bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
Jonah 2
Jonah 2
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
← Chapter 1
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 3 →
1
ዮናስ ኣብ ከብዲ ዓሳ ኾይኑ፥ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ፀለየ።
2
ከምዙይውን በለ፦ “ብጊዜ መከራይ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ኣእዌኹ፤ ንሱውን ሰምዐኒ። ኣብ ከርሲ ሲኦል ኮይነ ኣእዌኹ፤ ንስኻውን ድምፀይ ሰማዕኻ።
3
ንስኻ ናብቲ መዓሙቝ፥ ናብ ልቢ ባሕሪ ደርበኻኒ፤ ወሓይዝ ከበቡኒ፤ ኵሉ ማዕበልካን ሞገድካን ብልዕለይ ሓለፈ።
4
ኣነ ኸዓ፥ ‘ካብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ተሰጐጕኩ፤ ግና ናብ ቅዱስ መቕደስካ መሊሰ ኽጥምት እየ’ በልኩ።
5
ማያት ክሳዕ ነፍሰይ ከበቡኒ፤ መዓሙቝ ኣብ ዙርያይ ነበረ፤ ሳዕሪ ባሕሪ እውን ኣብ ርእሰይ ተጠምጠመ።
6
ናብ መሰረት እምባታት ወረድኩ፤ ኣብ ምድርን ኣብ መወርወሪታታን ንዘለኣለም ተዓፆኹ፤ ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፥ ንስኻ ግና ንህይወተይ ካብ ጕድጓድ ኣውፃእኻያ።
7
ነፍሰይ ኣብ ውሽጠይ ምስ ዘሓለት፥ ንእግዚኣብሄር ዘከርክዎ፤ ፀሎተይ ናባኻ፥ ናብ ቅዱስ መቕደስካ ትዕረግ።
8
እቶም ከንቱን ሓሰትን ዝሕልዉ፥ ምሕረቶም ይሓድጉ።
9
ኣነ ግና ብምስጋና ቓል፥ መስዋእቲ ኽስውአልካ እየ፤ ነቲ ዝተመባፃዕኽዎ ኸዓ ኽህብ እየ፤ ድሕነት ካብ እግዚኣብሄር እዩ።”
10
ሽዑ እግዚኣብሄር ነቲ ዓሳ ኣዘዞ፤ ንሱውን ንዮናስ ናብቲ ንቑፅ ምድሪ ተፍኦ።
← Chapter 1
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 3 →
All chapters:
1
2
3
4