bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Nehemiah 1
Nehemiah 1
Amharic Tigrinya 2011
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 2 →
1
ዘረባ ነህምያ ወዲ ሓካልያ። ኮነ ድማ፡ ካብ መበል ዕስራ ዓመት ኣብ ወርሒ ከስለው፡ ኣነ ኣብ ግምቢ ሱሳን ነበኩ።
2
ሓናኒ ሓደ ኻብ ኣሕዋተይን ገለ ሰብ ካብ ይሁዳን መጹ። ኣነ ድማ ብዛዕባ እቶም ዘምለጡን ካብ ምርኮ ዝተረፉ ኣይሁድን ብዛዕባ ዮርሳሌምን ሐተትክዎም።
3
ንሳቶም ድማ፡ እቶም ዝደሐኑን እቶም ካብ ምርኮ ዝተረፉን፡ ኣብኡ ኣብታ ሃገር፡ ብብዙሕ መከራን ጸርፍን እዮም ዚነብሩ ዘለው፡ መከባብያ ዮርሳሌም ከአ ፈሪሱ ደጌታታውን ብሓዊ ነዲዱ በሉኒ።
4
ኮነ ድማ፡ እዚ ዘረባ እዚ ምስ ሰማዕኩ፡ ሓያሎ መዓልቲ ሐዚነ እነበኼኹ ተቐመጥኩ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሰማይ ድማ እጽውምን እጽልን ነበርኩ።
5
በልኩ ኸአ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰማይ፡ ዓብዩን መፍርህን ኣምላኽ፡ ነቶም ዚፈትውኻን ትእዛዝካ ድማ ንዚሕልውን ኪዳንካን ምሕረትካን እትሕሉ፡
6
እቲ ንኣኻ ዝበደልናዮ ሓጢኣት ደቂ እስራኤል ዝእመኖ ዘሎኹ፡ ኣነን ቤት ኣቦይንሲ በዲልና ኢና እሞ እዚ ኣነ ባርያኻ ሕጂ ብዛዕባ ባሮትካ ደቂ እስራኤልን ለይትን መዓልትን ኣብ ቅድሜኻ ዝጽልዮ ዘሎኹ ጸሎትን ክትሰምዕ፡ በጃኻ ኣእዛንካ ጽን ይበላ፡ ኣዒንትኻውን ይከፈታ።
7
ንሕና ኣዚና ንኣኻ ዐጊብና እቲ ንባርያኻ ሙሴ ዛአዘዝካዮ ትእዛዛትን ሕጋጋትን ፍርድታትን ድማ ኣይሐሎናዮን።
8
በጃኻ እቲ ንባርያኻ ሙሴ ኸምዚ ኢልካ ዝአዘዝካዮ ዘክር፡ እንተን በደልኩምኒ፡ ኣነ ኸአ ናብ ኣህዛብ ፋሕ ከብለኩም እየ።
9
ናባይ እንተ ተመለስኩምን ትእዛዛተይ ከአ እንተ ሓሎኹምን እንተ ገበርኩምዎን ግና፡ እቶም እተዘርዉኹም፡ ኣብ ወሰን ሰማይ እኳ እንተ ዚህልው፡ ካኡ ኽእክቦም እየ፡ ናብታ ስመይ ኣብኣ ኺሓድር ዝሓሬኽዋ ቦታ ድማ ከምጽኦም እየ።
10
ንሳቶም ብዓብዩ ሓይልኻን ብጽንዕቲ ኢድካን እተበጀኻዮም ባሮትካን ህዝብኻን እዮም።
11
ዎ ጐይታይ፡ በጃኻ ጸሎት ባርያኻን ጸሎት እቶም ስምካ ብምፍራህ ዚፍስሁ ባሮትካን ስማዕ፡ በጃኻ፡ ሎሚ ንባርያኻ ኣቕንዓሉ፡ ኣብ ቅድሚ እዚ ሰብኣይ እዚ ኸአ ንባርያኻ ምሕረት ሀቦ። ኣነ ሽዑ ኣሰላፍ ሜስ ንጉስ ነበርኩ።
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 2 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13