bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
James 2
James 2
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
← Chapter 1
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 3 →
1
ኣቱም ኣሕዋተይ፥ በቲ ናይ ክብሪ ጐይታ ዝኾነ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘሎ እምነት፥ ገፅ ሰብ ርኢኹም ኣድልዎ ኣይትግበሩ።
2
ሓደ በዓል ወርቂ ቐለበት፥ ፅቡቕ ክዳን ዝተኸድነ ሰብ፥ ናብ ኣኼባኹም እንተ ኣተወ፥ ሓደ ድኻ ረሳሕ ክዳን ዝተኸድነ ሰብውን እንተ ኣተወ፥
3
እሞ ነቲ ፅቡቕ ክዳን ዝተኸድነ ኣድልዎ ብምግባር፥ “ንስኻ ኣብዝ ፅቡቕ ስፍራ ተቐመጥ” እንተ በልኩምዎ፥ ነቲ ድኻ ግና “ንስኻ ኣብቱይ ደው በል፤ ወይ ኣብዙይ ኣብ ትሕቲ እግረይ ተቐመጥ” እንተ በልኩምዎ፥
4
ክፉእ ሓሳብ ዘለዎም ፈረድቲዶ ኣይኮንኩምን?
5
ኣቱም ፍቑራት ኣሕዋተይ፥ እስኪ ስምዑ፤ እግዚኣብሄር ነቶም ዘፍቅርዎ ዘተስፈዎም፥ መንግስቲ፥ ምእንቲ ኽወርሱ፥ ብእምነት ሃብታማት ክኾኑ፥ ነቶም ድኻታት እዛ ዓለምዶ ኣይሓረዮምን እዩ?
6
ንስኻትኩም ግና፥ ነቶም ድኻታት ኣዋረድኩምዎም። እቶም ሃብታማትዶ ኣይኮኑን ዝገፍዑኹምን፥ ናብ ቤት ፍርዲ ዝጐትኹምን?
7
ንሳቶምዶኸ ኣይኮኑን፥ ነቲ እትፅውዑሉ ኽቡር ስም ዝፀርፉ ዘለዉ?
8
ነቲ ኣብ መፅሓፍ ዝርከብ “ንብፃይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅር” ዝብል ክቡር ሕጊ፥ እትፍፅምዎ እንተ ዄንኩም ግና፥ ሰናይ ትገብሩ ኣለኹም።
9
ኣድልዎ እንተ ገበርኩም ግና፥ ሓጢኣት ትገብሩ ኣለኹም፤ ጠሓስቲ ሕጊ ኸም ዝኾንኩም ከዓ፥ እቲ ሕጊ ይፈርደኩም ኣሎ።
10
ንዅሉ እቲ ሕጊ ፈፂሙ፥ ብሓንቲ ዝብድል ግና፥ ብዅሉ እዩ በደለኛ ዝኸውን።
11
እቲ “ኣይትዘሙ” ዝበለ “ኣይትቕተል” ድማ በለ። ስለዙይ እንተ ዘይዘሞኻ፥ ግና እንተ ቐቲልካስ ጠሓስ ሕጊ ኢኻ።
12
እምበኣር ከምቶም ሓራ ብዘውፅእ ሕጊ ዝፍረዶም፥ ተዛረቡን ግበሩን።
13
እቲ ምሕረት ዘይገበረ፥ ብዘይ ምሕረት ክፍረድ እዩ እሞ፤ ይኹን እምበር፥ ምሕረት ኣብ ልዕሊ ፍርዲ ትምካሕ እያ።
14
ኣሕዋተይ፥ ሓደ ሰብ እምነት ኣላትኒ እንተበለ፥ ተግባር ግና እንተ ዘይሃልይዎ፥ እንታይ ትጠቕሞ? እዛ እምነት እዚኣዶ ኽተድሕኖ ትኽእል?
15
ሓው ወይ ሓፍቲ እንተ ዓረቑ፥ ናይ ዕለት ምግቢውን እንተ ሰኣኑ፥
16
እሞ ሓደ ኻባኻትኩም ንስጋኦም ዘድሊ እንተይሃበ “ብሰላም ኪዱ፤ ሓዊ ሰሓኑ፤ ፅገቡ” እንተ በሎም እንታይ ይጠቕሞም?
17
ከምኡ ኸዓ፥ እምነት በይና ተግባር እንተ ዘይብላ፥ ምውትቲ እያ።
18
ሓደ ሰብ “ንስኻ እምነት ኣላትካ፤ ኣነ ኸዓ ተግባር ኣለኒ” ዝብል እንተ ሃልዩ፥ እምበኣር እምነትካ ብዘይ ተግባር ኣርእየኒ፤ ኣነውን እምነተይ፥ ብተግባረይ ከርእየካ እየ።
19
ንስኻስ ሓደ እግዚኣብሄር ከም ዘሎ ትኣምን ኢኻ፤ ፅቡቕ ገበርካ፤ ኣጋንንቲ እውን፥ ይኣምኑን ብፍርሒ ይንቅጥቀጡን እዮም።
20
ግና ኣታ ዓሻ ሰብ፥ እምነት ብዘይ ተግባር፥ ዝሞተት ምዃና ኽትፈልጥዶ ትደሊ እካ?
21
ኣቦና ኣብርሃም ንወዱ ይስሓቅ፥ ኣብ መሰውኢ ምስ ኣቕረቦ፥ ብተግባሩዶ ኣይኮነን ዝፀደቐ?
22
እምነት ምስ ተግባር ኮይና ኸም ዝሰርሐት፥ ከምኡውን ብተግባር፥ እምነት ከም ዝተፈፀመት ትርኢዶ ኣለኻ?
23
“ኣብርሃም ብእግዚኣብሄር ኣመነ፤ ፅድቂ ኾይኑውን ተቘፀረሉ” ዝብል ቃል መፅሓፍ ተፈፀመ። በዙይውን ዓርኪ እግዚኣብሄር ተብሃለ።
24
ሰብ ብእምነት ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ብተግባር ከም ዝፀድቕዶ ትርኢ ኣለኻ?
25
ከምኡ ኸዓ እታ ኣመንዝራ ረኣብ፥ ነቶም ልኡኻት ምስ ተቐበለቶም፥ ብኻልእ መንገዲውን ምስ ኣውፅአቶም፥ ብተግባርዶ ኣይፀደቐትን?
26
እምበኣር፥ ስጋ ብዘይ መንፈስ ምዉት ከም ዝኾነ፥ እምነትውን ብዘይ ተግባር ምውትቲ እያ።
← Chapter 1
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 3 →
All chapters:
1
2
3
4
5