bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
Esther 2
Esther 2
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
← Chapter 1
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 3 →
1
ድሕሪዙይ ንጉስ ኣርጤክስስ ካብ ኵራኡ ምስ ዘሓለ፥ ንኣስጢንን ነቲ ዝገበረቶን ነቲ ኣብ ልዕሊኣ ዝፈረዶ ነገርን ሓሰበ።
2
ሽዑ እቶም ኣገልገልቲ ንጉስ “ንንጉስ ፅቡቕ ዝመልክዐን ደናግል ኣጓላት ንድለየሉ።
3
እቲ ንጉስ መልክዐን ዝፀበቓ ዅለን ደናግል ናብ ከተማ ሱሳ ናብ ቤት ኣንስቲ ኣብ ኢድ ሄጋይ፥ እቲ ስሉብ ሓሽከር ንጉስ ሓላዊ ኣንስቲ፥ ዝእክብወን ሹመኛታት ኣብ ኵሉ ግዝኣት መንግስትኻ ይምረፁ። ቅብኣትን ንፅባቐ ዘድልን ከዓ ይወሃበን።
4
ነቲ ንጉስ ደስ እተብል ጓል ድማ ኽንዲ ኣስጢን ንግስቲ ትኹን” በሉ። እዝ ነገር እዙይ ንንጉስ ደስ ኣበሎ እሞ ኸምኡ ገበረ።
5
ኣብ ከተማ ሱሳ ሓደ መርዶክዮስ ዝስሙ ኣይሁዳዊ ሰብኣይ ነበረ፤ ንሱ ወዲ ኢያዕር፥ ወዲ ሰሜዒ፥ ወዲ ቂስ፥ ካብ ደቂ ብንያም ነበረ።
6
መርዶክዮስ ምስቶም ምስ ኢኮንያን ንጉስ ይሁዳ ዝተማረኹ፥ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን፥ ካብ ኢየሩሳሌም ዝማረኾ ነበረ።
7
ንሱ፥ ኣስቴር ንዝተብሃለት ሃዳሳ፥ ጓል ሓወቦኡ ነበረቶ። እታ ጓል እቲኣ የመና ምልክዕቲ ነበረት፤ ንምርኣያ ድማ ፅብቕቲ ነበረት። ኣቦኣን እኖኣን ምስ ሞቱ ኸዓ መርዶክዮስ ከም ጓሉ ገይሩ ኣዕበያ።
8
ትእዛዝ ንጉስን ፍርዱን ምስ ተሰምዐ፥ ኣብ ኢድ ሄጋይ ናብ ከተማ ሱሳ፥ ብዙሓት ቈናጁ ተኣከባ። ንኣስቴርውን ኣብ ኢድ ሄጋይ ሓላዊ ኣንስቲ ናብ ቤት ንጉስ ኣምፅእዋ።
9
ኣስቴር ድማ ንሄጋይ ደስ ኣበለቶ፤ ኣብ ቅድሚኡውን ሞገስ ረኸበት። ንሱ ድማ ንፅባቐ ዘድልያን፥ ዝግብኣ ምግብን፥ ካብ ቤት ንጉስ ዝተመደባላ ሸውዓተ ኣግራድን ቀልጢፉ ሃባ። ንኣኣን ነግራዳን ድማ ኻብቲ ቤት ኣንስቲ ኣብ ዝበለፀ ቤት ኣእተዋ።
10
መርዶክዮስ፥ ኣይትንገሪ፥ ኢሉ ኣዚዝዋ ነበረ እሞ፥ ኣስቴር ህዝባን ዓሌታን ኣይነገረትን።
11
መርዶክዮስ ከዓ ንኣስቴር ደሓን ምህላዋን እንታይ ከም ዝገብርዋን ክፈልጥ፥ ኵሉ መዓልቲ ኣብ ቅድሚ መካበብያ ቤት ኣንስቲ ይመላለስ ነበረ።
12
ሓንቲ ጓል ናብ ንጉስ ኣርጤክስስ ቅድሚ ምእታዋ ኸም ስርዓት ኣንስቲ ኽትዳሎ ዓሰርተ ኽልተ ወርሒ የድልያ ነበረ፦ ሽዱሽተ ወርሒ ብቕብኢ ኸርበ፥ ሽዱሽተ ወርሒ ድማ ብጥዑም ሽቱ እናተቐብአት ትዳሎ ነበረት።
13
ድሕሪዙይ እታ ቘንጆ ናብ ንጉስ ክትኣቱ እንተላ፥ ካብቲ ቤት ኣንስቲ ዅሉ ዘድልያ ይወሃባ ነበረ።
14
እታ ጓል፥ ምሸት ትኸይድ ነበረት፤ ብጊሓት ድማ ተመሊሳ፥ ኣብታ ኻልአይቲ ቤት ኣንስቲ፥ ናብ ጋይ፥ ናይ ንጉስ ስሉብ ሓላዊ ኣንስቲ ወሰኑ፥ ትኸይድ ነበረት። ንጉስ እንተ ዘይደለያን፥ ብስማውን እንተ ዘይፀውዓን፥ ናብ ንጉስ ኣይትኣቱን ነበረት።
15
ኣስቴር እታ መርዶክዮስ ከም ጓሉ ገይሩ ዘዕበያ፥ ጓል ኣቢካኢል ሓወቦኡ፥ ናብ ንጉስ ክትኣቱ ተራኣ ምስ በፅሐ፥ ብዘይ ሄጌ፥ እቲ ናይ ንጉስ ስሉብ ሓላዊ ኣንስቲ ዝበላ ኻልእ ነገር ኣይደለየትን። ኣስቴር ከዓ በቶም ብዓይኒ እቶም ዝረአይዋ ዅሎም ፍትውቲ ነበረት።
16
ኣርጤክስስ ምስ ነገሰ ኣብ ሻውዐይቲ ዓመቱ ብዓስረይቲ ወርሒ፥ ብወርሒ ጤቤት፥ ናብ ቤት ንጉስ ወሰድዋ።
17
ንጉስ ድማ ንኣስቴር ካብ ኵለን እተን ኣንስቲ ኣብሊፁ ፈተዋ፤ ኣብ ቅድሚ ዓይኑውን ሕልፊ ዅለን እተን ደናግል ሞገስን ፍቕርን ረኸበት። ኣብ ርእሳውን ዘውዲ መንግስቱ ደፍአላ፤ ክንዲ ኣስጢን ድማ ንግስቲ ኾነት።
18
ሽዑ እቲ ንጉስ ንሹመኛታቱን ንሓሻኽሩን ዓብዪ ድግስ ገበረሎም። እቲ ድግስ እቱይ ከዓ ንኽብሪ ኣስቴር ነበረ እሞ፥ ኣብታ ሃገር በዓል ኣወጀ፤ ከም ልግስነት ንጉስውን ውህብቶታት ሃበ።
19
በቲ እዋን እቱይ መርዶክዮስ ብንጉስ ተሸይሙ ነበረ።
20
ኣስቴር ከዓ ኸምቲ ምስኡ ተዓቚባ እንተላ ንመርዶክዮስ እትእዘዞ ዝነበረት፥ ከምቲ መርዶክዮስ ዝኣዘዛ፥ ዓሌታን ህዝባን ገና ኣይነገረትን ነበረት።
21
በተን መዓልቲታት እቲኣተን መርዶክዮስ ኣብ ቤተ መንግስቲ ኣብ ሽመቱ እንተሎ፥ ቢግታንን ቴረሽን ዝበሃሉ ኻብቶም ነቲ ደገ ዝሕልዉ ዝነበሩ ኽልተ ናይ ንጉስ ስሉባት፥ ንንጉስ ኣርጤክስስ ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊ ንጉስ ከልዕሉ ደለዩ።
22
መርዶክዮስ ነቲ ነገር ፈለጦ፤ ንንግስቲ ኣስቴር ከዓ ነገራ። ኣስቴር ድማ ብስም መርዶክዮስ ንንጉስ ነገረቶ።
23
እቲ ነገር ተመርመረ እሞ ሓቂ ኾይኑ ተረኽበ። ክልቲኦም ድማ ኣብ ኦም ተሰቐሉ። እዙይውን ብትእዛዝ ንጉስ ኣብ መፅሓፍ ዜና መዋእል ተፅሓፈ።
← Chapter 1
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 3 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10