bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Ruth 3
Ruth 3
Amharic Tigrinya 2011
← Chapter 2
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 4 →
1
ናእሚ ሓማታ ድማ በለታ፡ ጓለይ፡ ምእንቲ ብድሓን ክትነብርስ፡ ዕረፍቲ ደይኮንኩን ዝደልየልኪ ዘሎኹ፡
2
ሕጂ ኸአ እቲ ምስተን ግዙኣቱ ዝነበርኪ ቦኣዝ፡ ዘመድናዶ ኣይኮነን፡ እንሆ ንሱ ሎሚ ለይቲ ስገም ኣብ ዓውዲ የዝሩ ኣሎ።
3
እምበአርሲ ተሓጺብክን ተለኺኽን ክዳንኪ ተኸደኒ እሞ ናብቲ ዓውዲ ውረዲ። በሊዑን ሰትዩን ክሳዕ ዚውድእ ግና፡ ነቲ ሰብኣይ ኣይተረአዮ።
4
ኪኸውን ድማ እዩ፡ ምስ ዚድቅስ እታ ዚድቅሰላ ቦታ ፍለጢ፡ መጺእኪ ድማ ብሸነኽ እግሩ ቐሊዕኩ ደቅሲ። ንሱ ኸአ እተገብርዮ ኺነግረኪ እዩ።
5
ንሳ ድማ፡ ዝበልክኒ ኹሉ ኽትገብር እየ፡ በለታ።
6
ናብ ዓውዲ ወሪዳ ድማ፡ ከምቲ ሐማታ ዝአዘዘታ ኹሉ ገበረት።
7
ቦአዝ ከአ በሊዑን ሰትዩን ልቡ ተሓጎሰ፡ ኣብ ጸግዒ ቕሚጦ ኺድቅስ ከደ። ሽዑ ንሳ ቀስ ኢላ መጸት፡ ብሸነኽ እርጉ ቐሊዓ ድማ ደቀሰት።
8
ኮነ ኸአ፡ ፍርቂ ለይቲ እቲ ሰብኣይ ሰምቢዱ ተገምጠለ፡ እንሃ ድማ ሰበይቲ ኣብ እግሩ ደቂሳ ነበረት።
9
ንሱ ኸአ፡ መን ኢኺ፡ በላ። ንሳ ድማ፡ ኣነ ሩት ግዝእትኻ እየ። ንስኻ ወራሲ ኢኻ እሞ፡ ጫፍ ክዳንካ ኣብ ልዕሊ ግዝእትኻ ዘርግሕ፡ በለት።
10
ንሱ ኸአ በላ፡ ኣቲ ጓለይ፡ ንድኻታት ኮነ፡ ንሃብታማት ደድሕሪ መንእሰይ ስለ ዘይሰዐብኪ፡ ካብቲ ቐዳማይ እቲ ዳሕራይ ዚበልጽ ለውሃት ጌርኪ ኢኺ እሞ፡ እግዚኣብሄር ይባርኽኪ።
11
ሕጂ ድማ ጓለይ ኣይትፍርሂ፡ ደጊ ሰበይቲ ምዃንኪ ኹሉ ደገ ህዝበይ ትፈልጥ እያ እሞ፡ ዝበልክዮ ኹሉ ደገ ህዝበይ ትፈልጥ እያ እሞ፡ ዝበልክዮ ኹሉ ደገ ህዝበይ ትፈልጥ እያ እሞ፡ ዝበልክዮ ኹሉ ኽገብረልኪ እየ።
12
ሕጂ ኸኣአ ኣነ ወራሲ ምኻነይሲ ሓቂ እዩ፡ ግናኸ ካባይ ዝቐርብ ወራሲ ኣሎ።
13
ንሎሚ ለይቲ ሕደሪ፡ ኪኸውን ድማ እዩ፡ ጽባሕ ንሱ እንተ ወረሰኪ ጽቡቕ፡ ይውረስ። ኪወርሰኪ እንተ ዘይደለየ ግና፡ ህያው እግዚኣብሄር እዩ፡ ኣነ ኽወርሰኪ እየ። ክሳዕ ዚወግሕ ደቅሲ።
14
ክሳዕ ዚወግሕ ድማ ኣብ እግሩ ደቀሰት። ንሱ ሰበይቲ ናብ ዓውዲ ኸም ዝመጸት ኣይፈለጥ ኢሉ ነበረ እሞ፡ ገና ሰብ ምስ ብጻዩ ኸይተላለየ ኣንጊሃ ተንስኤት።
15
ቦአዝ ግና፡ እቲ ተኸዲንክዮ ዘሎኺ ነጸላ ኣቕሪብኪ ዘርግሕዮ በላ። ዘርግሓቶ ድማ። ንሱ ኸአ ሽዱሽተ መስፈር ስገም ሰፈረላ፡ ኣሰከማ ድማ። ናብ ከተማ ኸአ አተወት።
16
ናብ ሓማታ ምስ አተወት ድማ፡ ንሳ ከምይ ኢኺ ጓለይ፡ በለታ። ንሳ ኸአ እቲ ሰብኣይ ዝገበረላ ኹሉ ነገረታ።
17
ኣብ ሓማትኪ ጥራይ ኢድኪ ኸይትአትዊ ኢሉ፡ እዚ ሽድሽተ መስፈር ስገም እዚ ሂቡኒ፡ ድማ በለት።
18
ንሳ ኸአ፡ እቲ ሰብኣይ ነዚ ነገርዚ ሎሚ ኸይውድኦ ኣይዐርፍን እዩ እሞ፡ እቲ ነገር ከመይ ከም ዚውዳእ ክሳዕ እትፈልጢ ስቕ በሊ ጓለይ በለታ።
← Chapter 2
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 4 →
All chapters:
1
2
3
4