bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Nehemiah 5
Nehemiah 5
Amharic Tigrinya 2011
← Chapter 4
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 6 →
1
እቶም ህዝብን ኣንስቶምን ከአ፡ ኣብቶም ኣሕዋቶም ኣይሁድ ብርቱዕ ጭራሕ ምራሕ ገበሩ።
2
ገሊኦም፡ ንሕናን ኣወዳትናን ኣዋልድናን ብዙሓት ኢና፡ ኣምበኣርሲ ኽንበልዕ እሞ ክንድሕን እኽሊ ሀቡና፡ ዚብሉ ነበሩ።
3
ገሊኦም ድማ፡ ጠሚና፡ እኽሊ ኽንዕድግሲ ግራሁናን ኣታኽልቲ ወይንናን ኣትሒዝናስ፡ ንግብሪ ንጉስ ገንዘብ ተለቂሕና፡
4
ሕጂ ድማ ከምቲ ስጋ ኣሕዋትና ስጋናውን ከምኡ ኢዩ። ደቅና ድማ ከን ደቆም። ንሕና፡ እንሆ፡ ኣወዳትናን ኣዋልድናን ንባርነት ኣሕሊፍና ንህብ ኣሎና፡ ግናኸ ግራሁናን ኣታኽልቲ ወይ ንናይ ቀደም ኣብ ኢድ ካልኦት ሐለፉ እዩ እሞ፡ ገለ ኽንገብር ኣይከአለን፡ በሉ።
5
ሕጂ ድማ ከምቲ ስጋ ኣሕዋትና ስጋናውን ከምኡ ኢዩ። ደቅና ድማ ከን ደቆም። ንሕና፡ እንሆ፡ ኣወዳትናን ኣዋልድናን ንባርነት ኣሕሊፍና ንህብ ኣሎና፡ ግናኸ ግራሁናን ኣታኽልቲ ወይ ንናይ ቀደም ኣብ ኢድ ካልኦት ሐለፉ እዩ እሞ፡ ገለ ኽንገብር ኣይከአለን፡ በሉ።
6
ኣነ ኸአ ጭራሕ ምራሖምን እዚ ዘረባ እዝን ምስ ሰማዕኩ፡ ኣዝዩ ተቐጣዕኩ።
7
ብልበይ መኺረ ድማ፡ ነቶም ከበርተን ሓላቑን፡ ከመይ ኢልኩም ነፍሲ ወከፍ ነንሓው ብሓረጣ ተለቅሑ አለኹም፡ ኢለ ዘለፍክዎም። ናብ ልዕሊኦም ዓብዩ ኣኼባ ኣኪበ ኸአ፡
8
ንሕናስ ነቶም ናብ ኣህዛብ ተሸይጦም ዝነበሩ ኣይሁድ ኣሕዋትና፡ ከም ዓቕምና ተበጀዮምናዮም። ንስኻኩምከ ኣሕዋትኩምሶ ባዕላትኩም ክትሸጡ ኢኹም፡ ንሳቶምሲ ነፍሶምዶ ኺሸጡልና እዮም፡ በልክዎም። ሽዑ ዘረባ ስኢኖም ስቕ በሉ።
9
ኣነ ኸአ፡ እዚ እትገብርዎም ዘሎኹም ነገርስ ጽቡቕ ኣይኮነን። እቶም ጸላእትና ኣሕዛብ ከይትጸርፉስ፡ ከምይ ብፍርሃት ኣምላኽና ዘይትኸዱ፡
10
ኣነን ኣሕዋተይን ገላዎይ ድማ ገንዘብን እኽልን ብሓረጣ ኣለቂሕናዮም ኣሎና፡ ግናኸ፡ በጃኻትኩም፡ እዚ ሓረጣ እዚ ንሕደገሎም።
11
ግራሁኦምን ኣታኽልቲ ወይኖምን ኣዋልዖምን ኣባይቶምን ምለሱሎም፡ ናይ እቲ ንስኻትኩም ካባታቶም ብሓረጣ ዝወሰድኩዎም ገንዘብን እኽልን ወይንን ዘይትን ከአ፡ በጃኻትኩም፡ ሎሚ መበል ሚእቲ ምለሰሎም፡ በልክዎም።
12
ንሳቶም ከአ፡ ንመልስ፡ ካባታቶም ድማ ገለ እኳ ኣይንደልን፡ ከምቲ ንስኻ ዝበልካዮ ኸምኡ ንገብር፡ በሉ። ሽዑ ነቶም ካህናት ጸዊዔ ኸም እዘን እተዛረብወን ቃላት ኪገብሩ ኣምሓልክዎም።
13
ኣነ ድማ፡ ነዚ ተስፋ እዚ ዘይፍጸም ኩሉ ሰብሲ ኣምላኽ ካብ ቤቱን ካብ ገንዘቡን ከምኡ ይንገፎ፡ እዎ፡ ከምኡ ንጉፍን ጥራዩን ይኹን፡ ኢለ ኣብ ጎድነይ ዝነበረ ባርኖስ ነገፍኩ። ኩሉ እቲ ኣኼባ ኸአ፡ ኣሜን፡ በለ። ንእግዚኣብሄር ድማ ኣመስገኑ። እዚ ህዝቢ ኸአ ከም እዚ ዘረባ እዚ ገበረ።
14
ድማ ካብታ ኣብ ሃገር ይሁዳ ሹሞም ክኽውን እተአዘዝኩላ መዓልቲ፡ ንንጉስ ኣርታሕሻስታ ኻብ መበል ዕስራ ዓመቱ ኽሳዕ መበል ሰላሳን ክልተን ዓመቱ፡ ዓሰርተው ክልተ ዓመት፡ ኣነን ኣሕዋተይን እቲ ንሹማምቲ ዚግባእ እንጊራ ኣይበላዕናን።
15
እቶም ቅድመይ ዝነበሩ ሹማምቲ ነቲ ህዝቢ የኽብዱሉ ነበሩ። ካባታቶም እንጌራን ወይንን ደሓር ከአ ኣርብዓ ሚትቃል ብሩር ይወስዱ ነብሩ። እቶም ገላውኦም ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ ህዝቢ ሰልጢኖም ነበሩ። ኣነ ግና፡ ንእግዚኣብሄር ስለ ዝፈራህኩ፡ ከምኡ ኣይገበርኩን።
16
ኣብቲ ዕዮ እቲ መካበብያ ኸአ ኤዔሪ ነበርኩ። ግራትውን ኣይተሻየጥናን እሞ ኩሎም እቶም ገላዎይ ድማ ኣብኡ ኣብቲ ዕዮ ተአኪቦም ነበሩ።
17
ብዘይ እቶም ካብቲ ኸባቢና ዝመጹና ኣህዛብ፡ ካብ ኣይሁድን ሓላቑን ሚእትን ሓምሳን ሰብ ኣብ መአሰይ ይምገቡ ነበሩ።
18
ንሓንቲ መዓልቲ ዚዳሎ ድማ ሓደ ብዕራይን ሹድሽተ ስቡሓት ኣባጊዕን እዩ፡ ንኣይ ከአ ካብ ኣዕዋፍ ይዳለውለይ ነበረ፡ በብዓሰርተ መዓልቲ ድማ ኣዝዩ ብዙሕ ወይኒ ነበረ። ምስናይ እዚ ግና ነዚ ህዝቢ እዚ እቲ ዕዮ ኺቢድዎ ነበረ እሞ፡ እቲ ንሽመተይ እተገብኣኒ ምግቢ እኳ ሀቡኒ ኣይበልኩን።
19
ዎ ኣምላኸይ፡ እዚ ኹሉ ነዚ ህዝቢ እዚ ዝገበርክዎ፡ ንጽቡቕ ሕሰበለይ።
← Chapter 4
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 6 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13