bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
Jonah 1
Jonah 1
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 2 →
1
ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ዮናስ ወዲ ኣማቴ መፀ፦ “ተስእ፤ ናብታ ዓባይ ከተማ ናብ ነነዌ ኺድ፤ ክፍኣታ ኣብ ቅድመይ በፂሑ እዩ እሞ፥ ኣብ ልዕሊኣ ስበኽ።”
3
ዮናስ ግና ኻብ ገፅ እግዚኣብሄር ክሃድም ናብ ተርሴስ ተልዓለ፤ ናብ ኢዮጴ ኸዓ ወረደ፤ ናብ ተርሴስ እትሓልፍ መርከብ ድማ ረኸበ። ካብ ገፅ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽሃድም፥ ምስኣቶም ናብ ተርሴስ ክኸይድውን፥ ዋጋ ኸፊሉ ናብ መርከብ ኣተወ።
4
እግዚኣብሄር ድማ ናብቲ ባሕሪ ብርቱዕ ንፋስ ሰደደ፤ እታ መርከብ ክትስበር ክሳዕ እትቐርብ፥ ኣብቲ ባሕሪ ብርቱዕ ማዕበል ኮነ።
5
እቶም መርከበኛታት ድማ ፈርሑ፤ ነፍሲ ወከፎምውን ነናብ ኣምላኾም ተማህለሉ። ክብደት እታ መርከቦም ምእንቲ ክቐለሎም ከዓ፥ ኣብ ውሽጣ ዝነበረ ኣቑሑ ናብ ባሕሪ ደርበይዎ። ዮናስ ግና ናብቲ ታሕተዋይ ክፍሊ እታ መርከብ ወሪዱ፥ ከቢድ ድቃስ ደቂሱ ነበረ።
6
እቲ ሓለቓ መርከብ ከዓ ናብኡ ቐሪቡ “ንምንታይ ትድቅስ? ተስእ፤ ምናልባሽ እግዚኣብሄር ከይንጠፍእ እንተ ዘከረና፥ ስም ኣምላኽካ ፀውዕ” በሎ።
7
ንስንሳቶም ድማ “እዝ መከራ እዙይ ብሰንኪ መን ከም ዝረኸበና ምእንቲ ኽንፈልጥስ፥ ንዑ ዕፃ ነውድቕ” ተበሃሃሉ። ሽዑ ዕፃ ኣውደቑ፤ እታ ዕፃ ኸዓ ኣብ ዮናስ ወፀት።
8
ንሳቶም ከዓ “በይዛኻ ንገረና፤ እዝ ረኺቡና ዘሎ መከራስ ብሰንኪ መን እዩ? ስራሕኻ እንታይ እዩ? ካበይከ ኢኻ መፂእኻ? ሃገርካ ኣበይ እዩ? ካብ መን ወገንከ ኢኻ?” ኢሎም ጠየቕዎ።
9
ንሱ ኸዓ “ኣነ ዕብራዊ እየ፤ ነቲ ባሕርን ንቑፅ የብስን ዝፈጠረ፥ ንኣምላኽ ሰማይ እግዚኣብሄር ዘምልኽ እየ” በሎም።
10
ሽዑ እቶም ሰባት፥ ንሱ ኻብ ገፅ እግዚኣብሄር ይሃድም ከም ዘሎ ባዕሉ ስለ ዝነገሮም፥ ፈሊጦም ነበሩ፤ የመናውን ፈርሑ እሞ “ስለ ምንታይ ደኣ እዙይ ገበርካ?” በልዎ።
11
እቲ ባሕሪ ማዕበሉ እናበርትዐ ይኸይድ ስለ ዝነበረ ኸዓ፥ ንሳቶም “ባሕሪ ኽሃድአልናስ እንታይ ንግበርካ?” በልዎ።
12
ንሱ ድማ “እዝ ብርቱዕ ማዕበል ብሰንከይ ከም ዝበፅሐኩም ፈሊጠ ኣለኹ እሞ፥ ኣልዒልኩም ናብ ባሕሪ ደርብዩኒ፤ እቲ ባሕሪ ኸዓ ኽሃድአልኩም እዩ” በሎም።
13
እቶም ሰባት እናቐዘፉ ናብ ምድሪ ኽምለሱ ኣበርቲዖም ይፅዕሩ ነበሩ። ግና እቲ ባሕሪ ማዕበሉ እናበርትዖም ስለ ዝኸደ ኣይኮነሎምን።
14
ሽዑ “ኦ እግዚኣብሄር፥ ንልምነካ ኣለና፤ ምእንቲ ነፍሲ እዝ ሰብ እዙይ ኣይተጥፍአና፤ ኦ እግዚኣብሄር፥ ዝፈተኻዮ ጌርካ ኢኻ እሞ፥ ንፁህ ደም ኣብ ልዕሌና ኣይኹን” ኢሎም ናብ እግዚኣብሄር ተማህለሉ፤
15
ንዮናስ ኣልዒሎም ድማ ናብ ባሕሪ ደርበይዎ፤ እቲ ባሕሪ እውን ካብ ምንዋፁ ሃድአ።
16
እቶም ሰባት ከዓ ንእግዚኣብሄር የመና ፈርሑዎ፤ ንእግዚኣብሄር ድማ መስዋእቲ ሰውኡ፤ መብፅዓውን ተመባፅዑ።
17
እግዚኣብሄር ግና ንዮናስ ዝውሕጥ ሓደ ዓብዪ ዓሳ፥ ኣዳለወ። ዮናስ ከዓ ኣብ ከብዲ ዓሳ ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ገበረ።
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 2 →
All chapters:
1
2
3
4