bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Joshua 1
Joshua 1
Amharic Tigrinya 2011
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 2 →
1
ኮነ ኸአ፡ ድሕሪ ሞት ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር፡ ኣግዚኣኣብሄር ንእያሱ፡ ወዲ ነዌ ኣጋልጋሉ ሙሴ፡ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
2
ሙሴ ባርያይ ሞተ፡ ሕጂ ድማ ተንስእ፡ ንስኻን ብዘሎ እዚ ህዝቢ እዝን ናብታ ኣነ ንኣታቶም፡ ንደቂ እስራኤል፡ ዝህቦም ምድሪ ነዚ ዮርዳኖስ ተሳገሮ።
3
ከምቲ ንሙሴ እተዛረብክዎ፡ ከብዲ እግርኹም ዝገረጸታ ዝበለት ቦታ ንኣኻትኩም ሂበኩም ኣሎኹ።
4
ዶብኩም ካብ በረኻን ካብዚ ሊባኖስን ክሳዕ እቲ ዓብዩ ርባ፡ ርባ ኤፍራጥስ፡ ብዘላ ምድሪ ሔታውያንን ክሳዕ እቲ ኣብ ምዕራብ ጸሓይ ዘሎ ዓብዩ ባሕርን ኪኸውን እዩ።
5
ምሉእ ዕድሜኻ ዚቃወመካ ሰብ የልቦን። ምስ ሙሴ ኸም ዝነበርኩ፡ ምሳኻ ድማ ክኸውን እየ። ኣይሓድገካን ኣይጥንጥነካንውን።
6
ኣታ ነቦታቶም ክህቦም ዝመሓልኩሎም ምድሪ፡ ንስኻ ነዚ ህዝቢ እዚ ኸተረስትዮ ኢኻ እሞ፡ ጽናዕ ትባዕ።
7
ከምቲ ሙሴ ባርያይ ዝአዘዘካ ኹሉ ሕጊ ንምትግባሩ ኽትሕልዎ ጥራይ ደአ፡ ጽናዕን ኣዚኻ ትባዕን። ናብ እትኸዶ ኹሉ ምእንቲ ኪቀንዓካስ፡ ካብኡ ንየማን ኮነ ወይን ንጸጋም ኣይተልግስ።
8
ነቲ ኣብኡ እተጻሕፈ ምእንቲ ተጠንቂቕካ ኽትገብሮስ፡ መዓልትን ለይትን ኣስተንትኖ እምበር፡ እዚ መስሓፍ ሕጊ እዚ ኻብ ኣፍካ ኣይትፍለ። ሽዑ መገድኻ ተቕንዕ እሞ፡ ሽዑ ድማ ኪሰልጠካ እዩ።
9
ጽናዕ፡ ትባዕ፡ ኢለዶ ኣይአዘዝኩኻን፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ኣብ እትኸዶ ኹሉ ምሳኻ እዩ እሞ፡ ኣይትፍራህ ኣይትሸበር ከአ።
10
ሽዑ እያሱ ነቶም መኳንንቲ ህዝቢ ኸምዚ ኢሉ ኣዘዞም፡
11
ብማእከል ሰፈር ሕለፉ፡ ነቲ ህዝቢ ድማ፡ ነታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምእንቲ ኽትወርስዋ ንርስቲ ዚህበኩም ምድሪ ኽትአትውዋስ፡ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ነዚ ዮርዳኖስ እዚ ኽትሳገሩ ኢኹም እሞ፡ ስንቅኹም ኣዳልው፡ ኢልኩም ኣዝዙ።
12
እያሱ ድማ ንደቂ ሮቤልን ንደቂ ጋድን ንፈረቓ ነገድ ምናሴን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡
13
እቲ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር ከምዚ ኢሉ ዝአዘዘኩም ቃል ዘክሩ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኬዕርፈኩም እዛ ምድሪ እዚኣ ኸአ ኪህበኩም እዩ።
14
ኣንስትኹምን ሕጻናትኩምን ከብትኹምን ኣብታ ሙሴ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ዝሀበኩም ምድሪ ይንበሩ። ንስኻትኩም ግና እግዚኣብሄር ከምቲ ንኣኻትኩም፡ ነሕዋትኩም ድማ ክሳዕ ዘዕርፎም፡ ንሳቶም ከአ እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዚህቦም ምድሪ ኽሳዕ ዚወርሱ፡ ሓያላት ጀጋኑ ዘበልኩም ኩላትኩም ኣጽዋር ሒዝኩም፡ ነሕዋትኩም ክትድገፉ ቐቅድሚኦም ሕለፉ። ድሕርቲ ናብታ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር፡ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ብሸነኽ ምብራቕ ጸሐይ ዝህበኩም ምስሪ ርስትኹም፡ ክትወርስዋ ኽትምለሱ ኢኹም።
15
ኣንስትኹምን ሕጻናትኩምን ከብትኹምን ኣብታ ሙሴ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ዝሀበኩም ምድሪ ይንበሩ። ንስኻትኩም ግና እግዚኣብሄር ከምቲ ንኣኻትኩም፡ ነሕዋትኩም ድማ ክሳዕ ዘዕርፎም፡ ንሳቶም ከአ እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዚህቦም ምድሪ ኽሳዕ ዚወርሱ፡ ሓያላት ጀጋኑ ዘበልኩም ኩላትኩም ኣጽዋር ሒዝኩም፡ ነሕዋትኩም ክትድገፉ ቐቅድሚኦም ሕለፉ። ድሕርቲ ናብታ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር፡ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ብሸነኽ ምብራቕ ጸሐይ ዝህበኩም ምስሪ ርስትኹም፡ ክትወርስዋ ኽትምለሱ ኢኹም።
16
ንእያሱ ድማ ከምዚ ኢሎም መለሱሉ፡ ዝአዘዝካና ኹሉ ንገብር፡ ናብ ዝለኣኽካና ዝበለውን ንኸይድ።
17
ከምቲ ንሙሴ ብኹሉ እተአዘዝካዮ፡ ንኣኻ ኸአ ክንእዘዘካ ኢና። ሓንትስ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ደአ ከምቲ ምስ ሙሴ ዝነበረ፡ ምሳኻ ድማ ይኹን።
18
ዝኾነ ሰብ ንቓልካ ዚአብን ንኹሉ እትእዝዘና ዘረባኻ ዘይሰምዕን ይሙት። ሓንትስ ጽናዕ፡ ትባዕ ደኣ።
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 2 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21
22
23
24