bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Ruth 4
Ruth 4
Amharic Tigrinya 2011
← Chapter 3
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
1
ቦአዝ ድማ ናብ ደገ እታ ኸተማ ደይቡ ኣብኣ ኾፍ በለ። እንሆ ኸአ፡ እቲ ቦአዝ ብዛዕባኡ እተዛረበሉ ወራሲ ይሐልፍ ነበረ። ንእኡ ስማ፡ ኣታ መን ኢኻ፡ ኣግልስ እሞ ኣብዚ ተቐመጥ፡ በሎ። ንሱ ኸአ ኣግሊሱ ተቐመጠ።
2
ቦአዝ ድማ ካብ ዓበይቲ እታ ኸተማ ዓሰርተ ሰብኣይ ወሲዱ፡ ኣብዚ ተቐመጡ፡ በሎም። ንሳቶም ከአ ተቐመጡ።
3
ሽዑ ነቲ ወራሲ፡ እዛ ኻብ ምድሪ ሞኣብ እተመልሰት ናእሚ፡ ነቲ ኽፍሊ ምስሪ ኤሊሜሌክ ሓውና፡ ክትሸጦ ደልያ።
4
ኣነ ድማ ኣብ ቅድሚ እዞም ተቐሚጦም ዘለውን ኣብ ቅድሚ ዓበይቲ ህዝበይን ዐድጉ ኢለ ከስምዓካ ሐሰብኩ። በጃካኻ ወራሲ የልቦን፡ ብድሕሬኻ ኸአ ኣነ እየ እሞ፡ ትወርስ እንተ ኳንካ ውረስ፡ ዘይትወርስ እንተ ዃንካ ግና፡ ክፈልጥ ንኣይ ንገረኒ በሎ። ንሱ ኸአ፡ ክወርስ እየ በለ።
5
ቦኣዝ ድማ፡ በታ ነታ ግራት ካብ ኢድ ናእሚ እትዕድገላ መዓልቲ፡ ስም እቲ ምውት ኣብ ርስቱ ምእንቲ ኸተቕውም፡ ካብ ሩት እታ ሞኣባዊት፡ ሰበይቲ እቲ ምውት ከአ ክትዕድጋ ኢኻ በለ።
6
እቲ ወራሲ ድማ፡ ርስተይ ከየባላሹ ኽወርሳ ኣይክእልን። ክወርሳ ኣይክእልን እየ ኣሞ፡ ነታ ኣነ ዝወርሳስ፡ ንስኻ ውረሳ በለ።
7
ቀደም ኣብ እስራኤል፡ ኣብ ምውርራስ ኣብ ለውጥን፡ ኩሉ ነገር ምእንቲ ኽጸንዕ፡ ሰብ ሳእኑ ኣውጺኡ ነቲ ብጻዩ ኽህቦ ልማድ ነበረ። እዚ ድማ ኣብ እስራኤል ምስክር ነበረ።
8
እቲ ወራሲ ኸአ ንቦአዝ፡ ንስኻ ዐድጎ በሎ። ሳእኑ ድማ ኣውጽኤ።
9
ቦአዝ ከአ ነቶም ዓበይትን ንኹሉ ህዝብን፡ ናይ ኤሌሜሌክ ዝነበረ ድማ ኹሉ ካብ ኢድ ናእሚ ኸም ዝዐድግክዋ፡ ሎሚ ንስኻትኩም ምስክር ኢኹም።
10
ድማ ስም እቲ ምውት ካብ ማኣከል ኣሕዋቱን ካብ ደገ ቦታኡን ከይጠፍእ፡ ስም እቲ ምውት ኣብ ርስቱ ከቕውም ኢለ፡ ንሩት፡ እታ ሞኣባዊት ሰበይቲ ማሕሎን፡ ሰበይተይ ክትኮነኒ ኸም ዝዐደግክዋ፡ ሊሚ ምስክር ኢኹም በሎም።
11
እቶም ኣብ ደገ ዝነበሩ ኹሎም ህዝብን እቶም ዓበይትን ከአ፡ ምስክር ኢና፡ ነዛ ናብ ቤትካ እትአቱ ሰበይቲ፡ እግዚኣብሄር፡ አክምተን ክልተ ንቤት እስራኤል ዝሀነጻ፡ ከም ራሄልን ልያን ይግበራ። ኣብ ኤፍራታ ኸኣ ሰልጥን፡ ኣብ ቤትልሄምውን ስሙይ ኩን።
12
እታ ቤትካ ድማ በቲ እግዚኣብሄርስ ካብዛ መሮኣት እዚኣ ዚህበካ ዘርኢ፡ ከም ቤት ፋሬስ፡ እታ ታማር ንይሁዳ ዝወለድትሉ ትኹን በሉ።
13
ሽዑ ቦአዝ ንሩት ወሰዳ፡ ንሳውን ሰበይቱ ኾነት። ናብኣ ኸአ አተወ፡ እግዚኣብሄር ድማ ጥንሲ ሀባ። ወዲውን ወለደት።
14
እተን ኣንስቲ ኸአ ንናእ፡ ሎሚ ወራሲ ዘይከልአኪ እግዚኣብሄር ይባረኽ። ስሙ ኣብ እስራኣኤል ይሰመ።
15
እታ ኻብ ሾብዓተ ወዲ እትበልጽ እተፍቅረኪ ሰበይቲ ወድኺ ወሊዳቶ እያ እሞ፡ ንሱ ነፍስኺ ዚሕድስን ሓጋዝ እርግናኽን ኪኾነኪ እዩ በላኣ።
16
ናእሚ ድማ ነቲ ሕጻን ወሲዳ ኣብ ትሕቲኣ ሓቆፈቶ፡ መጉዚቱውን ኮነት።
17
እተን ጎረባብታ ኸአ፡ ንናእሚ ወዲ ተወሊዱላ፡ ኢለን ስም ኣውጽኣሉ ስሙ ኸአ እዮቤድ ሰመያኦ። ንሱ ኣቦ እሴይ ኣቦ ዳዊት እዩ።
18
ትውልዲ ፋሬስ ከአ እዚ እዩ፡ ፋሬስ ንኤስሮም ወለደ።
19
ኤስሮም ድማ ንራም ወለደ፡ ራም ከአ ንኣሚናዳብ ወለደ።
20
ኣሚናዳብ ድማ ንነኣሶን ወለደ፡ ነኣሶን ከአ ንሰለሞን ወለደ።
21
ሰለሞን ድማ ንቦአዝ ውለደ፡ ቦኦዝ ከአ ንእዮቤድ ወለደ።
22
እዮቤድ ድማ ንእሴይ ወለደ፡ እሴይ ከአ ንዳዊት ወለደ።
← Chapter 3
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
All chapters:
1
2
3
4