bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
Lamentations 4
Lamentations 4
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
← Chapter 3
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 5 →
1
ኣሌፍ። እቲ ወርቂ ኸመይ ኢሉ ሃሰሰ? እቲ ፅሩይ ወርቂኸ ኸመይ ኢሉ ተለወጠ? ዝኸበሩ ኣእማን ቤተ መቕደስ፥ ፈቐዶ ወሰን መንገዲ ተበታቲኖም።
2
ቤት። እቶም ከም ፅሩይ ወርቂ ዝኸበሩ ደቂ ፅዮንከ፥ ከመይ ኢሎም ከምቲ ሰራሒ መሬት፥ ዝሰርሖ ኣቑሑ ተቘፀሩ።
3
ጋሜል። ወኻሩ እኳ ኣጥባተን ሂበን፥ ንዀራኹረን የጥብዋ፤ ጓል ህዝበይ ግና፥ ኣብ ምድረ በዳ ከም ዘለዉ ሰገናት ጨካን ኮነት።
4
ዳሌጥ። ካብ ፅምኢ ማይ ዝተልዓለ፥ መልሓስ ህፃናት ምስ ትንሓጎም ተጣበቐ፤ ቈልዑ እንጀራ ለመኑ፤ ዝህቦም ግና የለን።
5
እቶም ጥዑም ምግቢ ዝበልዑ ዝነበሩ፥ እንጀራ ስኢኖም ፈቐዶ መንገድታት ተንከራተቱ፤ እቶም ቀይሕ ሃሪ ተኸዲኖም ዝዓበዩ፥ ኣብ ልዕሊ ዅምራ ሓመድ ደቀሱ።
6
ዋው። ሓጢኣት ህዝበይ፥ ዝኾነ ኢድ እንተይነኽኣ፥ ካብ ሓጢኣት እታ ብቕፅበት ዝተገልበጠት ሰዶም ይዓቢ።
7
ዛይ። ኣሕሉቓ ኻብ በረድ ዝፀረዩ፥ ካብ ፀባ ዝፅዕድዉ፥ ሰብነቶም ካብ ቀይሕ ዕንቊ ዝቐይሕ፥ መልክዓቶምውን ከም ሰንፔር ነበረ።
8
ሔት። ግና ኻብ ፀለሎ ፀሊሞም፤ ኣብ መንገዲ ዘለልዮም የለን፤ ቈርበቶም ምስ ኣዕፅምቶም ተጣቢቑ፤ ከም ዕንፀይቲውን ነቐፁ።
9
ጤት። ካብቶም ብጥሜት ዝሞቱ፥ እቶም ብሰይፊ ዝተቐተሉ ይሐሹ፤ ኣብ ሜዳ ምግቢ ብዘይምርካቦም፥ ዝበልዕዎ ስኢኖም ብጥሜት ሃሊቖም እዮምሞ።
10
ዮድ። ርህሩሃት ኣንስቲ እኳ በእዳወን ደቀን ኣብሰላ፤ በቲ ጥፍኣት ጓል ህዝበይ ምግቢ ዀንወን።
11
ካፍ። እግዚኣብሄር ንመዓቱ ፈፀመ፤ ርሱን ቍጥዓኡውን ኣፍሰሰ፤ ኣብ ፅዮን ሓዊ ኣንደደ፤ ንመሰረታታውን ከም ዘቃፅሎ ገበረ።
12
ላሜድ። “ነገስታት ምድርን ኵሎም ኣብ ዓለም ዝነበሩን፥ ተፃራርን ፀላእን ብበርታት ኢየሩሳሌም ክኣትዉ እዮም ኢሎም ኣይኣምኑን ነበሩ።”
13
ሜም። እዝ ዅሉ ኸዓ፥ ብምኽንያት ሓጢኣት ነቢያታን፥ ብሰንኪ ኻህናታን፥ ንሳቶም ኣብ ውሽጣ፥ ደም ንፁሃት ፃድቃን ስለ ዘፍሰሱ እዩ።
14
ኖን። ሰብ ክዳውንቶም ንምንካእ ክሳዕ ዝፍንፍኖም፥ ብደም ረኺሶም፥ ከም ዕዉራት ኮይኖምውን፥ ኣብ ኣደባባያት ደርገፍገፍ ይብሉ ኣለዉ።
15
ሳምኬት። እቶም ህዝቢ ዓው ኢሎም፤ “ረሓቑ፥ ኣቱም ርኹሳት ረሓቑ፤ ኣይትንክኡና” እናበሉ፥ ይሰጕዎም ኣለዉ። ንሳቶም ከዓ ሃዲሞም ኰለል እንትብሉ፥ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ዘለዉ ሰባት፥ “ደጊም ኣብዙይ ኣይነብሩን” ይብሉ።
16
ዔ። እግዚኣብሄር ባዕሉ በተኖም፤ መሊሱ ቝልሕ ኣይብሎምን፤ ገፅ እቶም ካህናት ኣይሓፈሩን፤ ነቶም ኣረጋውያንውን ኣየኽበሩን።
17
ፌ። ነቲ ኸቶ ዘይመፅእ ሓገዝ ክንጥምት፥ ኣዒንትና ጠፊአን፤ ብምፅባይና ኻብቲ ኸድሕን ዘይኽእል ህዝቢ፥ ሓገዝ ተፀበና።
18
ዳዴ። ሰባት እግሪ እግርና ይከታተሉና ስለ ዝነበሩ፥ ብመንገድና ኽንከይድ ኣይከኣልናን፤ መወዳእታና ቐሪቡ፥ መዓልቲታትና ኣኺሉ እዩ፤ መወዳእታና በፂሑ እዩ።
19
ቆፍ። ሰጐጕትና ኻብ ንስሪ ሰማይ ይቕልጥፉ፤ ኣብ እምባታት ሃደኑና፤ ኣብ ምድረ በዳ ድማ ኣድበዩልና።
20
ሬስ። እቲ እግዚኣብሄር ዝቐብኦ፥ ብዛዕባኡ፥ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ፥ ኣብ ፅላሉ ብህይወት ክንነብር ኢና፤ ዝበልናዮ ህይወት እስትንፋስና፥ ኣብ ጕድጓዶም ተትሓዘ።
21
ሳን። ኣቲ ኣብ ሃገር ዖፅ እትነብሪ ጓል ኤዶምያስ፥ ተሓጐሲ፤ ደስ ይበልኪ፤ ግናኸ እቲ ፅዋዕ ናባኺውን ክሓልፍ እዩ፤ ክትሰክርን ጥራሕኺ ኽትኾንን ኢኺ።
22
ታው። ኦ ጓል ፅዮን፥ መቕፃዕትኺ ኽውዳእ እዩ፤ ድሕሪ ደጊም ኣየማርኸክን እዩ፤ ኣቲ ጓል ኤዶምያስ ንበደልኪ ኽቐፅዕ እዩ፤ ንሓጢኣትኪ እውን ክቐልዖ እዩ።
← Chapter 3
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 5 →
All chapters:
1
2
3
4
5