bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
2 Kings 3
2 Kings 3
Amharic Tigrinya 2011
← Chapter 2
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 4 →
1
ንዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳ ኣብ መበል ዓሰርተው ሾሞንተ ዓመቱ ዮራም ወዲ ኣከኣብ ኣብ ክልተ ዓመት ከኣ ገዝኤ።
2
ንሱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፋኣ ገበረ፡ ከም ኣቦኡን ኣዲኡን ግና ኣይኰነን፡ ንሱስ ነቲ ኣቦኡ ዝገበሮ ሓወልቲ በዓል ኣርሐቖ።
3
ግናኸ ኣብቲ ንእስራኤል ዘስሐተሉ ሓጢኣት የሮብዓም ወዲ ናባጥ ጠበቐ እምበር፡ ካብኡ ኣየግለሰን።
4
ሜሳ ንጉስ ሞኣብ ከኣ ብዓል ኣባጊዕ ነበረ። ንንጉስ እስራኤል ድማ ሚእቲ ሽሕ ገንሸልን ሚእቲ ሽሕ ድዑል ምስ ጸጒሮምን ይግብረሉ ነበረ።
5
ኰነ ኸኣ፡ ኣከኣብ ምስ ሞተ፡ እቲ ንጉስ ሞኣብ ካብ ንጉስ እስራኤል ዐለወ።
6
በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ንጉስ ዮራም ካብ ሰማርያ ወጺኡ ንብዘሎ እስራኤል ቈጸረ።
7
ናብ ዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳ ልኢኹ ኸኣ፡ ንጉስ ሞኣብ ካባይ ዐልዩ እዩ እሞ፡ ንንጉስ ሞኣብ ክንዋግኦስ፡ ምሳይዶ ትኸይድ ኢኻ በሎ። ንሱ ድማ፡ ሕራይ እድይብ፡ ኣነ ኸማኻ፡ ህዝበይ ከም ህዝብኻ፡ ኣፍራሰይ ከም ኣፍራስካ፡ በለ።
8
ንሱ ኸኣ፡ በየናይ መገዲኸ ንደይብ በለ።
9
ንጉስ እስራኤል ንጉስ ይሁዳን ንጉስ ኤዶምን ድማ ኸዱ፡ መገዲ ሾብዓተ መዓልቲ ምስ ዘሩ ኸኣ፡ ንሰራዊቶምን ነተን ዚስዕባኦም ዝነበራ እንስሳን ማይ ሰኣኑ።
10
ሽዑ እቲ ንጉስ እስራኤል፡ ኣየ፡ እግዚኣብሄር ነዞም ሰለስተ ነገስታት እዚኣቶም ኣብ ኢድ ሞኣብ ኣሕሊፉ ኺህቦም ጸውዖም፡ በለ።
11
ዮሳፋጥ ግና፡ ብእኡ ንእግዚኣብሄር እንሐተሉ ነብዪ እግዚኣብሄርዶ ኣብዚ የልቦን በለ። ሽዑ ሓደ ኻብ ገላው ንጉስ እስራኤል፡ እቲ ናብ ኣእዳው ኤልያስ ማይ ዜፍስስ ዝነበረ ኤልሳእ ወዲ ሻፋጥ እባ ኣብዚ ኣሎ፡ ኢሉ መለሰ።
12
ዮሳፋጥ ከኣ፡ ቃል እግዚኣብሄር ምስኡ ኣሎ፡ በለ። ንጉስ እስራኤልን ዮሳፋጥን ንጉስ ኤዶምን ኰይኖም ድማ ናብኡ ወረዱ።
13
ኤልሳእ ከኣ ንንጉስ እስራኤል፡ ንኣይን ንኣኻን እንታይ ኣራኺቡና ናብቶም ነብያት ኣቦኻን ናብ ነብያት ኣዴኻን ደኣ ኺድ፡ በሎ። እቲ ንጉስ እስራኤል ድማ፡ ኣይፋል፡ እግዚኣብሄር ነዞም ሰለስተ ነገስታት እዚኣቶም ደኣ ኣብ ኢድ ሞኣብ ኣሕሊፉ ኺህቦም እዩ ዝጸውዖም፡ በሎ።
14
ኤልሳእ ከኣ፡ ንዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳ እንተ ዘይብልሲ፡ ኣነ ኣይምጠመትኩኻን ኣይምርኤኹኻን ድማ፡ እቲ ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢለ ዘሎኹ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ህያው እዩ፡
15
ሕጂ ኸኣ ሓደ ብዓል በገና ኣምጽኡለይ፡ በለ። ኰነ ድማ፡ እቲ ብዓል በገና ምስ ወቕዔ፡ ኢድ እግዚኣብሄር መጸቶ፡
16
በለ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣብዚ ርባ እዚ ጐዳጒዲ ኣብ ርእሲ ጐዳጒዲ ዂዐቱ።
17
እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ንፋስ ኣይትርእዩን፡ ዝናምውን ኣይትርእዩን፡ እዚ ርባ ደኣ ባዕሉ ማይ ይመልእ እሞ፡ ንስኻትኩምን እንስሳኹምን ከብትኹምን ክትሰትዩ ኢኹም።
18
እዚ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቀሊል እዩ እሞ፡ ንሞኣብውን ኣሕሊፉ ኣብ ኢድኩም ኪህበኩም እዩ።
19
ንስኻትኩም ድማ ንዂለን ዕሩዳት ከተማታትን ንዂለን ሕሩያት ከተማታትን ከተጥፍእወን ኢኹም፡ ንዂሉ ጽቡቕ ዘበለ ኦም ከኣ ክትቈርጹ፡ ኲሉ ዓይኒ ማያትውን ክትደፍኑ ኢኹም፡ ንዂሉ ጽቡቕ ዘበለ ግራት ከኣ በእማን ከተባላሽውዎ ኢኹም።
20
ኰነ ድማ፡ ንጽብሒቱ በታ መስዋእቲ ብልዒ ዚዐርገላ ጊዜ፡ እንሆ፡ ማይ ብመገዲ ኤዶም ኣቢሉ መጾ፡ እታ ሃገር ከኣ ማይ መልኤት።
21
ብዘለው ሞኣባውያን ድማ እቶም ነገስታት ኪዋግእዎም ከም ዝደየቡ ምስ ሰምዑ፡ ኣጽዋር ኪዐጥቕ ዚኽእል ዘበለ ኻብኡ ንላዕሊውን ከቲቶም ኣብቲ ዶብ ቈሙ።
22
ንግሆ ኣንጊሆም ምስ ተንስኡ፡ ጸሓይ ከኣ ኣብቲ ማይ ምስ ኣንጸብረቐት፡ እቶም ሞኣባውያን እቲ ማይ ምስ ኣብ መንጽሮም ከም ደም ቀዪሑ ረኣይዎ።
23
ሽዑ፡ እዚ ደም እዩ፡ እቶም ነገስታት ብርግጽ ተዋጊኦም ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ቐቲሉ እዩ። እምበኣር ሕጅስ፡ ኣታ ሞኣብ፡ ኪድ ማርኽ፡ በሉ።
24
ናብቲ ሰፈር እስራኤል ምስ ኣተው ኸኣ፡ እቶም እስራኤላውያን ተንሲኦም ንሞኣባውያን ተዋግእዎም፡ ንሳቶምውን ካብ ቅድሚኦም ሀደሙ። ንሞኣባውያን ስዒሮም ድማ ናብታ ሃገር ኣተው።
25
ነተን ከተማታት ከኣ ኣፍረሱ፡ ንዂሉ ጽቡቕ ዘበለ ግራት ድማ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኤእምኖም ደርበዮም መልእዎ፡ ንዂሉ ዓይኒ ማያትዎን ደፈንዎ፡ ንዂሉ ጽቡቕ ዘበለ ኦም ድማ ቈረጽዎ። ንቂርሓረሰት እምኒ ጥራይ ክሳዕ ዜትርፍዋ ሰብ ወንጭፍ ከቢቦም ተዋግእዋ።
26
እቲ ንጉስ ሞኣብ ከኣ ውግእ ከም ዝበርትዖ ምስ ረኣየ፡ ጥሒሱ ናብ ንጉስ ኤዶም ኪሐልፍ፡ ሾብዓተ ሚእቲ ሴፍ ዚመልሑ ሰብ ወሰደ፡ ግናኸ ኣይከኣሉን።
27
ሽዑ ነቲ ኣብ ክንዳኡ ዚነግስ በዂሪ ወዱ ወሲዱ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ መካበብያ ንዚሐርር መስዋእቲ ኣዕረጎ። ኣብ ልዕሊ እስራኤል ከኣ ብርቱዕ ኲራ ዀነ እሞ፡ ካብኡ ረሐቑ፡ ናብ ሃገሮም ድማ ተመልሱ።
← Chapter 2
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 4 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21
22
23
24
25