bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
James 1
James 1
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 2 →
1
ካብቲ ናይ እግዚኣብሄርን፥ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ኣገልጋሊ ዝኾነ ያእቆብ፥ ነቶም ተበቲኖም ዘለዉ ዓሰርተ ኽልተ ነገዳት፥ ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን።
2
ኣሕዋተይ፥ ዝተፈላለየ ፈተና ኽበፅሐኩም እንተሎ፥ ንዅሉ ኸም ሓጐስ ቍፀርዎ።
3
እምነትኩም እንትፍተን፥ ትዕግስቲ ኸም ዘምፅአልኩም ትፈልጡ ኢኹም እሞ።
4
ሓደኳ ዘይጐድለኩም ፍፁማትን ምሉኣትን ምእንቲ ኽትኮኑ፥ እታ ትዕግስቲ ፍፁም ግብሪ ይሃልዋ።
5
ሓደ ኻባኻትኩም ጥበብ ዝጐደሎ እንተ ሃልዩ፥ ነቲ እንተይነቐፈ፥ ንዅሉ ብልግሲ ዝህብ እግዚኣብሄር ይለምኖ፤ ንሱውን ክህቦ እዩ።
6
እቲ ዝልምን ግና፥ እንተይተጠራጠረ ብእምነት ደኣ ይለምን፤ እቲ ዝጠራጠር፥ ከምቲ ንፋስ ንየው ነዘው ዘብሎ ማዕበል ባሕሪ እዩ ዝመስል።
7
እዝ ኸምዙይ ዝመስል፥ ኣብ ኵሉ መንገዱ ፅንዓት ዘይብሉ፥ ክልተ ዝልቡ ሰብ፥ ካብ እግዚኣብሄር ሓደኳ ዝቕበል ኣይምሰሎ።
9
ድኻ ሓውና ልዕል ብምባሉ፥
10
እቲ ሃብታም ከዓ ትሕት ብምባሉ ይመካሕ፤ ንሱ ኸም ዕምበባ ሳዕሪ ኽሓልፍ እዩ እሞ።
11
ፀሓይ ምስ ዋዒኣ ትወፅእ እሞ፥ ነቲ ሳዕሪ ተንቅፆ፤ እቲ ዕምበባኡ ኸዓ ይረግፍ፤ ፅባቐኡ ድማ ይጠፍእ፤ ከምኡውን እቲ ሃብታም፥ ብመንገዱ ኽጠፍእ እዩ።
12
እቲ ብጊዜ ፈተና ዝዕገስ ሰብ፥ ዝተባረኸ እዩ፤ ተፈቲኑ ምስ ወፀ፥ እግዚኣብሄር ነቶም ዘፍቅርዎ ዘተስፈዎም፥ ኣኽሊል ህይወት ክቕበል እዩ እሞ።
13
ሓደኳ ምስ ተፈተነ፥ እግዚኣብሄር ፈቲኑኒ ኣይበል፤ እግዚኣብሄር ብኽፉእ ኣይፍተንን፤ ባዕሉውን ንሓደኳ ኣይፍትንን እዩ እሞ።
14
ነፍሲ ወከፍ ግና፥ ብትምኒቱ ተስሒቡን ተታሊሉን እዩ ዝፍተን።
15
ድሕሪዙይ ትምኒት ምስ ጠነሰት፥ ንሓጢኣት ትወልድ፤ ሓጢኣት ምስ ዓበየት ድማ፥ ንሞት ትወልድ።
16
ኣቱም ፍቑራት ኣሕዋተይ፥ ኣይትስሓቱ።
17
ኵሉ ፅቡቕ ውህብቶን፥ ፍፁም በረኸትን፥ ካብ ላዕሊ እዩ፤ ካብቲ ዘይለዋወጥ ወይ ብምዝውዋር ዝኸውን ፅላሎት ዘይብሉ፥ ካብ ኣቦ ብርሃናት እዩ ዝወርድ።
18
ናይ ኵሉ ፍጥረቱ በዅሪ ምእንቲ ኽንከውን ኢሉ፥ ከም ፍቓዱ፥ ብቓል ሓቂ ወለደና።
19
ፍቑራት ኣሕዋተይ፥ ነዙይ ፍለጡ፤ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንምስማዕ ዝቐልጠፈ፥ ንምዝራብ ዝደንጐየ፥ ንቝጥዓውን ዝደንጐየ ይኹን፤
20
ናይ ሰብ ቍጥዓ፥ ፅድቂ እግዚኣብሄር ኣይሰርሕን እዩ እሞ።
21
ስለዙይ ንዅሉ ርኽሰትን፥ ነቲ በዚሑ ዘሎ ኽፍኣትን ካባኻትኩም ኣርሕቑ፤ ነቲ ንነፍስኹም ከድሕን ዝኽእል፥ ኣብ ልብኹም ተዘሪኡ ዘሎ ቓል ድማ፥ ብቕንዕና ተቐበልዎ።
22
ፈፀምቲ ቓል ኩኑ እምበር፥ ንባዕልትኹም እናታለልኩም፥ ሰማዕቲ ጥራሕ ኣይትኹኑ።
23
ነቲ ቓል ሰሚዑ፥ ዘይፍፅም ሰብ እንተ ሃልዩ፥ ንሱ ነቲ ገፁ ብመስትያት ዝርኢ ሰብ እዩ ዝመስል።
24
ንሱ መልክዑ ሪኡ ይኸይድሞ፥ ሽዑ ንሽዑ ኸመይ ከም ዝኾነ ይርስዕ።
25
እቲ ናብቲ ሓርነት ዝህብ ፍፁም ሕጊ ኣተኲሩ ዝጥምትን፥ ኣብኡ ዝፀንዕን፥ ነቲ ዝሰምዖ እንተይረስዐ፥ ኣብ ግብሪ ዘውዕል ሰብ ግና፥ ብስራሑ ዝተባረኸ ይኸውን።
26
ሓደ ሰብ ንእግዚኣብሄር ኣምልኽ እየ እንተበለ፥ ንልሳኑ ግና ኽቈፃፀር ዘይኽእል እንተ ኾይኑ፥ ንባዕሉ ደኣ የታልል ኣሎ እምበር፥ ኣምልኾኡ ኸንቱ እዩ።
27
እቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ፥ ንፁህን ርኽሰት ዘይብሉን ኣምልኾ፥ ንባዕልኻ ኻብ ርኽሰት ዓለም እናሓለኻ፥ ወለዲ ንዘይብሎም ቈልዑን መበለታትን፥ ኣብ ጊዜ ሽግሮም ምርዳእ እዩ።
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 2 →
All chapters:
1
2
3
4
5