bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
Matthew 2
Matthew 2
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
← Chapter 1
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 3 →
1
ኢየሱስ ብዘመን ንጉስ ሄሮድስ ኣብ ቤተ ልሔም ምድሪ ይሁዳ ምስ ተወለደ፥ እንሆ ኻብ ሃገር ምብራቕ ዝመፁ ሰብኣ ሰገል፥ “ኮኸቡ ብምብራቕ ርኢና ኽንሰግደሉ መፂእና ኢና እሞ፥ እቲ ዝተወለደ ንጉስ ኣይሁድ ኣበይ ኣሎ?” እናበሉ ናብ ኢየሩሳሌም በፅሑ።
3
ንጉስ ሄሮድስ እዙይ ሰሚዑ ደንገፀ፤ ኵሎም ህዝቢ ኢየሩሳሌምውን ምስኡ ደንገፁ።
4
ንሱ ድማ ንዅሎም ሊቃነ ካህናትን መምህራን ህዝብን ኣኪቡ፥ “ክርስቶስ ኣበይ እዩ ዝውለድ?” ኢሉ ጠየቖም።
5
ንሳቶም ከዓ “ኣቲ ቤተ ልሔም ምድሪ ይሁዳ፥ ንህዝበይ እስራኤል ዝሕልዎም ንጉስ ካባኺ ኽወፅእ እዩ እሞ፥ ካብ ነገስታት ይሁዳ ኸቶ ኣይትንእስን ኢኺ ዝብል፥ ብነቢይ ተፅሒፉ ስለ ዘሎ፥ ኣብ ቤተ ልሔም ምድሪ ይሁዳ እዩ” በልዎ።
7
ድሕሪዙይ ሄሮድስ ንሰብኣ ሰገል ብሕቡእ ፀዊዑ፥ ካብኣቶም ድማ ዘመን እቲ ዝተርኣዮም ኮኸብ ኣፀቢቑ ተረድአ።
8
ናብ ቤተ ልሔም ድማ ሰደዶምሞ፥ “ኬድኩም ብዛዕባ እቲ ህፃን ብጥንቃቐ መርምሩ። ምስ ረኸብኩምዎ ድማ ኣነ መፂአ ምእንቲ ኽሰግደሉ ንገሩኒ” በሎም።
9
ንሳቶም ከዓ ኻብቲ ንጉስ ሰሚዖም ከዱ። እንሆ እቲ ብምብራቕ ዝረአይዎ ኮኸብ ኣብ ልዕሊ እቲ ህፃን ዝነበራ ቦታ መፂኡ ኽሳዕ ዝቐውም መርሖም።
10
ነቲ ኮኸብ ምስ ረአይዎ፥ ካብ መጠን ንላዕሊ ተሓጐሱ።
11
ናብ ቤት ኣትዮም፥ ነቲ ህፃን ምስ ማርያም እኖኡ ረአይዎ፤ ተደፊኦም ድማ ሰገዱሉ። ሳፁኖም ከፊቶም ከዓ ወርቅን ዕጣንን ከርበን ገፀ በረኸት ኣቕረቡሉ።
12
ናብ ሄሮድስ ከይምለሱ ብሕልሚ ስለ ዘጠንቀቖም፥ ብኻልእ መንገዲ ናብ ሃገሮም ተመለሱ።
13
ንሳቶም ምስ ከዱ ኸዓ፥ መልኣኽ እግዚኣብሄር ንዮሴፍ ብሕልሚ ተርኣዮ፤ “ሄሮድስ ነዝ ህፃን ክቐትሎ ይደሊ ኣሎ እሞ ተስእ፤ ነዝ ህፃንን ንኖኡን ሒዝካ ናብ ግብፂ ህደም፤ ክሳዕ ዝነግረካ ኸዓ ኣብኡ ፅናሕ” በሎ።
14
ዮሴፍ ድማ ተሲኡ፥ ነቲ ህፃንን ንኖኡን ሒዙ፥ ብለይቲ ናብ ግብፂ ኸደ።
15
እቲ እግዚኣብሄር ብነቢይ “ንወደይ ካብ ግብፂ ፀዋዕኽዎ” ዝበሎ ምእንቲ ኽፍፀም ድማ፥ ሄሮድስ ክሳዕ ዝመውት ኣብኡ ፀንሐ።
16
ሽዑ ሄሮድስ እቶም ሰብኣ ሰገል ከም ዘላገፁሉ ምስ ተረድአ የመና ተቘጥዐ እሞ፥ ንዅሎም ህፃናት ቤተ ልሔምን፥ ኣብ ኵሉ ኸባቢኣ ንዝነበሩ ህፃናትን፥ ካብ ሰብኣ ሰገል ጠይቑ ብዝተረድኦ ዘመን፥ ሰራዊቱ ልኢኹ፥ ወዲ ኽልተ ዓመትን ካብኡ ንታሕትን ንዝነበሩ ህፃናት ኣቕተለ። ሽዑ እቲ ብነቢይ ኤርሚያስ፦
17
“ኣብ ራማ ድምፅን ብዙሕ ዋይዋይታን ብኽያትን ተሰምዐ፤ ራሄል ምእንቲ ደቃ በኸየት፤ ሞይቶም እዮም እሞ፥ ምፅንናዕ ኣበየት” ዝተብሃለ ተፈፀመ።
19
ሄሮድስ ምስ ሞተ፥ እንሆ ኣብ ግብፂ መልኣኽ እግዚኣብሄር ንዮሴፍ ብሕልሚ ተርእዩ፥
20
“እቶም ንነፍሲ እዝ ህፃን ዝደልዩ፥ ሞይቶም እዮም እሞ ተስእ፤ ነዝ ህፃንን ንኖኡን ሒዝካ፥ ናብ ምድሪ እስራኤል ኪድ” በሎ።
21
ንሱ ድማ ተሲኡ፥ ነቲ ህፃንን ንኖኡን ሒዙ፥ ናብ ምድሪ እስራኤል ተመለሰ።
22
ግና ኣርኬላኦስ ክንዲ ኣቦኡ ሄሮድስ፥ ኣብ ይሁዳ ኸም ዝነገሰ ሰሚዑ፥ ናብኡ ምኻድ ፈርሐ። ብሕልሚ ምስ ተገለፀሉ ድማ፥ ናብ ምድሪ ገሊላ ኸደ።
23
እቲ ብነቢያት “ናዝራዊ ኽብሃል እዩ” ዝተብሃለ ምእንቲ ኽፍፀም፥ ናዝሬት ናብ እትብሃል ዓዲ መፂኡ ተቐመጠ።
← Chapter 1
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 3 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21
22
23
24
25
26
27
28