bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
Esther 3
Esther 3
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
← Chapter 2
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 4 →
1
ድሕሪ እዝ ነገር እዙይ ንጉስ ኣርጤክስስ፥ ንሃማ ወዲ ሃመዳቱ እቲ ኣጋጋዊ፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ምስኡ ዝነበሩ ዅሎም ሹመኛታት ሸሞ፤ ኣኽበሮውን።
2
እቶም ኣብ ቤተ መንግስቲ ዝነበሩ ዅላቶም ሹመኛታት ድማ ንሃማ ፍግም ኢሎም ሰገዱሉ። እዙይ ከዓ እቲ ንጉስ ከምኡ ኢሉ ኣዚዙ ስለ ዝነበረ እዩ። መርዶክዮስ ግና ፍግም ኢሉ ኣይሰገደሉን።
3
እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ሹመኛታት ንጉስ ድማ ንመርዶክዮስ “ስለ ምንታይ ኢኻ ንስኻ ትእዛዝ ንጉስ እተፍርስ?” በልዎ።
4
መዓልቲ መዓልቲ እውን ከምኡ እናበሉ የትክርዎ ነበሩ። ንሱ ግና ምስማዕ ኣበዮም። ኣይሁዳዊ ምዃኑ ነጊርዎም ነበረ እሞ፥ ሃማ ንግብሪ መርዶክዮስ ሸለል ዝብሎ እንተ ኾይኑ ምእንቲ ኽሪኡ፥ ንሃማ ነገርዎ።
5
ሃማ ድማ መርዶክዮስ ፍግም ኢሉ ኸም ዘይሰገደሉ ምስ ረአየ ብቝጥዓ ነደደ።
6
መርዶክዮስ ኣይሁዳዊ ኸም ዝኾነ ምስ ነገርዎ ኸዓ፥ ኣብ ልዕሊ መርዶክዮስ ኢዱ ኽዝርግሕ፥ ኣብ ዓይኑ ዝተንዓቐ ኾይኑ ተርኣዮ፤ ስለዙይ ሃማ ንህዝቢ መርዶክዮስ፥ ነቶም ኣብ ኵላ መንግስቲ ኣርጤክስስ ዝነበሩ ንዅላቶም ኣይሁድ ከጥፍኦም ደለየ።
7
ኣርጤክስስ ምስ ነገሰ ኣብ መበል ዓሰርተ ኽልተ ዓመቱ፥ ብቐዳመይቲ ወርሒ፥ ብወርሒ ኒሳን፥ መዓልትን ወርሕን ክፈልጡ ኣብ ቅድሚ ሃማ ፉር፥ ዝተብሃለ ዕፃ የውድቑ ነበሩ። እቲ ዕፃ ኸዓ ኣብ መበል ዓሰርተ ኽልተ ወርሒ፥ ኣብ ወርሒ ኣዳር በፅሐ።
8
ሃማ ድማ ንንጉስ ኣርጤክስስ “ኣብ ማእኸል እቶም ኣብ ኵለን ግዝኣትካ ዘለዉ ህዝብታት ፋሕ ኢሉ ዝርከብ ሓደ ፍሉይ ህዝቢ ኣሎ። ሕጎም ከዓ ኻብ ኵሎም ህዝብታት ፍሉይ እዩ። ንሕግታት ንጉስ እውን ኣይእዘዙን እዮም። ስለዙይ ንጉስ ነዚኣቶም ሸለል ክትብሎም ኣይግባእን እዩ።
9
ኦ ንጉስ፥ ንኣኻ ፅቡቕ ኮይኑ እንተ ተርእዩካስ እዞም ህዝቢ እዚኣቶም ክጠፍኡ ይፀሓፍ። ኣነ ድማ ናብ ናይ ንጉስ መዝገብ ኣታዊ ዝኸውን ሰለስተ ሚእትን ኣርብዓን ሽሕ ኪሎ ግራም ብሩር፥ ካብ ባዕለይ መዚነ፥ ብኢድ እቶም ዓየይቲ፥ ናብ መዝገብ ንጉስ ከእቱ እየ” በለ።
10
ሽዑ ንጉስ ነታ ማሕተም ዘለዋ ቐለበቱ ኻብ ኢዱ ኣውፂኡ ንሃማ ወዲ ሃመዳታ እቲ ኣጋጋዊ፥ ፀላኢ ኣይሁድ ሃቦ።
11
ንጉስ ከዓ ንሃማ “ዝደለኻዮ ኽትገብርስ፥ እቲ ብሩርን እቲ ህዝብን ንኣኻ ተውሂቡ እዩ” በሎ።
12
ኣብ መበል ዓሰርተ ሰለስተ መዓልቲ ናይታ ቐዳመይቲ ወርሒ ድማ እቶም ፀሓፍቲ ንጉስ ተፀውዑ። ካብ ህንዲ ጀሚሩ ክሳዕ ኢትዮጵያ ናብ ዘለዉ ሚእትን ዕስራን ሸውዓተን ሃገራት፥ ከምቲ ዅሉ ሃማ ዝኣዘዞም ድማ ናብ ሹመኛታት ንጉስን ኣብ በብሃገሩ ንዘለዉ ገዛእትን ኣብ በብህዝቡ ዘለዉ ኣሕሉቕን፥ ከከም ስርዓት ኣፀሓሕፋ እተን ሃገራትን፥ ከከም ቛንቋ እቶም ህዝብታትን ተርጒሞም ፀሓፉ። እዙይ ብስም ንጉስ ኣርጤክስስ ተፅሓፈ፤ ብቐለበት ንጉስ ድማ ተሓትመ።
13
ብሓንቲ መዓልቲ ኣብ መበል ዓሰርተ ሰለስተ መዓልቲ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ኽልተ ወርሒ፥ ብወርሒ ኣዳር፥ ንዅላቶም ኣይሁድ፥ ነጕባዝን ንኣረጋውያንን፥ ንህፃናትን ንኣንስትን፥ ከጥፍእዎምን ክቐትልዎምን ክድምስስዎምን ገንዘቦም ድማ ኽዘምቱን መልእኽትታት ብፈጣናት ፈረሰኛታት ናብ ኵለን ሃገራት ንጉስ ሰደዱ።
14
ነታ መዓልቲ እቲኣ ተዳልዮም ምእንቲ ኽፀንሑ ድማ፥ ቅዳሕ እቲ ኣዋጅ፥ ኣብ ኵለን ሃገራትን ኣብ ኵሎም ህዝብታትን ከም ዝበፅሕ ገበሩ።
15
እቲ ኣዋጅ ድማ ኣብ ከተማ ሱሳ ተነግረ። እቶም ፈረሰኛታት ከዓ ብትእዛዝ ንጉስ ቀልጢፎም ናብ ኵለን ሃገራት ከዱ። ንጉስን ሃማን ድማ ኾፍ ኢሎም ይሰትዩ ነበሩ፤ ከተማ ሱሳ ግና ደንገፀት።
← Chapter 2
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 4 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10