bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic (Tigrigna: Contemporary Tigrinya Bible 2024)
/
1 John 4
1 John 4
Amharic (Tigrigna: Contemporary Tigrinya Bible 2024)
← Chapter 3
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 5 →
1
ፍቁራተይ፡ ብዙሓት ናይ ሓሶት ነብያት ናብ ዓለም ወጺኦም እዮም እሞ፡ ነቶም መናፍስቲ ካብ ኣምላኽ እንተ ዀይኖም ንምፍላጥ እምበር፡ ንመንፈስ ዘበለ ኣይትእመን።
2
ብመንፈስ ኣምላኽ በዚ ትፈልጥዎ ኢኹም፦ የሱስ ክርስቶስ ብስጋ ከም ዝመጸ ዚናዘዝ መንፈስ ዘበለ ዅሉ ካብ ኣምላኽ እዩ።
3
የሱስ ክርስቶስ ብስጋ ከም ዝመጸ ዘይናዘዝ መንፈስ ከኣ ካብ ኣምላኽ ኣይኰነን። እዚ ድማ እቲ ንሱ ከም ዝመጽእ ዝሰማዕኩምዎ መንፈስ ጸረ ክርስቶስ እዩ፤ ሕጂ እውን ኣብ ዓለም እኳ እንተሎ።
4
ደቀይ፡ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ ካብቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ይዓቢ እሞ፡ ንስኻትኩም ካብ ኣምላኽ ኢኹም እሞ፡ ስዒርኩምዎም።
5
ካብ ዓለም እዮም፤ ስለዚ ብዛዕባ ዓለም ይዛረቡ፡ ዓለም ድማ ትሰምዖም።
6
ንሕና ካብ ኣምላኽ ኢና፤ እቲ ንኣምላኽ ዝፈልጥ ይሰምዓና፤ እቲ ካብ ኣምላኽ ዘይኰነ ኣይሰምዓናን እዩ። በዚ ድማ መንፈስ ሓቅን መንፈስ ስሕተትን ንፈልጥ።
7
ፍቁራተይ፡ ፍቕሪ ካብ ኣምላኽ እያ እሞ፡ ንሓድሕድና ንፋቐር። ዘፍቅር ዘበለ ድማ ካብ ኣምላኽ ተወሊዱ ንኣምላኽ ይፈልጦ እዩ።
8
ዘየፍቅር ንኣምላኽ ኣይፈልጦን እዩ። ምኽንያቱ ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ።
9
ኣምላኽ ብእኡ ምእንቲ ኽንነብር፡ ነቲ ሓደ ወዱ ናብ ዓለም ስለ ዝለኣኾ፡ ፍቕሪ ኣምላኽ ኣባና በዚ እያ እትግለጽ።
10
እታ ፍቕሪ እዚኣ እያ፡ ንሕና ንኣምላኽ ከም ዘፍቀርናዮ ዘይኰነስ፡ ንሱ ስለ ዘፍቀረና፡ ንወዱ ድማ መተዓረቒ ሓጢኣትና ኪኸውን ከም ዝለኣኾ እዩ።
11
ኣቱም ፍቁራተይ፡ ኣምላኽ ከምኡ እንተ ኣፍቀረና፡ ንሕናውን ንሓድሕድና ንፋቐር።
12
ንኣምላኽ ዝረኣዮ ሓደ እኳ የልቦን። ንሓድሕድና እንተተፋቒርና ኣምላኽ ኣባና ይነብር፡ ፍቕሩ ድማ ኣባና ፍጹም ኮይኑ ኣሎ።
13
ንሱ ኻብ መንፈሱ ስለ ዝሃበና፡ ኣብኡ፡ ንሱ ድማ ኣባና ኸም እንጸንዕ በዚ ንፈልጥ ኢና።
14
ኣቦ ንወዲ መድሓኒ ዓለም ኪኸውን ከም ዝለኣኾ ድማ ርኢና መስኪርና ኢና።
15
የሱስ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ዚናዘዝ ዘበለ ዅሉ፡ ኣምላኽ ኣብኡ ይነብር፡ ንሱውን ኣብ ኣምላኽ ይነብር።
16
ነቲ ኣምላኽ ኣባና ዘለዎ ፍቕሪ ድማ ፈሊጥናዮን ኣሚንናዮን። ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ፤ እቲ ብፍቕሪ ዚነብር ድማ ኣብ ኣምላኽ፡ ኣምላኽ ድማ ኣብኡ ይነብር።
17
በዚ ኸኣ ፍቕርና ፍጽምቲ እያ፣ ምእንቲ ብመዓልቲ ፍርዲ ትብዓት ክህልወና፣ ከመይሲ ከምቲ ንሱ ዘለዎ ንሕናውን ኣብዛ ዓለም እዚኣ ኢና።
18
ኣብ ፍቕሪ ፍርሒ የልቦን። ፍጽምቲ ፍቕሪ ግና ንፍርሃት ትድርብዮ፡ ፍርሒ ስቓይ ስለ ዘለዎ። እቲ ዝፈርሕ ብፍቕሪ ፍጹም ኣይኰነን።
19
ቅድም ስለ ዘፍቀረና ኢና ነፍቅሮ።
20
ሓደ ሰብ፡ ኣነ ንኣምላኽ የፍቅሮ፡ ንሓዉውን እንተ ጸሊእዎ፡ ሓሳዊ እዩ። ነቲ ዝረኣዮ ሓዉ ዘየፍቅሮሲ፡ ነቲ ዘይረኣዮ ኣምላኽ ከመይ ኢሉ የፍቅሮ፧
21
እቲ ንኣምላኽ ዜፍቅር ንሓዉ እውን ኬፍቅሮ እዩ ዚብል ትእዛዝ እዚ ካባኡ ረኸብና።
← Chapter 3
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 5 →
All chapters:
1
2
3
4
5