bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
Jonah 4
Jonah 4
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
← Chapter 3
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
1
እዝ ነገር እዙይ ንዮናስ ኣየሐጐሶን፤ የመናውን ተቘጠዐ።
2
ናብ እግዚኣብሄር ድማ “ኦ እግዚኣብሄር፥ እልምነካ ኣለኹ፤ እቲ ኣብ ሃገረይ እንተለኹ ዝተዛረብክዎስ እዙይዶ ኣይኮነን? ለጋስን ርህሩህን፥ ንቝጥዓ ደንጓይን፥ በዓል ዓብዪ ምሕረትን፥ ክፍኣት ካብ ምምፃእ እትናሳሕ ኣምላኽ ከም ዝኾንካ ስለ ዝፈለጥኩ እየ፥ ኣቐዲመ ናብ ተርሴስ ዝሃደምኩ።
3
ኦ እግዚኣብሄር፥ እምበኣርከስ ሕዚ ኻብ ብህይወት ምንባርስ ሙማት ይሕሸኒ እዩ እሞ፥ እልምነካ ኣለኹ፤ ንነፍሰይ ካባይ ውሰዳ” ኢሉ ፀለየ።
4
እግዚኣብሄር ድማ “ብሱሩ ኽትቍጣዕዶ ይግብአካ እዩ?” በሎ።
5
ዮናስ ከዓ ኻብታ ኸተማ ንወገን ምብራቕ ኣቢሉ ወፀ እሞ፥ ኣብኣ ተቐመጠ፤ ንባዕሉ ድማ ዳስ ገበረ። ነታ ኸተማ ዝወርዳ ኽርኢ ኸዓ ኣብ ትሕቲ ፅላላ ተቐመጠ።
6
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከዓ ንዮናስ ርእሱ ኽተፅልለሉ እሞ፥ ካብ ጭንቂ ኽተድሕኖ ኢሉ፥ ሓንቲ ተኽሊ ሓምሓም ኣብቈለ፤ ኣብ ልዕሊኡ ኸም እትዓቢ ድማ ገበራ። ዮናስውን በታ ተኽሊ ሓምሓም የመና ተሓጐሰ።
7
ግና ንፅባሒቱ ምስ ወግሐ፥ ኣምላኽ፥ ሓሰኻ ኣዳለወ፤ ነታ ተኽሊ ድማ እቲ ሓሰኻ በልዓ፤ ንሳ ኸዓ ነቐፀት።
8
ፀሓይ ምስ በረቐት ድማ፥ እግዚኣብሄር ዘቃፅል ንፋስ ምብራቕ ኣዳለወ፤ እታ ፀሓይ ከዓ ንዮናስ፥ ርእሱ ኽሳዕ ዝዞሮ ወቕዐቶ። ንሱውን ንባዕሉ ሞት ተመንዩ፥ “ካብ ብህይወት ምንባርስ ሙማት ይሕሸኒ” በለ።
9
እግዚኣብሄር ከዓ ንዮናስ “ብሓቂ ብዛዕባ እታ ተኽሊ ሓምሓም ክትቍጣዕዶ ይግብአካ እዩ?” በሎ። ዮናስ ድማ “ክሳዕ ሞት ክቝጣዕ ይግብአኒ እዩ” በለ።
10
እግዚኣብሄር ከዓ “ንስኻ በታ ዘይደኸምካላን ዘየዕበኻያን፥ ብሓንቲ ለይቲ ዝበቘለት፥ ብሓንቲ ለይቲ ድማ ዝጠፍአት ተኽሊ ሓምሓም ሓዘንካ።
11
ኣነኸ ነታ ዓባይ ከተማ ነነዌ፥ የማኖም ካብ ፀጋሞም ክፈልዩ ዘይኽእሉ፥ ካብ ሚእትን ዕስራን ሽሕ ዝበዝሑ ሰባትን ብዙሓት እንስሳን ዘለውዋ ኽርህርሀላዶ ኣይግብአንን?” በሎ።
← Chapter 3
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
All chapters:
1
2
3
4