱ ብርሃን ናብዘይብሉ፥ ናብ ፀልማት መሪሑ ወሰደኒ።
3
ብርግፅ ኵሉ መዓልቲ ደጋጊሙ፥ ኢዱ ኣብ ልዕለይ መለሰ።
4
ቤት። ንስጋይን ንቘርበተይን ኣእረጎ፤ ነዕፅምተይውን ሰባበሮ።
5
ኣብ ልዕለይ ቅፅሪ ሰርሐ፤ ብሓሙትን ብድኻምን ከበበኒ።
6
ከምቶም ቀደም ዝሞቱ፥ ኣብ ፀልማት ኣንበረኒ።
7
ጋሜል። ከይወፅእ ብመንደቕ ከበበኒ፤ ንሞቝሐይውን ኣኽበዶ።
8
ሓገዝ ደልየ እንተ ጠራዕኹን እንተ ኣእዌኹን እኳ፥ ንፀሎተይ መሕለፊ ዓፀወሉ።
9
ንመንገደይ ብዝተፀርቡ ኣእማን ዓፀዎ፤ ንመንገድታተይ ጥውይዋይ ገበሮ።
10
ዳሌጥ። ከም ዘድበየ ድቢ ተሓቢኡ ፀንሐኒ፤ ከም ዝፀናቶ ኣንበሳ ኾነኒ።
11
ንመንገደይ ለወጦ፤ ሰባበረኒ ኣዕነወኒ እውን።
12
ቀስቱ ገተረ፤ ዕላማ ፍላፃኡ ኸዓ ገበረኒ።
13
ሄ። ፍላፃታቱ ኻብ ሰገባኡ ኣውፂኡ፥ ኣብ ውሽጢ ኰላሊተይ ተኸሎ።
14
መላገፂ ዅሉ ህዝበይ ኮንኩ፤ ምሉእ መዓልቲ መላገፂኣቶም ኮንኩ።
15
መሪር ኣብልዐኒ፤ ዕረውን ኣፅገበኒ።
16
ዋው። ነስናነይ ብፀፀር ሰበረን፤ ብሓመድውን ከደነኒ።
17
ንነፍሰይ ካብ ሰላም ኣርሓቕካ፤ ነቲ ሰናይ ረሳዕኽዎ።
18
ኣነ ኸዓ “ሓይለይን፥ ብእግዚኣብሄር ዝነበረኒ ተስፋን ጠፊኡ እዩ” በልኩ።
19
ዛይ። መከራይን ሽግረይን፥ ምረትን ሓሞትን ዘክር።
20
ነፍሰይ እንተየቋረፀት ትዝክሮ ኣላ፤ ነፍሰይ ኣብ ውሽጠይ ተጨነቐት።
21
ይኹን እምበር ነዙይ ኣብ ልበይ ኣንብሮ፤ ስለዙይ ድማ ተስፋ እገብር።
22
ሔት። ፈፂምና ዘይጠፋእናስ፥ ካብ ምሕረት እግዚኣብሄር ዝተልዓለ እዩ፤ ርህራሄኡ ኣይውዳእን እዩ እሞ።
23
ንግሆ ንግሆ ሓድሽ እዩ፤ ተኣማንነትካውን ብዙሕ እዩ።
24
ነፍሰይ፥ “ዕድለይ እግዚኣብሄር እዩ፤ ስለዙይ ብእኡ ተስፋ እገብር” ትብል ኣላ።
25
ጤት። እግዚኣብሄር ነቶም ብተስፋ ዝፅበይዎ፥ ነታ እትደልዮ ነፍሲ ሰናይ እዩ።
26
ሰብ ምድሓን እግዚኣብሄር፥ ብህድኣት ተስፋ እንተ ገበረ ሰናይ እዩ።
27
ንሰብ ብንእስነቱ ኣርዑት ምፅዋር ሰናይ እዩ።
28
ዮድ። እግዚኣብሄር ኣሰኪምዎ እዩ እሞ፥ ስቕ ኢሉ በይኑ ይቀመጥ።
29
ገና ተስፋ ዝኾኖ እንተ ኾይኑ፥ ኣፉ ኣብ ውሽጢ ሓመድ የንብር።
30
ንዝወቕዖ መልትሑ ይሃብ፤ ፀርፊውን ይፅገብ።
31
ካፍ። እግዚኣብሄር ንሰብ፥ ንዘለኣለም ኣይድርብን እዩ እሞ፤
32
እንተ ኣሕዘነኳ፥ ከምቲ ብዝሒ ምሕረቱ ይርህርህ እዩ።
33
ፀገም ወይ መከራ፥ ኣብ ልዕሊ ሰብ ኣየምፅእን፤ ኣየጨንቕንውን።
34
ላሜድ። ኵሎም እሱራት እታ ምድሪ፥ ኣብ ትሕቲ እግሩ ንኽረግፆም፥
35
ኣብ ቅድሚ ልዑል፥ ንሰብ መሰሉ እንትገሃስ፥
36
ሰብ፥ ፍትሒ እንትጐድሎ፥ ጐይታ ኣይፈቅድን።
37
ሜም። እግዚኣብሄር ዘይኣዘዞ፥ ዝናገርን ዝፍፅምን መን እዩ?
38
ካብ ኣፍ ልዑል ክፉእ ይኹን ፅቡቕ ነገር ኣይወፅእንዶ?
39
ስለ ምንታይ እቲ ህያው ሰብ ዘጕረምርም? ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብሓጢኣቱ እንትቕፃዕ፥ ስለ ምንታይ ደኣ የጕረምርም?
40
ኖን። መንገድና ንተዓዘብን ንመርምርን እሞ ናብ እግዚኣብሄር ንመለስ።
41
ልብናን ኣእዳውናን ኣብ ሰማይ ናብ ዘሎ እግዚኣብሄር ነልዕል።
42
“ንሕና በደልና፤ ዓመፅናውን፤ ንስኻ ኸዓ ይቕረ ኣይበልካልናን።”
43
ሳምኬት። “ብቝጥዓ ኸደንካና፤ ሰጐጕካናን ቀተልካናን፤ ኣይራህራህኻልናንውን።
44
ፀሎትና ከይሓልፍ፥ ንባዕልኻ ብደመና ኸደንካ።
45
ኣብ ማእኸል ኣህዛብ፥ ጐሓፍን ጐድፍን ገበርካና።”
46
ዔ። “ኵሎም ፀላእትና፥ ኣብ ልዕሌና ኣፋቶም ከፈቱ።
47
ብጥፍኣትን ብምፍርራስን፥ ብሽግርን ብሽብርን ተሳቐና።
48
ብምጭፍላቕ ጓል ህዝበይ፥ ካብ ዓይነይ ውሕጅ ንብዓት ይውሕዝ ኣሎ።”
49
ፌ። “እግዚኣብሄር ካብ ሰማይ ክሳዕ ዝርእን፥ ዝምልከትን፥ ኣዒንተይ ብዘይዕረፍትን ብዘይምቍራፅን፥ ንብዓት የፍስሳ ኣለዋ።
51
ነተን ኵለን ኣብ ከተማይ ዘለዋ ቘናጁ ዝበፅሐን መከራ፥ ዓይነይ ንነፍሰይ ኣጨነቓ።”
52
ፃዴ። “እቶም ብዘይ ምኽንያት ዝፀልኡኒ፥ ከም ምህዳን ዒፍ ሃደኑኒ።
53
ህይወተይ ኣብ ጕድጓድ ኣጥፍኡ፤ ኣብ ልዕለይውን እምኒ ደርበዩ።
54
ቆፍ። ማይ ኣብ ልዕሊ ርእሰይ ወሓዘ፤ ኣነውን ጠፋእኹ ኢለ ነይረ።”
55
“ኣብ መዓሙቝ ጕድጓድ ኮይነ፥ ኦ እግዚኣብሄር፥ ስምካ ፀዋዕኹ።
56
ልመናይ ሰሚዕኻ ኢኻ፤ ረዳኢ ደልየ እንተእዊ፥ ካብ ምስማዕ እዝንኻ ኣይትከልከል።
57
ምስ ፀዋዕኩኻ ቐረብካኒ፤ ‘ኣይትፍራሕ’ ድማ በልካኒ።”
58
ሬስ። “ኦ ጐይታ፥ ጠበቓይ ኮንካ፤ ንህይወተይ ከዓ ተቤዘኻያ።
59
ኦ እግዚኣብሄር፥ ነቲ ዝወረደኒ ግፍዒ ርኢኻ ኢኻ እሞ ፍትሒ ኣውፅአለይ።
60
ኵሉ በቐሎምን፥ ኣብ ልዕለይ ዝኣለምዎ ውዲታትን ትፈልጦ ኢኻ።
61
ሳን። ኦ ጐይታይ፥ ኵሉ ፀርፎምን ኣባይ ዝኣለምዎ ውዲቶምን ሰሚዕኻዮ ኣለኻ።
62
ምሉእ መዓልቲ ኣብ ልዕለይ ይዛረቡን፥ ክፍኣት ከዓ ይመኽሩለይን ኣለዉ።
63
ተመልከቶም! ኣብ ምቕማጦም ኮነ፥ ኣብ ምትሳኦም የላግፁለይ ኣለዉ።
64
ታው። ኦ እግዚኣብሄር፥ ከምቲ ግብሪ ኣእዳዎም፥ መሊስካ ኽፈሎም።
65
ንልቦም ኣደንዝዞ፤ መርገምካውን ኣውርደሎም።
66
ብቝጥዓኻ ኣሳጕጎም፤ ካብ ትሕቲ ሰማይ ከዓ ኣጥፍኣዮም።”
← Chapter 2
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 4 →
All chapters:
1
2
3
4
5