bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
Galatians 1
Galatians 1
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 2 →
1
ካብቲ፥ ካብ ሰብ ወይ ብሰብ ዘይኮነስ፥ ብኢየሱስ ክርስቶስን፥ በቲ ኻብ ሙታን ዘተስኦ እግዚኣብሄር ኣብን፥ ሃዋርያ ክኸውን ዝተሓረየ ጳውሎስን፥
2
ካብቶም ኵሎም ምሳይ ዘለዉ ኣሕዋትን፥ ናብተን ኣብ ገላትያ ዘለዋ ኣብያተ ክርስቲያን፥
3
ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን፥ ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ፀጋን ሰላምን ምሳኻትኩም ይኹን።
4
ጐይታና፥ ከም ፍቓድ ኣምላኽናን ኣቦናን፥ ካብዛ ሕዚ ዘላ ኽፍእቲ ዓለም ምእንቲ ኸድሕነና፥ ብምኽንያት ሓጢኣትና፥ ንንባዕሉ ኣሕሊፉ ሃበ።
5
ንእኡ ኻብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን።
6
ነቲ ብፀጋ ክርስቶስ ገይሩ ዝፀውዐኩም፥ ኣሻዕኹም ካብኡ፥ ናብ ካልእ ወንጌል ከም ዝሓለፍኩም፥ ገሪሙኒ ኣሎ፤
7
እዙይ ግና፥ ገሊኣቶም ሰባት ንወንጌል ክርስቶስ ክጠውዩ ደልዮም እዮም ዝህውኹኹም ዘለዉ እምበር፥ ካልእ ወንጌል ፈፂሙ የለን።
8
ግና ንሕና ኾነ ወይ ካብ ሰማይ መልኣኽ፥ ካብቲ ንሕና ዝሰበኽናልኩም ዝተፈልየ፥ ካልእ ወንጌል እንተ ደኣ ሰቢኹልኩም፥ ርጉም ይኹን።
9
ከምቲ ኣቐዲምና ዝበልናዮ፥ ሕዚ እውን ደጊመ እብል ኣለኹ፤ ነቲ ዝተቐበልኩምዎ ዝቃረን፥ ካልእ ወንጌል እንተ ደኣ ሰቢኹልኩም፥ ርጉም ይኹን።
10
በዙይከ ናይ ሰብ ናእዳ ድየ ዝደሊ ዘለኹ? ወይ ከዓ ናይ ኣምላኽ? ወይ ንሰብ ከሐጕስ ድየ ዝደሊ ዘለኹ? ንሰብ ከሐጕስ እንተ ዝደልስ፥ ባርያ ክርስቶስ ኣይምኾንኩን ነይረ።
11
ኣቱም ኣሕዋተይ፥ እቲ ብኣይ ዝተሰብከ ወንጌል፥ ካብ ሰብ ከም ዘይኮነ ኣፍልጠኩም ኣለኹ።
12
ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ ዝገለፀለይ እምበር፥ ካብ ሰብ ኣይተቐበልክዎን፤ ካብ ሰብውን ኣይተምሃርክዎን።
13
ከምኡውን ቀደም ብስርዓት ኣይሁድ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፥ ንቤተ ክርስቲያን እግዚኣብሄር፥ ካብ መጠን ንላዕሊ ኸም ዘሳጐጕክዋን፥ ከጥፍኣ ኸም ዝፈተንኩን ሰሚዕኹም ኣለኹም።
14
ኣብቲ ናይ ኣይሁድ እምነት፥ ካብ መብዛሕቶም ደቂ ዓደይን ብፆተይን እበልፅ ነበርኩ። ብዛዕባ ስርዓት ኣቦታተይ ድማ ቐናእ ነበርኩ።
15
እቲ ኣብ ማህፀን እነይ እንተለኹ ዝሓረየኒ፥ ብፀጋኡውን ዝፀውዐኒ እግዚኣብሄር፥
16
ኣብ ኣህዛብ ብዛዕባኡ ምእንቲ ኽሰብኽ፥ ንወዱ ኽገልፀለይ ምስ ፈተወ ግና፥ ምስ ስጋን ደምን ኣይተማኸርኩን።
17
ነቶም ቅድመይ ዝነበሩ ሃዋርያት ክርኢ፥ ናብ ኢየሩሳሌም ኣይደየብኩን። እኳ ደኣ ናብ ምድሪ ዓረብ ከድኩ እምበር፤ ደጊመውን ናብ ደማስቆ ተመለስኩ።
18
ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ከዓ፥ ንኬፋ ኽርኢ ናብ ኢየሩሳሌም ደየብኩ። ምስኡ ኸዓ ዓሰርተ ሓሙሽተ መዓልቲ ፀናሕኹ።
19
እንትርፊ ያእቆብ ሓው ጐይታና፥ ካልእ ካብ ሃዋርያት ንሓደኳ ኣይረአኹን።
20
እዝ ዝፅሕፈልኩም ዘለኹ ሓሰት ከም ዘይኮነ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣረጋግፀልኩም ኣለኹ።
21
ብድሕሪኡ ኸዓ ናብ ሃገር ሶርያን ቂልቅያን ከድኩ።
22
እንተ ኾነ፥ እተን ኣብ ይሁዳ ዝነበራ ኣብያተ ክርስቲያን፥ ብገፅ ኣይፈልጣንን ነበራ።
23
“እቲ ቐደም ዘሳጕጐና ዝነበረ፥ ብዛዕባ እታ ኸጥፍኣ ዝፈተነ እምነት ሕዚ ይሰብኽ ኣሎ” ዝብል ጥራሕ ይሰምዓ ነበራ።
24
ብዛዕባይውን ንእግዚኣብሄር ኣመስገና።
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 2 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6