bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
Matthew 1
Matthew 1
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 2 →
1
ወዲ ዳዊት ወዲ ኣብርሃም፥ ናይ ዝኾነ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ መፅሓፍ ትውልዲ፦
2
ኣብርሃም ንይስሓቅ ወለደ፥ ይስሓቅ ንያእቆብ ወለደ፥ ያእቆብ ንይሁዳን ነሕዋቱን ወለደ፥
3
ይሁዳ ኸዓ፥ ካብ ትእማር ንፋሬስን ንዛራን ወለደ፥ ፋሬስ ንኤስሮም ወለደ፥ ኤስሮም ንኣራም ወለደ፥
4
ኣራም ንኣሚናዳብ ወለደ፥ ኣሚናዳብ ንነኣሶን ወለደ፥ ነኣሶን ንሰልሞን ወለደ፥
5
ሰልሞን ካብ ራኬብ ንቦኤዝ ወለደ፥ ቦኤዝ ካብ ሩት ንኢዮቤድ ወለደ፥ ኢዮቤድ ንእሴይ ወለደ፥
6
እሴይ ንንጉስ ዳዊት ወለደ። ንጉስ ዳዊት ካብ ሰበይቲ ኦርዮ ንሰሎሞን ወለደ፥
7
ሰሎሞን ንሮብኣም ወለደ፥ ሮብኣም ንኣብያ ወለደ፥ ኣብያ ንኣሳፍ ወለደ፥
8
ኣሳፍ ንኢዮሳፍጥ ወለደ፥ ኢዮሳፍጥ ንኢዮራም ወለደ፥ ኢዮራም ንዖዝያን ወለደ፥
9
ዖዝያን ንኢዮኣታም ወለደ፥ ኢዮኣታም ንኣካዝ ወለደ፥ ኣካዝ ንሕዝቅያስ ወለደ፥
10
ሕዝቅያስ ንምናሴ ወለደ፥ ምናሴ ንኣሞፅ ወለደ፥ ኣሞፅ ንኢዮስያስ ወለደ፥
11
ኢዮስያስ ከዓ ብጊዜ ምርኮ ባቢሎን ንኢኮንያንን ነሕዋቱን ወለደ።
12
ድሕሪ ምርኮ ባቢሎን ድማ፥ ኢኮንያን ንሰላትያል ወለደ፥ ሰላትያል ንዘሩባቤል ወለደ፥
13
ዘሩባቤል ንኣብዩድ ወለደ፥ ኣብዩድ ንኤልያቄም ወለደ፥ ኤልያቄም ንኣዛር ወለደ፥
14
ኣዛር ንሳዶቅ ወለደ፥ ሳዶቅ ንኣኪም ወለደ፥ ኣኪም ንኤልዩድ ወለደ፥
15
ኤልዩድ ንኣልኣዛር ወለደ፥ ኣልኣዛር ንማታን ወለደ፥ ማታን ንያእቆብ ወለደ፥
16
ያእቆብ ድማ ክርስቶስ ንዝተብሃለ ኢየሱስ ንዝወለደት ንሕፁይ ማርያም ንዮሴፍ ወለደ።
17
እምበኣር ኵሉ ትውልዲ፥ ካብ ኣብርሃም ክሳዕ ዳዊት ዓሰርተ ኣርባዕተ ትውልዲ፥ ካብ ዳዊት ክሳዕ ምርኮ ባቢሎን ዓሰርተ ኣርባዕተ ትውልዲ፥ ካብ ምርኮ ባቢሎን ክሳዕ ክርስቶስ ድማ፥ ዓሰርተ ኣርባዕተ ትውልዲ እዩ።
18
ልደት ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዙይ እዩ፦ እኖኡ ማርያም ንዮሴፍ ተሓፅያ እንተላ፥ እንተይተቓረቡ ብመንፈስ ቅዱስ ጠኒሳ ተረኸበት።
19
ሕፁያ ዮሴፍ ግና ፃድቕ ስለ ዝነበረ፥ ብሕቡእ ክሓድጋ ደኣ ሓሰበ እምበር ክገልፃ ኣይደለየን።
20
እዙይ እናሓሰበ እንተሎ፥ እንሆ መልኣኽ እግዚኣብሄር ብሕልሚ ተርኣዮ፤ ከምዙይ ድማ በሎ፦ “ዮሴፍ ወዲ ዳዊት፥ እቲ ኻብኣ ዝውለድ ብመንፈስ ቅዱስ እዩ እሞ፥ ንሕፅይትኻ ማርያም ምውሳዳ ኣይትፍራሕ።
21
ወዲ ኽትወልድ እያ፤ ንሱ ንህዝቡ ኻብ ሓጢኣቶም ከድሕኖም እዩ እሞ፥ ስሙ ኢየሱስ ክትብሎ ኢኻ።”
22
እዝ ዅሉ ዝኾነ ድማ እቲ እግዚኣብሄር ብነቢይ “እንሆ ድንግል ክትጠንስ፥ ወዲውን ክትወልድ እያ፤ ስሙ ኸዓ ኣማኑኤል ክበሃል እዩ፤ ትርጕሙ ድማ ‘እግዚኣብሄር ምሳና’ ማለት እዩ” ኢሉ ዝተዛረቦ ምእንቲ ኽፍፀም እዩ።
24
ዮሴፍ ድማ ኻብ ድቃሱ ተሲኡ ኸምቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ገበረ፤ ንሕፅይቱ ማርያም ድማ ወሰዳ፤
25
[በዅሪ] ወዳ ኽሳዕ እትወልድውን ኣይፈለጣን፤ ኢየሱስ ኢሉ ድማ ሰመዮ።
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 2 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21
22
23
24
25
26
27
28