bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
Deuteronomy 1
Deuteronomy 1
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 2 →
1
ሙሴ፥ ኵሎም ደቂ እስራኤል ኣብ ምብራቕ ፈለግ ዮርዳኖስ ኣብ ዘሎ ምድረ በዳ እንተለዉ ዝነገሮም ቃል እዙይ እዩ። ንሳቶም ኣብ ጥቓ ሱፍ ዝበሃል ቦታ ኣብ ዘሎ ምድረ በዳ፥ ኣብ መንጎ ፋራንን ቶፌልን ላባንን ሓፃሮትን ዲዛሃብን ዘሎ ጐልጐል ነበሩ።
2
ካብ ኮሬብ ብመንገዲ እምባ ሴይር ኣቢልካ ኽሳዕ ቃዴስ በርኔ፥ መንገዲ ዓሰርተ ሓደ መዓልቲ እዩ።
3
ኣብ መበል ኣርብዓ ዓመት፥ በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ናይታ መበል ዓሰርተ ሓደ ወርሒ፥ ሙሴ ኸምቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ንደቂ እስራኤል ክነግሮም ዝኣዘዞ ተዛረበ።
4
እዙይ ነቲ ኣብ ሓሴቦን ዝነበረ ሴዎን ንጉስ ኣሞራውያንን ነቲ ኣብ ኣስታሮት ኣብ ኤድረዒይ ዝነበረ ዓግ ንጉስ ባሳንን ምስ ሰዓሮም ዝኾነ እዩ።
5
ሙሴ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ኣብ ምድሪ ሞኣብ ነዝ ሕጊ እዙይ ከምዙይ ኢሉ ኽገልፆ ጀመረ፦
6
“እግዚኣብሄር ኣምላኽና፥ ኣብ ኮሬብ ‘ኣብዝ እምባዙይ ዝተቐመጥኩምዎ ይኣኽለኩም፤
7
ካብዙይ ተልዒልኩም ተጕዓዙ፤ ናብ እምባ ኣሞራውያንን ኣብ ጥቓኡ ናብ ዘሎ ዅሉን ናብ ፈለግ ዮርዳኖስን ናብ ደጕዓን ናብ ቈላን ናብ ደቡብን ናብ ወሰን ባሕርን ናብ ምድሪ ከነዓናውያንን ናብ ሊባኖስን፥ ክሳዕ እቲ ዓብዪ ፈለግ ኤፍራጥስን እውን ኪዱ።
8
እታ እግዚኣብሄር ነቦታትኩም፥ ንኣብርሃም፥ ንይስሓቅ፥ ንያእቆብ፥ ብድሕሪኦም ከዓ ንዘርኦም ክህቦም ዝመሓለሎም ምድሪ፥ እንሆ ሂቡኩም ኣሎ፤ እተውዋን ውረስዋን’ ” ኢሉ ተዛረበና።
9
በቲ ዘመን እቱይ ከምዙይ ኢለ ተዛረብኩኹም፦ “ኣነ በይነይ ክፆረኩም ኣይክእልን እየ።
10
ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ክሳዕ እትኾኑ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብዚሑኩም ኣሎ።
11
ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም ዘተስፈወኩም፥ ሽሕ ጊዜ የብዝሕኹምን ይባርኽኩምን።
12
እቲ ድኻምኩምን ጐይቊኹምን እዝ ከቢድ ሸኽሚ ከመይ ገይረ በይነይ ክፆሮ?
13
ካባኻትኩም ለባማትን መስተውዓልትን ፍሉጣትን ሰባት ከካብ ነገድኩም ምረፁ እሞ ኣሕሉቕኩም ክገብሮም እየ።”
14
“ንስኻትኩም ድማ ‘እቲ ኽንገብሮ ዝነገርካና ነገር ፅቡቕ እዩ’ ኢልኩም መለስኩምለይ።
15
“ሽዑ ነቶም ጥበበኛታትን ፈላጣትን ዝኾኑ ኣሕሉቕ ነገዳት መረፅኩ፤ ኣብ ልዕሌኹምውን ኣሕሉቕ ሽሕን ኣሕሉቕ ሚእትን ኣሕሉቕ ሓምሳን ኣሕሉቕ ዓሰርተን ገይረ፥ ኣብ ልዕሌኹም ኣሕሉቕ ገበርኩዎም።
16
በታ ጊዜ እቲኣ ድማ ንፈራዶኹም ‘ኣብ መንጎ ኣሕዋትኩም ዘሎ ነገር ስምዑ፤ ኣብ መንጎ ሰብን ሓዉን፥ ኣብ መንጎ ምስኡ ዘሎ ጓናውን ብቕንዕና ፍረዱ።
17
ነቲ ዓብዪ ኸም እትሰምዕዎ፥ ነቲ ንእሽተይውን ከምቲ ዓብዪ ስምዕዎ እምበር፥ ብፍርዲ፥ ገፅ ርኢኹም ኣይተዳልዉ። ፍርዲ ናይ እግዚኣብሄር እዩሞ፥ ብፍርዲ ኣድልዎ ኣይትግበሩ። ዝበርትዐኩም ነገር እንተ ሃልዩ ኸዓ ኣነ ኽሰምዖ ናባይ ኣምፅእዎ’ ኢለ ኣዘዝኩዎም።
18
በታ ጊዜ እቲኣ፥ ኵሉ ኽትገብርዎ ዘለኩም ኣዘዝኩኹም።”
19
“ካብ ኮሬብ ተልዒልና ድማ ኸምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝኣዘዘና፥ በቲ ዝረአኹምዎ ዓቢይን ዘፍርሕን ምድረ በዳ ናብ ደጕዓ ኣሞራውያን ከድና፤ ናብ ቃዴስ በርኔ ኸዓ መፃእና።
20
ኣነ ድማ ‘ናብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝህበና ደጕዓ ኣሞራውያን መፂእኹም ኣለኹም።
21
እንሆ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እዛ ምድሪ እዚኣ ሃበኩም፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም ዝበለኩም ድማ ደይብኩም ውረስዋ፤ ኣይትፍርሑ፤ ኣይትሸበሩ’ በልኩኹም።
22
“ንስኻትኩም ከዓ፥ ኵልኻትኩም ናባይ መፂእኹም፥ ‘በየናይ መንገዲ ኸም እንድይብ፥ ናበየንአን ከተማታትውን ከም እንኣቱ ተመሊሶም ክነግሩና ነታ ሃገር ዝስልሉልና ቕድሜና ሰባት ንስደድ’ በልኩምኒ።
23
እቲ ነገር ባህ ኣበለኒ፤ ስለዙይ ከካብ ነገድ ሓደ ሰብ፥ ዓሰርተ ኽልተ ሰባት ካባኻትኩም ወሰድኩ።
24
ከይዶም ድማ ናብ ደጕዓ ደየቡ፤ ናብ ለሰ ኤሽኮል በፂሖምውን ሰለይዋ።
25
ካብ ፍረ እታ ምድሪ እውን ብኢዶም ወሰዱ፤ ናባና ኸዓ ኣምፅእዎ። ‘እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝህበና ምድሪ ፅብቕቲ እያ’ ኢሎም ድማ መልሲ ነገሩና።
26
“ንስኻትኩም ግና ኽትድይቡ ኣይፈተኹምን፤ ኣብ ልዕሊ ትእዛዝ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩምውን ዓመፅኩም።
27
ኣብ ውሽጢ ድንኳናትኩም ኴንኩም ድማ ኸምዙይ እናበልኩም ኣጕረምረምኩም፤ ‘እግዚኣብሄር ስለ ዝፀልአና፥ ምእንቲ ኸጥፍኡና ኣብ ኢድ ኣሞራውያን ኣሕሊፉ ኽህበና፥ ካብ ምድሪ ግብፂ ኣውፅአና።
28
ንሕና እሞ ናበይ ክንድይብ? እቶም ህዝቢ ብዙሓት እዮም፤ ቁመቶምውን ካባና ዝነውሑ እዮም። እተን ከተማታት ድማ ዓበይትን ክሳዕ ሰማይ ዝበፅሓን ዝተዓረዳን እየን፤ ንደቂ ዔናቅውን ኣብኡ ረአናዮም፥ ኢሎም ኣሕዋትና ንልብና ኣፍርሕዎ’ በልኩም።
29
“ኣነውን ‘ብኣኣቶም ኣይትደንግፁን ኣይትፍርሑን በልኩኹም።
30
እቲ ቐቅድሜኹም ዝኸይድ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከምቲ ዅሉ ኣብ ግብፂ ኽገብረልኩም ዝረአኹምዎ፥ ክንዳኻትኩም ክዋግአልኩም እዩ።
31
ሰብ ንወዱ ኸም ዝሕንግሮ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ናብዛ ቦታ እዚኣ ኽሳዕ እትመፁ፥ ኣብ ምድረ በዳ ኣብ ኵሉ ዝኸድኩምዎ መንገዲ ኸም ዝሓንገረኩም ርኢኹም ኢኹም’ በልኩኹም።
32
“ምስ እዝ ዅሉ ግና ብእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣይኣመንኩምን።
33
ንሱ እትሰፍሩሉ ቦታ ኽደልየልኩም፥ እትኸድዎ መንገዲ ድማ ኸርእየኩም፥ ለይቲ ብሓዊ፥ መዓልቲ ኸዓ ብደመና ቐቅድሜኹም ከይዱ እዩ።
34
“እግዚኣብሄር ነቲ ድምፂ ቓላትኩም ሰሚዑ ተቘጥዐ፤
35
‘ካባኻትኩም፥ ካብዝ ክፉእ ትውልዲ፥ ነታ ነቦታትኩም ክህቦም እየ ኢለ ዝመሓልኩሎም ፍርያም ምድሪ ሓደ እኳ ኣይሪኣን እዩ።
36
ካሌብ ወዲ ዮፎኒ ጥራሕ እዩ ዝኣትዋ። ንሱ ኽሪኣ እዩ፤ ብምሉእ ልቡ ንኣይ ንእግዚኣብሄር ኣሚኑኒ እዩ እሞ እታ ኽስልያ ዝረገፃ ምድሪ፥ ንእኡን ንደቁን ክህቦም እየ’ ኢሉ ኸዓ መሓለ።
37
“ነኣይውን ብሰንክኹም እግዚኣብሄር ተቘጥዐኒ፤ ‘ንስኻ እውን ኣይትኣትዋን ኢኻ።
38
እቲ ኣብ ቅድሜኻ ዝቐውም ኢያሱ ወዲ ነዌ ግና ኽኣትዋ እዩ። ንሱ ነታ ምድሪ ንእስራኤል ከውርሶም እዩ እሞ ኣተባብዓዮ።
39
እቶም ክማረኹ እዮም ዝበልኩምዎም ደቅኹም፥ እቶም ሎሚ ፅቡቕን ክፉእን ዘይፈልጡ ደቅኹም፥ ንሳቶም ክኣትዉዋ እዮም፤ ነታ ምድሪ ንኣኣቶም ክህቦም እየ፤ ክወርስዋ ኸዓ እዮም።
40
ንስኻትኩም ግና ተመለሱ፤ ብመንገዲ ባሕሪ ኤርትራ ድማ ናብ ምድረ በዳ ኣቢልኩም ኪዱ’ በለኒ።
41
“ሽዑ ‘ንእግዚኣብሄር በዲልና ኢና፤ እምበኣር ክንድይብ እሞ ኸምቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝኣዘዘና ኽንዋጋእ ኢና’ ኢልኩም መለስኩምለይ፤ ነፍሲ ወከፍኩምውን ኣፅዋርኩም ዓጢቕኩም ናብ ደጕዓ ኽትድይቡ ተዳሎኹም።
42
“እግዚኣብሄር ድማ ‘ኣነ ኣብ ማእኸልኩም ኣይኮንኩን እሞ፥ ኣብ ቅድሚ ፀላእትኹም ምእንቲ ኸይትሰዓሩ፥ ናብ ደጕዓ ኣይትደይቡ፤ ኣይትዋግኡውን፥ በሎም’ በለኒ።
43
“ኣነ ድማ ነገርኩኹም፤ ንስኻትኩም ግና ትእዛዝ እግዚኣብሄር ኣቢኹም፤ ብድፍረትኩም ናብቲ ደጕዓ ደየብኩም እምበር ኣይሰማዕኹምንን።
44
እቶም ኣብቲ ደጕዓ ዝነብሩ ኣሞራውያን ድማ ወፂኦም ተዋግኡኹም፤ ከምቲ ንህቢ እተሳጕጎ ድማ ኣሳጐጕኹም፤ ካብ ሴይር ጀሚሮም ክሳዕ ሔርማ ወቕዑኹም።
45
ተመሊስኩም ከዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር በኸኹም፤ እግዚኣብሄር ግና ድምፅኹም ኣይሰምዐን፤ ናባኻትኩምውን ኣይጠመተን።
46
ስለዙይ ከም መጠን እቲ ዝተቐመጥኩምሉ ዘመን፥ ኣብ ቃዴስ ብዙሕ መዓልቲ ተቐመጥኩም።
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 2 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21
22
23
24
25
26
27
28
29
30
31
32
33
34