bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
Galatians 2
Galatians 2
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
← Chapter 1
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 3 →
1
ድሕሪ ዓሰርተ ኣርባዕተ ዓመት፥ ምስ በርናባስ ንቲቶ ሒዘ፥ መሊሰ ናብ ኢየሩሳሌም ደየብኩ።
2
እዙይ ከዓ እግዚኣብሄር ብራእይ ስለ ዝገለፀለይ እየ ዝደየብኩ። ምናልባሽ ንኸንቱ እጐዪ ኸይህሉ፥ ወይ ድማ ንኸንቱ ጐይየ ኸይከውን ኢለ፥ ነቲ ኣብ ኣህዛብ ዝሰብኮ ዝነበርኩ ወንጌል፥ ነቶም መራሕቲ ንበይናቶም ገለፅኩሎም።
3
እቲ ምሳይ ዝነበረ ቲቶ፥ ግሪካዊ እኳ እንተ ነበረ፥ ክግረዝ ኣይተገደደን።
4
እዙይ ከዓ እቶም ኣሕዋት መሲሎም፥ ኣብ ማእኸልና ሸሊኾም ዝኣትዉ ሰለልቲ፥ ነቲ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝረኸብናዮ ሓርነት ኣጥፊኦም፥ ባሮት ከይገብሩና እዩ።
5
እቲ ናይ ወንጌል ሓቂ፥ ኣባኻትኩም ምእንቲ ኽፀንዕ፥ ንኣኣቶም ንሓንቲ ሰዓት እኳ ኣይተገዛእናሎምን።
6
እቶም ዋናታት ዝበሃሉ፥ እንታዎት ከም ዝነበሩ ግዲ የብለይን፤ ኣምላኽ ገፅ ሰብ ሪኡ ኣየዳሉን እዩ እሞ፥ ንሳቶም ሓንቲ ነገር እኳ ኣይወሰኹለይን።
7
እኳ ደኣ ኸምቲ ጴጥሮስ ንግሩዛት ወንጌል ክሰብኽ፥ ሓደራ ዝተውሃቦ፥ ኣነ ኸዓ ነቶም ዘይግሩዛት ኣህዛብ ወንጌል ክሰብኽ፥ ሓደራ ኸም ዝተውሃብኩ ፈለጡ።
8
ከምቲ ንኣይሁድ ሃዋርያ ክኸውን ንጴጥሮስ ዝሰርሐ፥ ንኣይውን ሃዋርያ ኣህዛብ ክኸውን ሰሪሑ እዩ እሞ።
9
እቶም ኣዕማድ ተብሂሎም ዝፅውዑ ያእቆብን ጴጥሮስን ዮሃንስን ከዓ፥ ነቲ ተውሂቡኒ ዝነበረ ፀጋ ምስ ረአዩ፥ ንኣይን ንበርናባስን የማናይ ኢዶም ሃቡና። ንሕና ናብ ኣህዛብ ክንከይድ፥ ንሳቶም ከዓ ናብቶም ኣይሁድ ክኸዱ ተሰማማዕና።
10
ጥራሕ ንድኻታት ክንዝክሮም ሓደራ በሉና፤ እዙይ ከዓ ባዕለይ ዝተግሀሉ ነገር እዩ።
11
ጴጥሮስ ናብ ኣንፆኪያ ምስ መፀ ግና፥ ተጋግዩ ስለ ዝነበረ ኽውቀስ ይግብኦ ነበረ፤ ኣነውን ገፅ ንገፅ ተቓወምክዎ።
12
ሰባት ካብ ያእቆብ ተልኢኾም ቅድሚ ምምፅኦም፥ ምስቶም ኻብ ወገን ኣህዛብ ዝኾኑ ኣሕዋት ይበልዕ ነበረ። ንሳቶም ምስ መፁ ግና፥ “ነቶም ዝኣመኑ ኣህዛብ ክግረዙ ኣለዎም” ዝብሉ ኣሕዋት ፈሪሑ፥ ካብኣቶም ተፈለየ።
13
እቶም ዝተረፉ ኻብ ወገን ኣይሁድ ዝኾኑ ኣሕዋትውን፥ ከም ጴጥሮስ ግብዛት ኮኑ፤ በርናባስ እኳ እንተይተረፈ፥ በቲ ግብዝናኦም ተስሓበ።
14
ከምቲ ናይ ወንጌል ሓቂ፥ ብቕኑዕ መንገዲ ኸም ዘይተመላለሱ ምስ ረአኹ ግና፥ ንጴጥሮስ ኣብ ቅድሚ ዅላቶም፦ “ንስኻ ኣይሁዳዊ እንተለኻ፥ ከም ኣይሁድ ዘይኮነስ፥ ከም ኣህዛብ ካብ እትነብር፥ ከመይ ኢልካ ደኣ፥ ነቶም ኣህዛብ ከም ኣይሁድ ክነብሩ፥ ግዲ ትብሎም ኣለኻ?” በልክዎ።
15
ንሕና ዓሌትና ኣይሁድ ኢና፤ ካብቶም ሓጥኣን ኣህዛብውን ኣይኮንናን።
16
ሰብ ብኢየሱስ ክርስቶስ ብምእማን እምበር፥ ሕጊ ብምፍፃም ከም ዘይፀድቕ ከዓ ንፈልጥ ኢና፤ ንሕናውን ሕጊ ብምፍፃም ዘይኮነስ፥ ንክርስቶስ ብምእማን ምእንቲ ኽንፀድቕ፥ ብክርስቶስ ኢየሱስ ኣመንና፤ ሕጊ ብምፍፃም ዝፀድቕ ሰብ የለንሞ።
17
ንሕና ብክርስቶስ ክንፀድቕ እንደሊ፥ ሓጢኣተኛታት ኴንና እንተ ተረኺብና፥ እምበኣር ክርስቶስዶ ኣገልጋሊ ሓጢኣት እዩ? ብፍፁም ኣይኮነን!
18
ነቲ ዘፍረስክዎ ደጊመ ዝሃንፆ እንተ ደኣ ኾይነ፥ ንባዕለይ ሕጊ ጠሓሳይ ምዃነይ ኣረጋግፅ ኣለኹ።
19
ንእግዚኣብሄር ህያው ኮይነ ምእንቲ ኽነብር፥ በቲ ሕጊ፥ ንሕጊ ሞይተ ኣለኹሞ።
20
ኣነ ምስ ክርስቶስ ተሰቒለ ኣለኹ፤ ደጊም ክርስቶስ እዩ ኣባይ ዝነብር ዘሎ እምበር፥ ኣነ ኣይኮንኩን ዝነብር ዘለኹ፤ እዝ ሕዚ ብስጋ ዝነብሮ ዘለኹ ድማ፥ በቲ ዘፍቀረኒ፥ ምእንታይ ከዓ ንባዕሉ ቤዛ ዝሃበ ወዲ እግዚኣብሄር ብምእማን እየ ዝነብሮ ዘለኹ።
21
ኣነስ ንፀጋ እግዚኣብሄር ኣየቃልልን፤ ፅድቂ፥ ሕጊ ብምፍፃም ዝርከብ እንተ ኾይኑ፥ እምበኣር ክርስቶስ ንኸንቱ እዩ ዝሞተ ማለት እዩ።
← Chapter 1
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 3 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6