bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
2 Kings 1
2 Kings 1
Amharic Tigrinya 2011
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 2 →
1
ድሕሪ ሞት ኣከኣብ ድማ ሞኣብ ካብ እስራኤል ዐለወ።
2
ኣሓዝያ ኸኣ ካብቲ ኣብ ሰማርያ ዘላ ደርቢ ቤቱ ብዓይኑ ርግቢ ጸደፈ እሞ ሐመመ። ሽዑ ልኡኻት ሰዲዱ፡ ኪዱ እሞ ካብዚ ሕማመይ ዝሐዊ እንተ ዀይነ፡ ንበዓልዜቡብ ኣምላኽ ዔቅሮን ሕተቱለይ፡ በሎም።
3
ግናኸ መልኣኽ እግዚኣብሄር ንኤልያስ ቲስቢታዊ፡ ተንስእ፡ ነቶም ልኡኻት ንጉስ ሰማርያ ኽትቃባበሎም ደይብ እሞ፡ እቲ ንበዓልዜቡብ ኣምላኽ ዔቅሮን ክትሐቱ ዝኸድኩምሲ፡ ኣብ እስራኤልዶ ኣምላኽ የልቦን እዩ ስለዚ ኸኣ ርግጽ ትመውት እምበር፡ ካብቲ ደዪብካዮ ዘሎኻ ዓራት ኣይትወርድን ኢኻ፡ ይብል ኣሎ እግዚኣብሄር በሎም፡ ኢሉ ተዛረቦ። ኤልያስ ከኣ ኸደ።
4
ግናኸ መልኣኽ እግዚኣብሄር ንኤልያስ ቲስቢታዊ፡ ተንስእ፡ ነቶም ልኡኻት ንጉስ ሰማርያ ኽትቃባበሎም ደይብ እሞ፡ እቲ ንበዓልዜቡብ ኣምላኽ ዔቅሮን ክትሐቱ ዝኸድኩምሲ፡ ኣብ እስራኤልዶ ኣምላኽ የልቦን እዩ ስለዚ ኸኣ ርግጽ ትመውት እምበር፡ ካብቲ ደዪብካዮ ዘሎኻ ዓራት ኣይትወርድን ኢኻ፡ ይብል ኣሎ እግዚኣብሄር በሎም፡ ኢሉ ተዛረቦ። ኤልያስ ከኣ ኸደ።
5
እቶም ልኡኻት ድማ ናብኡ ተመልሱ። ንሱ ኸኣ፡ እንታይ ኴንኩም ኢኹም እተመለስኩም በሎም።
6
ንሳቶም ድማ በልዎ፡ ሓደ ሰብኣይ ኪቃባበለና ደዪቡ፡ ናብቲ ዝለኣኸኩም ንጉስ ተመሊስኩም፡ እቲ ንበዓልዜቡብ ኣምላኽ ዔቅሮን ክትሐትት ዝለኣኽካስ፡ ኣብ እስራኤልዶ ኣምላኽ የልቦን እዩ ስለዚ ርግጽ ትመውት እምበር፡ ካብቲ ደዪብካዮ ዘሎኻ ዓራት ኣይትወርድን ኢኻ፡ ይብል ኣሎ እግዚኣብሄር፡ ኢልኩም ተዛረብዎ፡ በለና።
7
ንሱ ኸኣ፡ እቲ ኺቃባበለኩም ደዪቡስ እዚ ዘረባ እዚ እተዛረበኩም ሰብኣይከ ኸመይ ዝበለ እዩ በሎም።
8
ንሳቶም ድማ፡ ማቕ እተኸድነ፡ ኣብ ሕቜኡ ኸኣ ፈልቊ እተዐጥቀ ሰብኣይ እዩ፡ በልዎ። እቲ ንጉስ ድማ፡ ንሱ ኤልያስ ቲስቢታዊ እዩ፡ በለ።
9
እቲ ንጉስ ከኣ ሓደ ሓለቓ ሓምሳ ምስቶም ሓምሳኡ ገይሩ ሰደደሉ። ንሱ ድማ ናብኡ ደየበ። እንሆ ኸኣ፡ ንሱ ኣብ ርእሲ እቲ ኸረን ኮፍ ኢሉ ነበረ እሞ፡ ኣታ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ እቲ ንጉስ፡ ውረድ፡ ይብለካ ኣሎ፡ በሎ።
10
ኤልያስ ድማ ነቲ ሓለቓ ሓምሳ፡ ናይ ኣምላኽ ሰብ እንተ ዀይነስ፡ ሓዊ ኻብ ሰማይ ይውረድ፡ ንኣኻን ነዞም ሓምሳኻን ከኣ ይብላዕኩም፡ ኢሉ መለሰሉ። ሽዑ ሓዊ ኻብ ሰማይ ወሪዱ ንእኡን ነቶም ሓምሳኡን በልዖም።
11
መሊሱ ድማ ካልእ ሓለቓ ሓምሳ ምስ ሓምሳኡ ገይሩ ሰደደሉ። እዚ ኸኣ፡ ኣታ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ እቲ ንጉስ፡ ቀልጢፍካ ውረድ ይብለካ ኣሎ። ኢሉ ተዛረቦ።
12
ኤልያስ ድማ፡ ኣነ ናይ ኣምላኽ ሰብ እንተ ዀይነስ፡ ሓዊ ኻብ ሰማይ ይውረድ፡ ንኣኻን ነዞም ሓምሳኻን ከኣ ይብላዕኩም፡ ኢሉ መለሰሉ። ሽዑ ናይ ኣምላኽ ሓዊ ኻብ ሰማይ ወሪዱ ድማ ንእኡን ነቶም ሓምሳኡን በልዕም።
13
መሊሱ ድማ ሳልሳይ ሓለቓ ሓምሳ ምስ ሓምሳኡ ሰደደ። እቲ ሳልሳይ ሓለቓ ሓምሳ ኸኣ ደየበ፡ መጺኡ ድማ ኣብ ቅድሚ ኤልያስ ብብርኩ ተንበርኪኹ ኸምዚ ኢሉ ለመኖ፡ ኣታ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ በጃኻ፡ ነፍሰይን ነፍሳት እዞም ሓምሳ ገላውኻን ኣብ ቅድሜኻ ኽቡራት ይኹና።
14
እንሆ፡ ነቶም ቀዳሞት ክልተ ሓላቑ ሓምሳስ መምስ ሓምሳኦም ሓዊ ኻብ ሰማይ ወሪዱ በልዖም። ሕጂ ኸኣ ነፍሰይ ኣብ ቅድሜኻ ኽብርቲ ይኹን።
15
እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ንኤልያስ፡ ምስኡ ውረድ፡ ኣብ ቅድሚኡ ኣይትፍራህ፡ ኢሉ ተዛረቦ። ተንሲኡ ኸኣ ምስኡ ናብቲ ንጉስ ወረደ።
16
ንእኡ ድማ ተዛረቦ፡ እቲ ንበዓል ዜቡብ ኣምላኽ ዔቅሮን ክትሐትት ልኡኻት ዝሰደድካስ፡ ኣብ እስራኤልዶ ነገሩ እትሐቶ ኣምላኽ የልቦን እዩ ስለዚ ርግጽ ትመውት እምበር፡ ካብዚ ደዪብካዮ ዘሎኻ ዓራት ኣይትወርድን ኢኻ፡ ይብል ኣሎ እግዚኣብሄር።
17
ከምቲ ኤልያስ እተዛረቦ ቓል እግዚኣብሄር ድማ ሞተ። ወዲ ኣይነበሮን እሞ፡ ኣብ ክንዳኡ ዮራም ነገሰ። እዚ ኸኣ ኣብ ካልኣይቲ ዓመቱ ንዮራም ወዲ ዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳ ዀነ።
18
እቲ ዝተረፈ ኣሓዝያ ዝገበሮ ነገሩ፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት እስራኤልዶ ተጽሒፉ ኣየሎን
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 2 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21
22
23
24
25