bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Amos 2
Amos 2
Amharic Tigrinya 2011
← Chapter 1
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 3 →
1
እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ ነዕጽምቲ ንጉስ ኤዶም፡ ሓሙኹሽቲ ኽሳዕ ዚኸውን፡ ኣንዲድዎ እዩ እሞ፡ ስለ ሰለስተ ገበን ሞአብ፡ ኤረ ስለ ኣርባዕተ እኳ ደአ፡ መዓተይ ካብኣ ኣይክመልስን እየ።
2
ኣነ ናብ ሞአብ ሓዊ ኽሰድድ እየ፡ ነቲ ኣዳራሻት ቅርዮት ከአ ሞኹ ኬብሎ እዩ። ሞአብ ድማ ብዕግርግርን ብጭድርታን ብድሃይ መለኸትን ክትመውት እያ።
3
ንፈራዲ ኻብ ማኣከላ ኽጽንቶ፡ ንኹሎም መሳፍንታ ኸአ ምስኡ ክቐትሎም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
4
እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ ንጊ እግዚኣብሄር ንዒቖም፡ ንስርዓቱ ኸአ ኣይሐለዎን፡ እቲ ኣቦታቶም ደድሕሪኡ ዝኸድዎ ሓሶቶም ኣስሒትዎም እዩ እሞ፡ ስለ ሰለስተ ገበን ይሁዳ፡ ኤረ ስለ ዝርባዕተ እኳ ደአ፡ መዓተይ ካብኣ ኣይክመልስን እየ።
5
ናብ ይሁዳ ሓዊ ኽሰድድ እየ፡ ነቲ ኣዳራሻት ዮርሳሌም ከአ ሞኽ ኬብሎ እዩ።
6
እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ ነቲ ጻድቕ ብብሩር፡ ነቲ ድኻ ኸአ ብሓንቲ ጽምዲ ሳእኒ ሸይጦምዎ እዮም፡ ስለ ሰለስተ ገበን እስራኤል፡ ኤረ ስለ ኣርባዕተ እኳ ደአ፡ መዓተይ ካብኣ ኣይክመልስን እየ።
7
ኣብ ርእሲ ድኻታት ተጎጓ ምድሪ ኺርእዩ ይትምነዩ፡ ንመግዲ ትሑታት ይጠውይዎ፡ ነቲ ቅዱስ ስመይ ኬርክስዎ ድማ፡ ሰብኣይን ኣቦኡን ናብ ሓንቲ ሰበይቲ ይኸዱ።
8
ኣብ ጥቓ ኹሉ መሰውኢታት ነቲ ብታሕዚ እተቐበለዎ ኽዳውንቲ ኣንጺፎም ይድቅሱ፡ ናይ ካሕሳ ወይኒ ድማ ኣብ ቤት ኣምላኾም ይሰትዩ።
9
ግናኸ ኣነ ነቲ ቑመቱ ኸም ቁመት ኦም ሊባኖስ፡ ምጽናዑ ድማ ከም ኣውሒ ዝነበረ ኣሞራዊ ኣብ ቅድሚኦም ኣጥፋእክዎ። ንፍሬኡ ኻብ ላዕሊ፡ ንሰረውሩ ኸአ ካብ ታሕቲ ኣጥፋእክዎ።
10
ካብ ሃገር ግብጺ ዘውጻእኩኹም ኣነ እየ፡ ሃገር ኣሞራዊ ኽትወርሱ።
11
ካብ ደቅኹም ነብያት፡ ካብ ኣጉባዝኩም ከአ ናዝራውያን ኣተንሳእኩ። ኣቱም ደቂ እስራኤል፡ ከምኡዶ ኣይኮነን፡ ይብል እግዚኣብሄር።
12
ንስኻትኩም ግና ነቶም ናዝራውያን ወይኒ ኣስቴኹምዎም፡ ንነብያት ከአ፡ ኣይትነበዩ ኢልኩም ኣዘዝኩምዎም።
13
ከምቲ እንዳእቲ ዝመልኤት ዓርብያ እትሰግድ፡ እንሆ ኣነ ኽስግደኩም እየ።
14
ጎያዩ ምህዳም ይስእን፡ እቲ ብርቱዕ ድማ ምብርታዑኣየበርትዖን፡ እቲ ጅግና ኸአ ነፍሱ ኣየድሕንን።
15
ብዓል መንትግ ድማ ደው ኣይብልን፡ ብዓል ቅልጡፍ እግሪ ኸአ ኣይምልጥ፡ ፈረሰኛውን ነሱ ኣይድሕንን።
16
በታ መዓልቲ እቲአስ ካብቶም ጀጋኑ እቱ ኣዝዩ ተባዕ እኳ ጥራይ ይሀድም፡ ይብል እግዚኣብሄር።
← Chapter 1
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 3 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9