bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
Deuteronomy 4
Deuteronomy 4
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
← Chapter 3
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 5 →
1
“ሕዚ ድማ፥ ኦ እስራኤል! ምእንቲ ብህይወት ክትነብሩን ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም ዝህበኩም ምድሪ ኽትኣትዉን ክትወርስዋን፥ ነዝ ኣነ ኽትገብርዎ ኢለ ዝምህረኩም ዘለኹ ሕግጋትን ፍርድታትን ስምዑ።
2
ነዝ ኣነ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምእንቲ ኽትሕልዉ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣነ ዝእዝዘኩም ኣይትወስኹ፤ ካብኡ ኸዓ ኣይትነክዩ።
3
“እግዚኣብሄር ኣብ ብዔልፌጎር ዝገበሮ፥ በዒንትኹም ርኢኹም ኣለኹም፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንዅሎም ንበዓል ፌጎር ዝተኸተሉ ሰባት ካብ ማእኸልኩም ኣጥፍኦም፤
4
ንስኻትኩም ግና ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ስለ ዝተኸተልኩም፥ ኵልኻትኩም ክሳዕ ሎሚ ብህይወት ኣለኹም።
5
“እንሆ፥ ኣብታ ኽትወርስዋ እትኣትዉዋ ዘለኹም ሃገር ምእንቲ ኽትፍፅምዎ፥ ኣነ ኸምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ዝኣዘዘኒ ሕግጋትን ፍርድታትን መሃርኩኹም።
6
እዚኣተን ከዓ ንኣኻትኩም ኣብ ቅድሚ ህዝብታት ጥበብኩምን ምስትውዓልኩምን እየን፤ ስለዙይ ሓልዉወንን ፈፅምወንን። ህዝብታት ንዅሉ እዝ ሕግጋት እዙይ ሰሚዖም ‘እዝ ዓብዪ ህዝቢ እዙይ ብሓቂ ፈላጥን መስተውዓልን ህዝቢ እዩ’ ኽብሉ እዮም።
7
ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዅልሻዕ እንትንፅውዖ ዝቐርበና፥ ከምኡ ኣምላኹ ዝቐርቦ፥ ዓብዪ ህዝቢ መን እዩ?
8
ከምዝ ኣነ ሎሚ ኣብ ቅድሚ ዓይንኹም ዘንብራ ዘለኹ ኵላ ሕጊ ዝበለ ቕኑዕ ሕግጋትን ፍርድታትን ዘለዎ፥ ዓብዪ ህዝቢ መን እዩ?
9
“እምበኣርከስ እቲ ዓይንኹም ዝረአዮ ነገር ከይትርስዑ፥ ብዅሉ ናይ ህይወት ዘመንኩም ድማ ኻብ ልብኹም ከይወፅእ፥ ንርእስኹም ተጠንቀቑ፤ ነፍስኹም ሓልዉ፤ ንደቅኹምን ንደቂ ደቅኹምን ድማ መሃርዎም።
10
በታ ኣብ ኮሬብ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝቖምኩምላ መዓልቲ፥ ‘እቶም ህዝቢ ኣብ ምድሪ ዝነብሩለን ኵለን መዓልቲታት ንኣይ ምፍራሕ ምእንቲ ኽመሃሩን ንደቆም ድማ ምእንቲ ኽምህርዎምን፥ ቃለይ ክሰምዑ ናባይ ኣክቦም’ ኢሉ እግዚኣብሄር ተዛረበኒ።
11
ንስኻትኩም ድማ ቐረብኩም፤ ኣብ እግሪ እቲ እምባ ኸዓ ደው በልኩም። እቲ እምባ እውን ክሳዕ ማእኸል ሰማይ ይነድድ ነበረ፤ ፀልማትን ደመናን ጣቓን ድማ ነበረ።
12
እግዚኣብሄር ከዓ ኻብ ውሽጢ እቲ ሓዊ ተዛረበኩም፤ ድምፂ ዘረባኡ ሰማዕኹም፤ ድምፂ ጥራሕ ሰማዕኹም እምበር፥ መልክዕስ ከቶ ኣይረአኹምን።
13
እቲ ኽትፍፅምዎ ዝኣዘዘኩም ኪዳኑ፥ ዓሰርተ ትእዛዛት ድማ ገለፀልኩም። ኣብ ክልተ ፅላት እምኒ ኸዓ ፀሓፎ።
14
እግዚኣብሄር፥ በታ ጊዜ እቲኣ ድማ ኣብታ ኽትወርስዋ እትኣትዉዋ ምድሪ ምእንቲ ኽትፍፅምዎ ሕግጋትን ፍርድታትን ክምህረኩም ሽዑ ኣዘዘኒ።
15
በታ እግዚኣብሄር ኣብ ኮሬብ ኣብ ማእኸል ሓዊ ኾይኑ ዝተዛረበኩም መዓልቲ ሓደ መልክዕ እኳ ኣይረአኩምን እሞ፥ ተጠንቂቕኩም ነፍስኻትኩም ሓልዉ።
16
ብዝኾነ ምስሊ፥ ብመልክዕ ሰብኣይ ወይ ብመልክዕ ሰበይቲ ምስሊ ጣዖት ብምስራሕ ከይትረኽሱ ተጠንቀቑ።
17
ኣብ ልዕሊ ምድሪ ናይ ዘሎ ምስሊ እንስሳ፥ ወይ ናይተን ኣብ ትሕቲ ሰማይ ዝነፍራ ኣዕዋፍ ምስሊ፥
18
ወይ ናይቶም ኣብ ምድሪ ለመም ዝብሉ ምስሊ፥ ወይ ናይቶም ኣብ ማይ ዘለዉ ዓሳታት ምስሊ ብምግባር ከይተምልኽዎም ተጠንቀቑ።
19
ንፀሓይን ንወርሕን ንኸዋኽብትን፥ ንዅሎም ሰራዊት ሰማይን ርኢኹም ከይተምልኽዎም። እዚኣቶም እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘለዉ ዅሎም ህዝብታት ከገልግሉ ዝሃቦም እዮም እሞ፥ ክትሰግዱሎምን ክተገልግልዎምን ኢልኩም ከይትስሕቱ ተጠንቀቑ።
20
ንስኻትኩም ግና ኸምዝ ሎሚ ዄንኩምዎ ዘለኹም፥ ርስቱ ዝኾነ ህዝቢ ምእንቲ ኽትኮንዎ እግዚኣብሄር ካብ እቶን ሓፂን፥ ካብ ግብፂ ኣውፂኡኩም እዩ።
21
“እግዚኣብሄር ድማ ብሰንክኹም ተቘጥዐኒ፤ ኣነ ንፈለግ ዮርዳኖስ ከይሳገር፥ ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንርስቲ ዝህበኩም ፍርያም ምድሪ ኸዓ ኸይኣቱ መሓለ።
22
ኣነ ንፈለግ ዮርዳኖስ እንተይተሳገርኩ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኽመውት እየ፤ ንስኻትኩም ግና ኽትሳገሩ፥ ነታ ፍርያም ምድሪ ድማ ኽትወርስዋ ኢኹም።
23
እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምሳኻትኩም ዝኣተዎ ኺዳን ከይትርስዑ። እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝኸልከለኩም ብናይ ዝኾነ መልክዕ ዝተወቕረ ምስሊ ኸይትገብሩ ተጠንቀቑ።
24
እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝባላዕ ሓዊ ዝኾነ፥ ቀናእ ኣምላኽ እዩ እሞ።
25
“ደቅን ደቂ ደቅን ምስ ወለድኩም፥ ኣብታ ምድሪ ኸዓ ነዊሕ ዘመን ምስ ተቐመጥኩም፥ ብናይ ዝኾነ መልክዕ ዝተወቕረ ምስሊ ብምግባርኩም ንባዕልኹም እንተርከስኩም፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክፉእ ብምግባር እውን እንተ ኣቘጢዕኹምዎ፥
26
ካብታ ንዮርዳኖስ ተሳጊርኩም እትወርስዋ ምድሪ ቐልጢፍኩም ከም እትጠፍኡ ኣነ ሎሚ ንሰማይን ምድርን ኣመስክረልኩም ኣለኹ። ፈፂምኩም ክትፈልሱ ኢኹም እምበር ነዊሕ ዘመን ኣይትነብርዋን ኢኹም።
27
እግዚኣብሄር ናብ ማእኸል ህዝብታት ክብትነኩም እዩ፤ ኣብ መንጎ እቶም ተሰዲድኩም እትኸድዎም ህዝቢ ኸዓ ውሑዳት ክትተርፉ ኢኹም።
28
ኣብኡ ነቶም ብኢድ ሰብ ዝተሰርሑ ዘይሪኡ፥ ዘይሰምዑ፥ ዘይበልዑ፥ ዘየጫንዉ ኣማልኽቲ ዕንፀይትን እምንን ክተገልግሉ ኢኹም።
29
ኣብኡ ግና ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፥ ብምሉእ ልብኹምን ብምሉእ ነፍስኹምን እንተ ደሊኹምዎ ኽትረኽብዎ ኢኹም።
30
ምስ ፀበበኩምን፥ እዝ ዅሉ ምስ በፅሐኩምን ግና፥ ኣብተን ዳሕረዎት መዓልቲታት ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክትምለሱ ኢኹም፤ ቃሉ ኸዓ ኽትሰምዑ ኢኹም።
31
እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ርህሩህ ኣምላኽ እዩ እሞ፥ ኣየሓድገኩምን ኣየጥፍአኩምንውን። ነቲ ምስ ኣቦታትኩም ዝኣተዎ፥ ብማሕላ ዘፅንዖ ኺዳን ከዓ ኣይርስዕን እዩ።
32
“ካብታ እግዚኣብሄር ኣብ ምድሪ ንሰብ ዝፈጠረላ መዓልቲ ጀሚሩ፥ ነቲ ቕድሜኹም ዝነበረ፥ ናይ ቀደም ዘመን እስኪ ጠይቑ። ካብቲ ሓደ ወሰን ሰማይ ክሳዕ እቲ ሓደ ወሰን ሰማይ መርምሩ። ከምዙይ ዝበለ ዓብዪ ነገርዶ ኾይኑ ይፈልጥ? ወይ ነዙይ ዝመስልከ ተሰሚዑዶ ይፈልጥ?
33
ከምቲ ንስኻትኩም ዝሰማዕኹምዎ፥ ኣምላኽ ካብ ማእኸል ሓዊ እንትዛረብ ቃሉ ዝሰምዐ፥ ብህይወት ከዓ ዝነብር ህዝቢዶ ኣሎ?
34
ወይ ከዓ ኸምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምእንታኻትኩም ኣብ ግብፂ ኣብ ቅድሚ ዓይንኹም ዝገበሮ፥ መፂኡ ብፈተናን ብምልክትን ብተኣምራትን ብውግእን ብሓያል ኢድን ብብርቱዕ ቕልፅምን ብዓብዪ ግርማን፥ ካብ ማእኸል ካልእ ህዝቢ ንባዕሉ ኽገብሮ ኢሉ ዝወሰዶ፥ ከምቲ ዝገበሮ ኽገብር ዝፈተነ ኻልእ ኣምላኽዶ ኣሎ?
35
“እዝ ዅሉ ንኣኻትኩም ዘርአየኩም ግና፥ እግዚኣብሄር ንሱ ኣምላኽ ከም ዝኾነ፥ ብዘይ ንሱውን ኻልእ ኣምላኽ ከም ዘየለ ምእንቲ ኽትፈልጡ ኢሉ እዩ።
36
ምእንቲ ኽምህረኩም፥ ካብ ሰማይ ድምፁ ኣስምዐኩም፥ ኣብ ምድሪ ኸዓ ዓብዪ ሓዊ ኣርአየኩም፤ ቃሉ ድማ ኻብ ማእኸል ሓዊ ኣስምዐኩም።
37
ነቦታትኩም ስለ ዝፈተዎም ድማ ብድሕሪኦም ንኣኻትኩም ሓረየኩም፤ ባዕሉ ኸዓ ብዓብዪ ሓይሉ ኻብ ግብፂ ኣውፅአኩም።
38
ሃገሮም ርስቲ ገይሩ ኽህበኩም፥ ናብኣ ምእንቲ ኸእትወኩም፥ ከምዝ ሎሚ ኾይንዎ ዘሎ ኻባኻትኩም ዝዓብዩን ዝሕይሉን ህዝብታት ካብ ቅድሜኹም ሰጐጐ።
39
“እምበኣር ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ፥ ኣብ ታሕቲ ኸዓ ኣብ ምድሪ፥ እግዚኣብሄር፥ ንሱ ኣምላኽ ከም ዝኾነ፥ ካልእ ኣምላኽ ከም ዘየለውን፥ ሎሚ ፍለጡ፤ ኣብ ልብኹም ድማ ዕቘርዎ።
40
ንኣኻትኩም፥ ብድሕሬኹም ድማ ንደቅኹም ሰናይ ምእንቲ ክኾነልኩም ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንሓዋሩ ዝህበኩም ምድሪ መዋእልኩም ምእንቲ ኽነውሕ፥ ነዝ ኣነ ሎሚ ዝህበኩም ዘለኹ ናይ ኣምላኽ ሕግጋትን ትእዛዛትን ሓልውዎ።”
41
ሽዑ ሙሴ ኣብ ማዕዶ ፈለግ ዮርዳኖስ ብወገን ምብራቕ ሰለስተ ኸተማ ፈለየ።
42
እዚኣተን፥ ቅድም ፅልኢ ዘይነበሮ፥ ብዘይ ምፍላጥ ብፃዩ ዝቐተለ ሃዲሙ ዝዕቈበለን እየን። ሰብ ዝቐተለ ናብ ሓንቲ ኻብዘን ከተማታት እዚኣተን ሃዲሙ ብህይወት ክነብር ይኽእል እዩ።
43
እተን ከተማታት ድማ፦ ንደቂ ሮቤል ነታ ደጕዓ ኣብ ዝኾነ ምድረ በዳ ዘላ ቦሶር፥ ንደቂ ጋድ ነታ ኣብ ገለዓድ ዘላ ራሞት፥ ንደቂ ምናሴ ድማ ነታ ኣብ ባሳን ዘላ ጎላን ነበራ።
44
ሙሴ ድማ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ዘንበሮ ሕጊ እዙይ እዩ።
45
ደቂ እስራኤል ካብ ግብፂ ምስ ወፁ፥ ሙሴ ዝነገሮም ምስክራትን ሕግጋትን ፍርድታትን እዙይ እዩ።
46
ሽዑ ንሳቶም ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ኣብ ጥቓ ቤት ፌጎር ዘላ ለሰ፥ ኣብ ምድሪ ሴዎን ነበሩ። ሴዎን ኣብ ሓሴቦን ዝነበረ ንጉስ ኣሞራውያን፥ ሙሴን ደቂ እስራኤልን ካብ ግብፂ ምስ ወፁ ዝሰዓርዎ እዩ።
47
ምድሩን ምድሪ ዓግ ንጉስ ባሳንን ሓዙ። ክልቲኦም ነገስታት ኣሞራውያን ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ዝነበሩ እዮም።
48
እዝ ምድሪ እዙይ ካብታ ኣብ ገምገም ፈለግ ኣርኖን ዘላ ኸተማ ዓሮዔር ክሳዕ እምባ ሲዮን፥ ክሳዕ ኣርሞንኤም፥ ይበፅሕ ነበረ።
49
ከምኡ እውን ኣብ ኵሉ ማዕዶ ዮርዳኖስ ብወገን ምብራቕ ዘሎ ጐልጐል፥ ክሳዕ እቲ ኣብ እግሪ ጎቦታት ፈስጋ ዘሎ ጐልጐል ባሕሪ ድማ ሓዙ።
← Chapter 3
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 5 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21
22
23
24
25
26
27
28
29
30
31
32
33
34