bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
James 3
James 3
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
← Chapter 2
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 4 →
1
ኣሕዋተይ፥ ዝገደደ፥ ፍርዲ ኸም እንቕበል ትፈልጡ ኢኹምሞ፥ ብዙሓት መምህራን ኣይትኹኑ።
2
ኵላትና ብብዙሕ ነገር ንስሕት ኢና። ሓደ ብቓል ዘይስሕት እንተ ሃልዩ ግና፥ ንሱ ንዅለንተናኡ ኽመልኽ ዝኽእል፥ ፍፁም ሰብ እዩ።
3
እንሆ ኣፍራስ ምእንቲ ኽእዘዙና ኢልና ልጓም ኣብ ኣፎም ንገብረሎም፤ ንዅሉ ኣካላቶምውን ብእኡ ንመርሖ።
4
እንሆ፥ መራኽብ ድማ ኽንድዙይ ዝኣክል ዓበይቲ እንተለዋ፥ ብብርቱዕ ንፋስ ዝዅብኰባ እንትኾና፥ እቲ ኣዛዚ መርከብ ናብ ዝደልዮ፥ ብንእሽተይ መቕዘፊ እየን ዝምርሓ።
5
ከምኡ ድማ፥ ልሳን ንእሽተይ ኣካል እንተላ፥ ብዓብዪ ነገር ትምካሕ። እንሆ ንእሽተይ ሓዊ፥ ክንደይ ዓብዪ ዱር ዘይተባርዕ!
6
ልሳንውን ሓዊ እያ። ናይ ክፍኣት ዓለም ድማ እያ። እታ ንምሉእ ሰብነት እትምርዝ ኽፍሊ ኣካላት፥ ንምሉእ ጕዕዞ ናይ ህይወትውን እተቃፅል እያ። ባዕላውን ኣብ ገሃነም ክትቃፀል እያ።
7
ኵሉ ዓሌት እንስሳን፥ ኣዕዋፍን፥ ለመም ዝብልን፥ እንስሳ ባሕርን፥ ንሰብ ይግዛእ፤ ተገዚኡውን ኣሎ።
8
ንልሳን ግና፥ ካብ ደቂ ሰብ ክገዝኣ ዝኽእል ሓደኳ የለን። ንሳ ዘይትዓርፍ ክፍእቲ፥ ዝቐትል ሕንዚ ዝመልአት እያ።
9
ብኣኣ ጌርና፥ ንእግዚኣብሄር ኣብ ነመስግን፤ ብኣኣ ጌርናውን ነቶም፥ ብኣርኣያ እግዚኣብሄር ዝተፈጥሩ ሰባት ንረግም።
10
ካብ ሓደ ኣፍ፥ ምስጋናን መርገምን ይወፅእ። ኣሕዋተይ፥ ከምዙይ ክኸውን ኣይግባእን እዩ።
11
ዒላዶ ኻብ ሓንቲ ዓይኒ፥ ጥዑም ማይን መሪር ማይን ትፍልፍል እያ?
12
ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ኦም በለስ ፍረ ኣውሊዕ፥ ተኽሊ ወይኒ ፍረ በለስ፥ ክትፈሪዶ ይከኣላ እዩ? ከምኡውን እታ መሪር ማይ እትፍልፍል ዒላ፥ ጥዑም ማይ ክትፍልፍል ኣይከኣላን እዩ።
13
ካባኻትኩም፥ ጥበበኛን መስተውዓልን መን እዩ? ብሰናይ ኣካይዳኡን፥ ትሕትና ብዝመልኦ ጥበብን ገይሩ፥ ሰናይ ተግባሩ የርኢ።
14
መሪር ቅንእን ንባዕልኻ ምፍታውን፥ ኣብ ልብኹም እንተ ሃልዩኩም፥ ኣይትመክሑ፤ ኣብ ልዕሊ እታ ሓቂውን፥ ኣይትሓስዉ።
15
እዛ ጥበብ እዚኣ፥ ምድራዊትን ስጋዊትን ሰይጣናዊትን እያ እምበር፥ ካብ ላዕሊ ኣይኮነትን።
16
ኣብቲ ቕንእን ንባዕልኻ ምፍታውን ዘለዎ፥ ኣብኡ ሁከትን ኵሉ ኽፉእ ተግባርን ኣሎ።
17
እታ ኻብ ላዕሊ ዝኾነት ጥበብ ግና፥ ቅድሚ ዅሉ ንፅህቲ እያ። ደሓር ከዓ ሰላማዊት፥ ሕያወይቲ፥ ሕራይ በሃሊት፥ ገባሪት ምሕረት፥ ፅቡቕ ፍረ ዝመልአት፥ ጥርጥርን ግብዝናን ዘይብላ እያ።
18
ፍረ ፅድቂ፥ ብገበርቲ ሰላም፥ ብሰላም ይዝራእ።
← Chapter 2
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 4 →
All chapters:
1
2
3
4
5