bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
Luke 2
Luke 2
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
← Chapter 1
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 3 →
1
በቲ ጊዜ እቱይ፥ ኵሉ ዓለም ክምዝገብ ካብ ቄሳር ኣውግስጦስ ትእዛዝ ወፀ።
2
እዝ ምዝገባ እዙይውን፥ ቄሬኔዎስ ኣብ ሶርያ ተሸይሙ እንተሎ ዝኾነ፥ ቀዳማይ ምዝገባ እዩ።
3
ሽዑ ዅሉ ሰብ ክምዝገብ፥ ነናብ ዓዱ ኸደ።
4
ዮሴፍውን ካብ ቤት ዳዊትን፥ ካብ ዓሌቱን ስለ ዝነበረ፥ ካብ ገሊላ ኻብ ከተማ ናዝሬት፥ ምስታ ጠኒሳ ዝነበረት ሕፅይቱ ማርያም ናብ ይሁዳ፥ ቤተ ልሔም ናብ እትበሃል ከተማ ዳዊት፥ ክምዝገብ ደየበ።
6
ኣብኡ እንተለዉ ድማ እትወልደሉ ዕለት በፅሐ።
7
በዅሪ ወዳ ድማ ወለደት፤ በጭርቕትውን ጠቕለለቶ፤ ኣብቲ መሕደሪ ኣጋይሽ፥ ሰፈር ስለ ዘይነበሮም ድማ፥ ኣብ መብልዒ ኸፍቲ ኣደቀሰቶ።
8
ኣብቲ ኸባቢ እቱይ፥ ብለይቲ መጓሰኦም ክሕልዉ፥ ኣብ ወፍሪ ዝሓደሩ ጓሶት ነበሩ።
9
እንሆ ድማ መልኣኽ እግዚኣብሄር ኣብ ጥቓኦም ቆመ፤ ክብሪ እግዚኣብሄርውን ኣብ ዙርያኦም ኣብርሀ፤ የመና ድማ ፈርሑ።
10
እቲ መልኣኽ ድማ “እንሆ ንዅሉ ህዝቢ ዝኸውን፥ ዓብዪ ሓጐስ ኣብስረኩም ኣለኹ እሞ ኣይትፍርሑ።
11
ሎሚ መድሕን፥ ንሱውን ክርስቶስ ጐይታ፥ ኣብ ከተማ ዳዊት ተወሊዱልኩም ኣሎ።
12
ምልክቱ ኸዓ እዙይ ኢዩ፦ በጭርቕቲ ዝተጠቕለለ ህፃን፥ ኣብ መብልዒ ኸፍቲ ደቂሱ ኽትረኽቡ ኢኹም” በሎም።
13
ብድንገት ከዓ፥ ብዙሓት ሰራዊት ሰማይ ምስቲ መልኣኽ ኮይኖም፥ ንእግዚኣብሄር እናመስገኑ፦
14
“ክብሪ ንእግዚኣብሄር፥ ኣብ ኣርያም! ሰላምውን ኣብ ምድሪ፥ ንሰብውን ፅቡቕ ፍቓድ ይኹን!” ይብሉ ነበሩ።
15
እቶም መላእኽቲ፥ ካብኣቶም ናብ ሰማይ ምስ ዓረጉ ድማ፥ እቶም ጓሶት ንስንሳቶም፥ “ነዝ እግዚኣብሄር ዝገለፀልና ኽዉን ነገር ክንርኢ፥ ንዑ ናብ ቤተ ልሔም ንኺድ” ተበሃሃሉ።
16
ቀልጢፎም ድማ ኸዱ፤ ንማርያምን ንዮሴፍን፥ ነቲ ኣብ መብልዒ ኸፍቲ ዝደቀሰ ህፃንውን ረኸብዎም።
17
ነዙይ ምስ ረአዩ ድማ፥ ብዛዕባ እቲ ህፃን ዝተነገሮም ነገር ኣውረዩ።
18
እቶም ዝሰምዑ ዅሎም ከዓ፥ በቲ እቶም ጓሶት ዝነገርዎም ተገረሙ።
19
ማርያም ግና፥ ነዝ ዅሉ ነገር እዙይ፥ ኣብ ልባ ተዓቝሮን ትሓስቦን ነበረት።
20
እቶም ጓሶት ድማ ኸምቲ ዝተነግሮም ኮይኑ ስለ ዝረኸብዎ፥ ስለ እቲ ዅሉ ዝሰምዕዎን ዝረአይዎን፥ ንእግዚኣብሄር እናኽበሩን እናመስገኑን ተመለሱ።
21
ብሻምናይ መዓልቲ፥ ነቲ ህፃን ክገርዝዎ ወሰድዎ። ስሙውን ከምቲ ገና ኣብ ማህፀን ከይተጠንሰ እንተሎ፥ እቲ መልኣኽ ኣቐዲሙ ዝሰመዮ፥ “ኢየሱስ” ኢሎም ሰመይዎ።
22
ከምቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ ዘሎ፥ ናይ ምንፃሆም እዋን ምስ ኣኸለ፥ ነቲ ህፃን ናብ እግዚኣብሄር ከቕርብዎ ናብ ኢየሩሳሌም ወሰድዎ።
23
እዙይ ድማ ኣብ ሕጊ እግዚኣብሄር “ኵሉ ማህፀን እኖኡ ዝኸፍት፥ በዅሪ ወዲ፥ ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰ ይበሃል” ዝብል ተፅሒፉ ስለ ዝነበረ እዩ።
24
ከምኡውን ኣብ ሕጊ እግዚኣብሄር “ክልተ ባሪቶ ወይ ክልተ ጫቚታት ርግቢ መስዋእቲ የቕርቡሉ” ስለ ዝብል እዩ።
25
እንሆ ድማ ኣብ ኢየሩሳሌም ስምኦን ዝበሃል ሰብ ነበረ። እዝ ሰብ እዙይ፥ ምፅንናዕ እስራኤል ክርኢ ዝፅበ፥ ፃድቕን ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕን ሰብ ነበረ፤ መንፈስ ቅዱስ ድማ ሓዲርዎ ነበረ።
26
ነቲ ናይ እግዚኣብሄር መሲሕ እንተይረአየ ኸም ዘይመውትውን፥ መንፈስ ቅዱስ ገሊፁሉ ነበረ።
27
ዮሴፍን ማርያምን ከም ስርዓት ሕጊ ኽገብሩሉ፥ ንህፃን ኢየሱስ ናብ ቤተ መቕደስ ምስ ኣእተውዎ፤ ስምኦን ብመንፈስ ቅዱስ ተለዓዒሉ ናብኡ መፀ።
28
ንሱ ድማ ኣብ ሕቝፉ ተቐቢሉ፥ ንእግዚኣብሄር ከምዙይ ኢሉ ኣመስገኖ፦
29
“ኦ ጐይታ! ደጊም ንባርያኻ ኸም ቃልካ ብሰላም ኣፋንዎ፤
30
ኣዒንተይ ነቲ ምድሓንካ ሪአናኦ እየንሞ።
31
እዙይ ከዓ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቢ፥ ዘዳሎኻዮ ድሕነት እዩ፤
32
ንሱ እቲ ንኣህዛብ ብርሃን ዝገልፅ፥ ንህዝብኻ እስራኤልውን ክብሪ እዩ።”
33
ዮሴፍን እኖኡን ግና፥ በቲ ብዛዕባኡ ዝተብሃለ ይግረሙ ነበሩ።
34
ስምኦን ከዓ ባረኾም፤ ንኖኡ ማርያም ድማ “እንሆ እዝ ህፃን እዙይ፥ ኣብ እስራኤል ንብዙሓት ምኽንያት ምውዳቖምን ምትሳኦምን፥ ከምኡውን ንዝቃወምዎ፥ ምልክት ኮይኑ ተሸይሙ እዩ።
35
በዙይ ናይ ብዙሓት ሓሳባት ልቦም ክግለፅ እዩ፤ ንኣኺ ግና ብነፍስኺ ሰይፊ ኽሓልፍ እዩ” በላ።
36
ካብ ነገድ ኣሴር ሃና እትብሃል ጓል ፋኑኤል፥ የመና ዝኣረገት ነቢዪት ነበረት፤ ብድንግልናኣ ምስ ዘእተወቶ ሰብኣያ ሸውዓተ ዓመት ገበረት።
37
ንሳ ሰማንያን ኣርባዕተን ዓመት ዝዕድሚኣ መበለት ነበረት። ካብ ቤተ መቕደስ እንተይወፀትውን፥ ብፆምን ብፀሎትን ለይትን መዓልትን፥ ንእግዚኣብሄር ተገልግል ነበረት።
38
ሽዑ መፂኣ ንእግዚኣብሄር ኣመስገነቶ፤ ንዅሎም ነቶም ምድሓን ኢየሩሳሌም ዝፅበዩ ከዓ፥ ብዛዕባኡ ተዛረበቶም።
39
ከምቲ ዅሉ ሕጊ እግዚኣብሄር ዝእዝዞ ምስ ፈፀሙ፥ ንገሊላ ናብ ናዝሬት ዓዶም ተመለሱ።
40
እቲ ህፃን ዓበየ፤ ብመንፈስውን ፀንዐ፤ ጥበብውን መሊእዎ ነበረ፤ ፀጋ እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ልዕሊኡ ነበረ።
41
እቶም ወለዱ ንበዓል ፋሲካ ዓመት ዓመት፥ ናብ ኢየሩሳሌም ይኸዱ ነበሩ።
42
ኢየሱስ ዓሰርተ ኽልተ ዓመት ምስ ኮኖ፥ ከምቲ ልማዳቶም በዓል ከኽብሩ፥ ናብ ኢየሩሳሌም ደየቡ።
43
ነተን በዓላት ኣሕሊፎም፥ ናብ ዓዶም ክምለሱ እንተለዉ፥ ህፃን ኢየሱስ ኣብ ኢየሩሳሌም ተረፈ፤ ዮሴፍን ማርያምን ግና ኣይፈለጡን።
44
ምስ መኻይዶም ዘሎ መሲልዎም፥ መንገዲ ሓደ መዓልቲ ተጕዓዙ፤ ኣብ ኣዝማዶምን ኣብ ዝፈልጥዎምን ድማ ደለይዎ።
45
ምስ ሰኣንዎ ግና፥ እናደለይዎ ናብ ኢየሩሳሌም ተመለሱ።
46
ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ድማ፥ ኣብ ቤተ መቕደስ፥ ኣብ ማእኸል መምህራን ተቐሚጡ፥ ክሰምዖምን ክጥይቖምን እንተሎ ረኸብዎ።
47
ዅሎም እቶም ዝሰምዕዎ ድማ፥ በቲ ምስትውዓሉን መልስታቱን ተገረሙ።
48
ምስ ረአይዎ ድማ ገረሞም። እኖኡ ኸዓ “ወደይ፥ ስለ ምንታይ ደኣ ኸምዙይ ገበርካና? እንሆ ኣነን ኣቦኻን፥ ተጨኒቕና ኽንደልየካ ቐኒና” በለቶ።
49
ንሱ ድማ “ንምንታይሞ ትደልዩኒ? ኣብቲ ገዛ ኣቦይ ክህሉ፥ ከም ዝግብአኒዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም?” በሎም።
50
ንሳቶም ግና፥ ነቲ ዝበሎም ዘረባ ኣየስተውዓልዎን።
51
ምስኣቶም ወሪዱ ናብ ናዝሬት ከደ፤ ይእዘዞምውን ነበረ፤ እኖኡ ድማ ነዝ ዅሉ ነገር፥ ኣብ ልባ ተዓቝሮ ነበረት።
52
ኢየሱስ ድማ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርን ሰብን፥ ብጥበብን ብቑመትን ብፀጋን ዓበየ።
← Chapter 1
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 3 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21
22
23
24