bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
Galatians 3
Galatians 3
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
← Chapter 2
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 4 →
1
ኣቱም ዘይተስተውዕሉ ሰብ ገላትያ፥ ንሓቂ ኸይትእዘዙ መን እዩ ዝዓዘመኩም? ኢየሱስ ስቑል ኮይኑ፥ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኹምዶ ተስኢሉ ኣይነበረን?
2
ካባኻትኩም ክፈልጣ ዝደሊ ሓንቲ ነገር ጥራሕ ኣላ፤ መንፈስ ቅዱስ ዝተቐበልኩም፥ ሕጊ ብምፍፃም ዲኹም ወይ ነቲ ዝሰማዕኹምዎ ብስራት ብምእማን?
3
ክሳዕ ክንድዙይዶ ኣይተስተውዕሉን ኢኹም? ብመንፈስ ጀሚርኩም፥ ሕዚ ብስጋ ኽትፍፅሙዶ ትደልዩ ኣለኹም?
4
ክንድዙይ ዝኣክል መከራ ተቐቢልኩምስ፥ ንኸንቱዶ ጌርኩምዎ?
5
እግዚኣብሄር ብመንፈሱ ዝመልአኩምን፥ ኣብ ማእኸልኩም ከዓ ተኣምራት ዝገብርን፥ ሕጊ ስለ ዝፈፀምኩም ድዩ ወይ ነቲ ዝሰማዕኹምዎ ብስራት ስለ ዝኣመንኩም?
6
ከምኡ ኸዓ ኣብርሃም “ብእግዚኣብሄር ኣመነ፤ እምነቱውን ፅድቂ ኾይኑ ተቘፀረሉ።”
7
እምበኣር እቶም ዝኣመኑ ሰባት፥ ደቂ ኣብርሃም ከም ዝኾኑ ፍለጡ።
8
መፅሓፍውን እግዚኣብሄር ንኣህዛብ ብእምነት ከም ዘፅድቖም ኣቐዲሙ ሪኡ “ኵሎም ኣህዛብ ብኣኻ ኽባረኹ እዮም” እናበለ፥ ኣቐዲሙ ንኣብርሃም ወንጌል ኣብሰሮ።
9
ስለዙይ እቶም ዝኣምኑ ሰባት፥ ምስቲ ዝኣመነ ኣብርሃም ዝተባረኹ እዮም።
10
“ነቲ ዅሉ ኣብ ሕጊ ሙሴ ዘሎ ዘይፍፅም፥ ዝተረገመ እዩ” ዝብል ተፅሒፉ እዩ እሞ፥ እቶም ኣብ ምፍፃም ሕጊ ዝተኣማመኑ ዅሎም፥ ኣብ ትሕቲ መርገም እዮም።
11
ሕዚ ግና “ፃድቕ ብእምነት ይነብር” ከም ዝብሎ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ ሕጊ ብምፍፃም ዝፀድቕ ኸም ዘየለ ርግፅ እዩ።
12
ሕጊ ኣብ እምነት ዝተመስረተ ኣይኮነን። እኳ ደኣ ሕጊ “እቲ ንሕጊ ብምልኣት ዝፍፅም፥ ብእኡ ህያው ኮይኑ ኽነብር እዩ” ይብል።
13
“ኣብ ዕንፀይቲ ዝተሰቐለ፥ ዝተረገመ እዩ” ዝብል ፅሑፍ ከም ዘሎ፥ ክርስቶስ ክንዳና ኸም ዝተረገመ ሰብ ኮይኑ፥ ካብ ናይ ሕጊ መርገም ተቤዘወና።
14
እዙይ ከዓ እቲ በረኸት ኣብርሃም፥ ብክርስቶስ ኢየሱስ፥ ኣብ ኣህዛብ ምእንቲ ኽወርድ፥ ንሕና ኸዓ ተስፋ መንፈስ [ቅዱስ]፥ ብእምነት ምእንቲ ኽንቕበል እዩ።
15
ኣሕዋተይ፥ ከም ልማድ ሰብ እብል ኣለኹ፤ ሰብ እኳ ዝኣተዎ ኺዳን፥ ከፍርስ ወይ ክውስኸሉ ኣይኽእልን።
16
እቲ ተስፋ፥ ንኣብርሃምን ንዘርኡን እዩ ተውሂቡ ዝነበረ። ንብዙሓት ከም ዝብል “ነዝርእትኻ” ኣይበለን፤ እንተ ኾነ ንሓደ ኸም ዝብል “ንዘርእኻ” በለ እምበር፤ ንሱ ኸዓ ክርስቶስ እዩ።
17
እቲ ኽብሎ ዝደሊ ዘለኹ እዙይ እዩ፦ ድሕሪ ኣርባዕተ ሚእትን ሰላሳን ዓመት፥ ሕጊ መፀ። ግና እዝ ሕጊ እዙይ፥ ነቲ ተስፋ ኸንቱ ኽገብሮ ኢሉ፥ ነቲ እግዚኣብሄር ቀደም ዘፅንዖ ኺዳን፥ ኣየፍርሶን እዩ።
18
እቲ ዝውረስ፥ ብሕጊ እንተ ዝኸውንስ፥ ደጊም ብተስፋ ኣይምኾነን ነይሩ። እግዚኣብሄር ግና፥ ንኣብርሃም ብተስፋ እዩ ዝሃቦ።
19
ሕጊ ደኣ ንምንታይ መፀ? እቲ ተስፋ ዝተገብረሉ ዘርኢ ኽሳዕ ዝመፅእ፥ ሓጢኣት እንታይ ከም ዝኾነ ኽገልፅ፥ ዝተወሰኸ እዩ። ብመላእኽቲ ኣቢሉ፥ ብኢድ እቲ ዓራቒ ዝኾነ እዩ ዝተውሃበ።
20
እቲ ዓራቒ ኣብ መንጎ ኽልተ ወገን እምበር፥ ንሓደ ኣይኸውንን፤ እግዚኣብሄር ግና ሓደ እዩ።
21
እምበኣር ሕጊ፥ ነቲ ብእግዚኣብሄር ዝተውሃበ ተስፋ ይፃረር ድዩ? ፈፂሙ ኣይፃረርን፤ ህያው ክገብር ዝኽእል ሕጊ፥ ተውሂቡ ነይሩ እንተ ዝኸውን፥ ብርግፅ ፅድቂ ብሕጊ ምኾነ ነይሩ።
22
እቲ ንኢየሱስ ክርስቶስ ብምእማን ዝርከብ ተስፋ፥ ነቶም ዝኣምኑ ጥራሕ ምእንቲ ኽወሃብ፥ መፅሓፍ፥ ንዅሉ ኣብ ትሕቲ ሓጢኣት ዓፀዎ።
23
እዛ እምነት እዚኣ ቕድሚ ምምፃኣ፥ ንሕና ነታ ኽትገሃድ ዘለዋ እምነት እናተፀበና፥ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ተዓፂና ንሕሎ ነበርና።
24
ስለዙይ ከዓ ብእምነት ምእንቲ ኽንፀድቕስ፥ ናብ ክርስቶስ ከብፅሐና፥ እቲ ሕጊ ሞጕዚት ኮነና።
25
እምነት ምስ መፀት ግና፥ ደጊም ትሕቲ ሞጕዚት ምዃን ኣየድልየናን።
26
ንክርስቶስ ኢየሱስ ብምእማን፥ ኵልኻትኩም ውሉድ እግዚኣብሄር ኢኹም።
27
ብክርስቶስ ዝተጠመቕኩም ኵልኻትኩም፥ ንክርስቶስ ለቢስኩምዎ ኢኹም።
28
ኵልኻትኩም፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ሓደ ኢኹም እሞ፥ በዙይ ኣይሁዳዊ ወይ ግሪካዊ፥ ባርያ ወይ ጭዋ፥ ተባዕታይ ወይ ኣንስተይቲ ዝብል፥ ኣፈላላይ የለን።
29
እምበኣር፥ ናይ ክርስቶስ ካብ ኮንኩም፥ ደጊም ዘርኢ ኣብርሃም ኢኹም፤ ከምቲ ተስፋውን፥ ወረስቲ ኢኹም።
← Chapter 2
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 4 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6