bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
Deuteronomy 2
Deuteronomy 2
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
← Chapter 1
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 3 →
1
“ካብኡ ተመሊስና ድማ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበለኒ፥ ብመንገዲ ምብራቓዊ ባሕሪ ኤርትራ ኣቢልና ንምድረ በዳ ገፅና ተጕዓዝና። ንእምባ ሴይር ብዙሕ መዓልቲ ዞርናዮ።”
2
እግዚኣብሄር ድማ ከምዙይ ኢሉ ተናገረኒ፦
3
“ነዝ እምባዙይ ምዛር ይኣኽለኩም፤ ተመሊስኩም ናብ ሰሜን ኪዱ።
4
ነቶም ህዝቢ እውን ከምዙይ ኢልካ ኣዝዞም፤ ብወሰን እቶም ኣብ ሴይር ዝነብሩ ኣሕዋትኩም፥ ደቂ ኤሳው፥ ክትሓልፉ ኢኹም፤ ንሳቶም ይፈርሑኹም እዮም፤ ግና የመና ተጠንቀቑ።
5
ኣይትዋግኡዎም፤ ደጕዓ ሴይር ንኤሳው ርስቲ ገይረ ሂበዮ እየ እሞ፥ ካብታ ምድሮም መርገፂ እግሪ እትኣክል እኳ ኣይህበኩምን እየ።
6
እንጀራ፥ ካብኣቶም ብገንዘብ ዓዲግኩም ብልዑ፤ ማይውን ካብኣቶም ብገንዘብ ዓዲግኩም ስተዩ።
7
“እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብዅሉ ተግባር ኢድኩም ባሪኹኩም እዩ፤ በዝ ዓብዪ ምድረ በዳ እዙይ ክትጕዓዙ እንተለኹምውን ሓልዩኩም እዩ። በዘን ኣርብዓ ዓመታት እዚኣተን እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምሳኻትኩም ነበረ፤ ሓደ እኳ ኣየጕደለልኩምን።”
8
ነቶም ኣብ ሴይር ዝነብሩ ኣሕዋትና ደቂ ኤሳው ሓሊፍና ድማ፥ ካብታ ኻብ ኤላትን ካብ ዔፅዮንጋብርን እተውፅእ ናብ ባሕሪ ጨው እትወስድ መንገዲ ኣግለስና። ገፅና መሊስና ኸዓ በታ ናብ ሞኣብ እትወስድ መንገዲ ምድረ በዳ ሓለፍና።
9
እግዚኣብሄር ድማ “ምድሪ ዔር ንደቂ ሎጥ ርስቲ ገይረ ስለ ዝሃብክዎም፥ ካብኣ ርስቲ ኣይህበኩምን እየ። ስለዙይ ንሞኣባውያን ኣይትሃውኮም፤ ኣይትዋግኣዮምውን” በለኒ።
10
(ቅድም ሓደ ዓቢይን ብዙሕን ኤሚም ዝበሃል ህዝቢ ኣብኡ ይቕመጥ ነበረ፤ ከም ዔናቃውያን ድማ ነዊሕ ዝቑመቶም ሰባት ነበሩ።
11
ንሳቶም ከምቶም ዔናቃውያን፥ ረፋውያን ይብሃሉ ነበሩ። ሞኣባውያን ግና ኤሚም ኢሎም ይፅውዕዎም ነበሩ።
12
ሖራውያን ድማ ቕድም ኣብ ሴይር ይቕመጡ ነበሩ፤ ደቂ ኤሳው ግና፥ ከምቲ ደቂ እስራኤል ነታ እግዚኣብሄር ዝሃቦም ምድሪ ኽወርስዋ እንተለዉ ዝገበርዎ፥ ንሖራውያን ካብ ቅድሚኣቶም ኣጥፊኦም ኣብ ቦታኣቶም ተቐመጡ።)
13
እግዚኣብሄር ድማ፦ “ተስኡ ንሩባ ዘሬድ ተሳገርዎ” በለና። ንሩባ ዘሬድ ድማ ተሳገርናዮ።
14
ካብ ቃዴስ በርኔ ኽሳዕ ሩባ ዘሬድ እንሳገር ዝተጕዓዝናሉ ዘመን፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝመሓለሎም ትውልዲ እቶም ሰልፈኛታት ክሳዕ ዝጠፍእ፥ ሰላሳን ሸሞንተን ዓመት ኮነ።
15
ካብ ማእኸል ሰፈር ተቘሪፆም ክሳዕ ዝጠፍኡ ኢድ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኣቶም ነበረት።
16
ከምዙይ ድማ ኾነ፦ ኵሎም እቶም ሰልፈኛታት ሰባት ምስ ጠፍኡ፥ ካብ ማእኸል ህዝቢ እውን ሞይቶም ምስ ተወድኡ፥
17
እግዚኣብሄር ከምዙይ ኢሉ ተናገረኒ፦
18
ሎሚ ንስኻትኩም ብዔር ኣቢልኩም ብወሰን ሞኣብ ክትሓልፉ ኢኹም።
19
ናብ ደቂ ኣሞን ምስ ቀረብኩም፥ ኣይትሃውኹዎም፤ ኣይትዋግኡዎምውን። ንደቂ ሎጥ ርስቲ ሂበዮም እየ። ስለዙይ ካብ ርስቲ ደቂ ኣሞን ሓደ እኳ ኣይህበኩምን እየ።
20
(እዛ ምድሪ እዚኣ ረፋውያን ይነብርዋ ስለ ዝነበሩ፥ ምድሪ ራፋይም ኢሎም ይፅውዕዋ ነበሩ። ኣሞናውያን ግና ዘምዙማውያን ይብልዎም ነበሩ።
21
ከም ዔናቃውያን፥ ዓቢይን ብዙሕን ህዝቢ፥ እቶም ሰባት ድማ ነዊሕ ዝቑመቶም ነበሩ። ግና እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚኣቶም ኣጥፍኦም እሞ፥ ንኣኣቶም ሰጐጎም፤ ኣብ ቦታኣቶምውን ተቐመጡ።
22
እግዚኣብሄር ኣብ ሴይር ንዝነበሩ ደቂ ኤሳው ከም ዝገበረሎም፥ ንሖራውያን ካብ ቅድሚኣቶም ኣጥፍኦም፤ ንኣኣቶም ሰጒጎም ድማ ኽሳዕ ሎሚ ኣብ ቦታኣቶም ተቐመጡ።
23
ነቶም ኣብተን ክሳዕ ጋዛ ዝበፅሓ ዘለዋ ዓድታት ሰፊሮም ዝነበሩ ዓዋውያን ድማ፥ ካብ ከፍቶር ዝወፁ ኮፍቶራውያን ኣጥፍእዎም፤ ኣብቲ ቦታኣቶም ድማ ተቐመጡ።)
24
እግዚኣብሄር ድማ “ሕዚ ተስኡ፤ ተጕዓዙውን፤ ንፈለግ ኣርኖን ድማ ተሳገሩ። እንሆ፥ ንሴዎን ኣሞራዊ፥ ንጉስ ሓሴቦን ምስ ኵሉ ምድሩ ኣብ ኢድኩም ሂበኩም ኣለኹ፤ ምስኡ ኸዓ ተዋግኡ እሞ ምድሩ ውረሱ።
25
ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዝነብሩ ዅሎም ህዝብታት፥ ካብ ሎሚ ጀሚረ ብኣኻትኩም ከም ዘንቀጥቅጡን ከም ዝሽበሩን ክገብሮም እየ። ወረኹም ምስ ሰምዑ፥ ኣብ ቅድሜኹም ክፈርሑን ራዕዲ ድማ ኽሕዞምን እዩ” በለና።
26
ካብ ምድረ በዳ ቅዴሞት ድማ ናብ ሴዎን ንጉስ ሓሴቦን፥ እዝ መልእኽቲ ሰላም እዙይ ዝሓዙ ሰባት ሰደድኩሉ፦
27
“ብምድርኻ ኣሕልፈና፤ ንየማንን ንፀጋምን እንተየግለስና በቲ ጐደና ኽንከይድ ኢና።
28
እንበልዖ እንጀራ ብገንዘብ ሽጠልና፤ እንሰትዮ ማይውን ብገንዘብ ሃበና። ንእግርና ጥራሕ ኣሕልፈና።
29
ከምቲ ኣብ ሴይር ዝነብሩ ደቂ ኤሳውን ኣብ ዔር ዝነብሩ ሞኣባውያንን ዝገበሩልና ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ዝህበና ምድሪ ንፈለግ ዮርዳኖስ ክንሳገር ፍቐደልና” በልክዎ።
30
ሴዎን ንጉስ ሓሴቦን ግና እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኸምዝ ናይ ሎሚ ምእንቲ ኣብ ኢድና ኽህበና፥ ንመንፈሱ ኣትረሮ፤ ንልቡ ኸዓ ተፃራሪ ገበሮ እሞ ኸሕልፈና ኣይደለየን።
31
እግዚኣብሄር ከዓ “እንሆ፥ ንሴዎንን ንምድሩን ኣብ ቅድሜኻ ኣሕሊፈ ምሃብ ጀሚረ ኣለኹ፤ ስዒርካ ንምድሩ ክትወርስ ከዓ ጀምር” በለኒ።
32
ሴዎን ድማ ምስ ኵሉ ህዝቡ ኽዋግአና ናብ የሃፅ ወፀ።
33
እግዚኣብሄር ኣምላኽና ድማ ንእኡ ኣብ ቅድሜና ኣሕሊፉ ሃበና፤ ንእኡን ንደቁን ንዅሉ ህዝቡን ከዓ ቐተልናዮም።
34
በታ ጊዜ እቲኣ ድማ ንዅለን ከተማታቱ ሓዝናየን፤ ንዅለን ከተማታቱ ምስ ኵሎም ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ሓደ እኳ እንተየትረፍና ፈፂምና ኣጥፋእናዮም።
35
ነተን ከፍቲ ዘመትናየን፤ ነተን ከተማታትውን ወረርናየን።
36
ካብታ ኣብ ገምገም ፈለግ ኣርኖን ዘላ ኸተማ ዓሮዔር፥ በታ ኣብ ፈለግ ዘላ ኸተማ ኽሳዕ ገለዓድ ዘለዋ ኸተማታት ሓንቲ እኳ ብምንዋሕ ዕርዳ ዝበርትዐትና ኣይነበረትን፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ንዅለን ኣብ ቅድሜና ኣሕሊፉ ሃበና።
37
ግና ኸምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝኸልከለና፥ ናብ ምድሪ ደቂ ኣሞንን፥ ናብ ኵሉ ወገን ፈለግ ያቦቅን፥ ኣብ ደጕዓ ናብ ዝነበራ ኸተማታትን ኣይቀረብናን።
← Chapter 1
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 3 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21
22
23
24
25
26
27
28
29
30
31
32
33
34