bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
Esther 1
Esther 1
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 2 →
1
ኣርጤክስስ ንጉስ ፋርስ ኣብታ ኣብ ሱሳ ዘላ ቤተ መንግስቱ ኣብ ዙፋን ተቐሚጡ ነተን ካብ ህንዲ ኽሳዕ ኢትዮጵያ ዘለዋ ሚእትን ዕስራን ሸውዓተን ሃገራት ይገዝእ ነበረ።
3
ብሳልሰይቲ ዓመት መንግስቱ፥ ንዅሎም ዓበይትን ሹመኛታቱን፥ ንመራሕቲ ሰራዊት ፋርስን ሜዶንን፥ ነቶም ገዛእቲ ሃገራትን ክቡራቶምን ዓብዪ ድግስ ገበረሎም።
4
ሽዑ ንሚእትን ሰማንያን መዓልቲ ሃብቲ እቲ ኽብሪ መንግስቱን ክብረት እቲ ብሉፅ ግርማኡን ኣርኣዮም።
5
እዘን መዓልቲታት እዚኣተን ምስ ሓለፋ፥ እቲ ንጉስ ንዅሎም ነቶም ኣብ ከተማ ሱሳ ዝነበሩ ህዝቢ ድኻን ሃብታምን እንተይፈለየ ኣብ ማእኸል መካበብያ ኣታኽልቲ ቤተ መንግስቱ ሸውዓተ መዓልቲ ድግስ ገበረሎም።
6
ኣብ መካበብያ ኣታኽልቲ፥ ፃዕዳን ሓምለዋይን ሰማያውን መጋረጃታት፥ ብፃዕዳን ቀይሕን ገመድ ሃሪ ተኣሲሩ፥ ብቐለበታት ብሩር ተንጠልጢሉ፥ ኣብ ልዕሊ ኣዕምዲ እብነ በረድ ተዘርጊሑ ነበረ። ኣብ ልዕሊ እቲ ብኣልባስጥሮስን ብፃዕዳ እብነ በረድን ብሉልን ብፀሊም እብነ በረድን ዝተኸድነ፥ ምድሪ ቤት ከዓ መናብር ወርቅን ብሩርን ነበረ።
7
እቲ መስተታት ድማ ብኣቑሑ ወርቂ ይቐርብ ነበረ፤ እቲ ኣቑሑ ኸዓ በብዓይነቱ ነበረ። እቲ ወይኒ ንጉስ ድማ ኸም ልግሲ ንጉስ የመና ብዙሕ ነበረ።
8
ንጉስ ከዓ ንዅሎም እቶም ኣሕሉቕ ቤቱ፥ ነፍሲ ወከፍ ከከም ድሌቱ ደኣ ኽሰቲ እምበር፥ ንሓደ እኳ ኸይኸልእዎ ኣዚዙ ነበረ እሞ፥ እቲ ምስታይ ከም ድሌትካ ነበረ።
9
ንግስቲ ኣስጢን ድማ፥ ኣብ ቤት ንጉስ ኣርጤክስስ፥ ነንስቲ ምሳሕ ገበረትለን።
10
ኣብ ሻውዐይቲ መዓልቲ፥ ንጉስ፥ ወይኒ ሰትዩ ልቡ ደስ ምስ በሎ፤ ንምሁማን፥ ንባዛን፥ ንሓርቦናን፥ ንገበታን፥ ንዘቶልታን፥ ንዜታርን፥ ንከርከስን፥ ነቶም ዘገልግልዎ ሸውዓተ ስሉባት ፀውዖም።
11
ንግስቲ ኣስጢን፥ ምልክዕቲ ነበረት እሞ፥ መልክዓ ንህዝብን ንሹመኛታትን ክትርአ፥ ዘውዲ መንግስቱ ደፊኣ ናብ ቅድሚኡ ኸምፅእዋ ኣዘዞም።
12
እቶም ስሉባት ትእዛዝ ንጉስ ምስ ነገርዋ ግና ንግስቲ ኣስጢን ምምፃእ ኣበየት። ሽዑ እቲ ንጉስ የመና ተቘጥዐ፤ ቍጥዓኡ ድማ ነደደ።
13
ንንጉስ፥ ሕግን ስርዓትን ብዝምልከት ነገር ከጋጥሞ እንተሎ፥ ነቶም ፈላጣት ሕግን ስርዓትን ፀዊዕኻ ምጥያቕ ልሙድ ነበረ እሞ፥ ሽዑ ነቶም ሕግን ስርዓትን ዝፈልጡ ፀዊዑ እንታይ ክገብር ከም ዘለዎ ጠየቖም።
14
እቶም ብዙሕ ጊዜ ንጉስ ምኽሪ ዝጥይቖም ዝነበረ ኸዓ ኻርሽና፥ ሼታር፥ ኣድማታ፥ ተርሺሽ፥ ሜረስ፥ ማርስና፥ መሙካን ነበሩ። እዚኣቶም ኵልሻዕ ኣብ ጥቓ ንጉስ ዝቐርቡን ኣብታ መንግስቲ ዝለዓለ ስልጣን ዝነበሮምን ሸውዓተ ሹመኛታት ፋርስን ሜዶንን እዮም።
15
“ኣነ ንጉስ ኣርጤክስስ ንንግስቲ ኣስጢን በቶም ስሉባት ገይረ ዝኣዘዝክዋ ስለ ዘይገበረት ከም መጠን ሕጊ እንታይ ይገበር?” ኢሉ ጠየቖም።
16
መሙካን ከዓ ኣብ ቅድሚ ንጉስን ሹመኛታትን፦ “ንግስቲ ኣስጢን ንሓለቓታትን ኣብ ግዝኣትካ ንዘለዉ ዅሎም ህዝብታትን እያ ዝበደለት እምበር፥ ንኣኻ ንንጉስ ጥራሕ ኣይኮነትን ዝበደለት።
17
እዝ ንግስቲ ዝገበረቶ ነገር፥ ኵለን ኣንስቲ ኽሰምዓኦ እየን እሞ ‘ንጉስ ኣርጤክስስ ንንግስቲ ኣስጢን ናብኡ ኸምፅእዋ ኣዘዘ፤ ግና ኣይመፀትን’ እናበላ ንሰብኡተን ክንዕቓኦም እየን።
18
ሎሚ ድማ ወይዘራዝር ፋርስን ሜዶንን ንግስቲ ዝገበረቶ ዘረባ ምስ ሰምዓ፥ ንዅላቶም ሹመኛታት ንጉስ ከምኡ ኽብላኦም እየን እሞ፥ ብዙሕ ንዕቐትን ባእስን ክፍጠር እዩ።
19
“ኦ ንጉስ፥ እንተ ደኣ ፈቲኻስ፥ ሓደ ንጉሳዊ ትእዛዝ ኣውፅእ፤ ከም ዘይልወጥውን ኣብ ሕጊ ፋርስን ሜዶንን ይፀሓፍ። ደጊም ኣስጢን ናብ ቅድሜኻ ኣይትእቶ፤ ንጉስ ድማ እቲ ናይ ንግስቲ መዓርግ ንኻልእ፥ ካብአ ንእትሓይሽ ሃባ።
20
ኣዋጅ ንጉስ ኣብ ኵላ እዛ ገፋሕ መንግስትኻ ምስ ተሰምዐ ኸዓ ዅላተን ኣንስቲ ንሰብኡተን፥ ካብ ዓብዪ ኽሳዕ ንእሽተይ ከኽብራኦም እየን” በለ።
21
እዝ ምኽሪ እዙይ ድማ ንንጉስን ንሹመኛታቱን ደስ ኣበሎም እሞ፥ እቲ ንጉስ ከምቲ ዘረባ መሙካን ገበረ።
22
ኣብ ኵለን ግዝኣቱ ድማ እቲ ንጉስ ንዅሉ ሃገር ከም ስርዓት ኣፀሓሕፋ፥ ንዅሉ ህዝቢ ኸዓ በብቛንቋኡ መልእኽቲ ሰደደ። እተን መልእኽትታት ድማ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ ኣብ ቤቱ ኽመልኽ ዝእዝዛ ነበራ።
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 2 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10