bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
Luke 4
Luke 4
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
← Chapter 3
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 5 →
1
ኢየሱስ ብምልኣት መንፈስ፥ ቅዱስ ካብ ዮርዳኖስ ተመለሰ፤ ብመንፈስ ተመሪሑ ድማ፥ ናብ በረኻ ኸደ።
2
ኣብኡ ድማ ብዲያብሎስ፥ ነርብዓ መዓልቲ ተፈተነ። በተን መዓልቲታት እቲኣተን፥ ፈፂሙ ኣይበልዐን፤ እተን መዓልቲታት እቲኣተን ምስ ተወደኣውን ጠመየ።
3
ዲያብሎስ ድማ “ወዲ እግዚኣብሄር እንተ ዄንካስ፥ እስኪ እዝ እምኒ እዙይ፥ እንጀራ ክኸውን ኣዝዝ!” በሎ።
4
ኢየሱስ ከዓ “ ‘ሰብ፥ ካብ እግዚኣብሄር ብዝወፅእ ኵሉ ቓል ደኣ እምበር፥ ብእንጀራ ጥራሕ ኣይነብርን እዩ’ ዝብል ተፅሒፉ ኣሎ” ኢሉ መለሰሉ።
5
ዲያብሎስ ድማ፥ ናብ ነዊሕ እምባ ኣደየቦ፤ ንመንግስታት ኵሉ ዓለምውን፥ ብቕፅበት ዓይኒ ኣርኣዮ።
6
ሽዑ ዲያብሎስ “እዝ ስልጣን እዙይን ክብርን፥ ንዝደለኹ ኽህቦ ንኣይ ስለ ዝተውሃበኒ፥ እንተ ሰጊድካለይ ንኣኻ ኽህበካ እየ፤ ኵሉ ድማ ናትካ ክኸውን እዩ” በሎ።
8
ኢየሱስ ከዓ “ ‘ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስገድ፤ ንእኡ በይኑ ድማ ኣምልኽ’ ዝብል ተፅሒፉ ኣሎ” ኢሉ መለሰሉ።
9
ዲያብሎስ ከዓ ናብ ኢየሩሳሌም ወሲዱ፥ ኣብ ገምገም ጕልላት ቤተ መቕደስ ደው ኣበሎ፤ “ወዲ እግዚኣብሄር እንተ ደኣ ዄንካስ፥ እስኪ ኻብዙይ ንታሕቲ ተወርወር።
10
‘ምእንቲ ኽሕልዉኻ መላእኽቱ ኽእዝዘልካ እዩ፤
11
እግርኻ ብእምኒ ኸይትዕንቀፍውን፥ በእዳዎም ክድግፉኻ እዮም’ ዝብል ተፅሒፉ ኣሎሞ” በሎ።
12
ኢየሱስ ድማ “ ‘ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣይትፈታተኖ’ ዝብል ድማ ኣሎ” ኢሉ መለሰሉ።
13
ሽዑ ዲያብሎስ ፈተናኡ ዅሉ ምስ ወድአ፥ ንጊዜኡ ሓደጎ።
14
ኢየሱስ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ፥ ናብ ገሊላ ተመለሰ፤ ዝናኡውን ኣብ ኵሉ እቲ ኸባቢ ተሰምዐ።
15
ንሱ ኸዓ ኣብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ኣትዩ ይምህር ነበረ፤ ብትምህርቱ ድማ፥ ኵሎም ይድነቑን የመስግንዎን ነበሩ።
16
ናብታ ዝዓበየላ ናብ ናዝሬት ድማ ኸደ፤ ብዕለት ሰንበት ከዓ፥ ከምቲ ልማዱ ናብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ኣተወ፤ ከንብብውን ተስአ።
17
መፅሓፍ ነቢይ ኢሳይያስ ድማ ሃብዎ፤ ነቲ መፅሓፍ እንተ ቐልዖ ኸዓ፥ ከምዙይ ዝብል ዝተፅሓፎ ኽፍሊ ረኸበ፦
18
“መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕለይ ኣሎ፤ ንድኻታት ከብስሮም ቀብአኒ፤ ንእሱራት ዝፍትሑሉ፥ ንዕዉራት ምርኣይ፥ ንግፉዓት ምውፃእ ሓራ ኸብስር፥
19
ንሕርይቲ ዓመት እግዚኣብሄርውን ክሰብኽ ለኣኸኒ።”
20
ነቲ መፅሓፍ ዓፂፉ ኸዓ፥ ነቲ ኣገልጋሊ ሂብዎ ተቐመጠ፤ ኵሎም እቶም ኣብታ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ዝነበሩ፥ ኣዒንቶም ኣትኲሮም ይጥምትዎ ነበሩ።
21
ሽዑ “ናይዚ መፅሓፍ እዙይ ቃል፥ ሎሚ ኣብ ቅድሜኹም ተፈፀመ” ክብሎም ጀመረ።
22
እቶም ዝሰምዕዎ ዅላቶም፥ በቲ ኻብ ኣፉ ዝወፅእ ዝነበረ ፀጋ ዝመልኦ ቓል ተደኒቖም “እዙይ እቲ ወዲ ዮሴፍዶ ኣይኮነን?” በሉ።
23
ኢየሱስ ድማ “ ‘ኣታ ሓኪም፥ ቅድም ንባዕልኻ ፈውስ’ ዝብል ምስላ ኸም እትምስሉለይ፥ ከምኡውን፥ ከምቲ ኣብ ቅፍርናሆም ጌርካዮ ተብሂሉ ዝሰማዕናዮ፥ ኣብ ዓድኻውን ግበር ክትብሉኒ ኢኹም” በሎም።
24
ኣስዒቡ ኸዓ “ነቢይ ኣብ ዓዱ ኸቶ ኸም ዘይኸብር፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።
25
ብዘመን ኤልያስ፥ እቲ ሰማይ ሰለስተ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ዝተዓፅወሉ፥ ኣብ ኵላ እታ ምድሪ እውን ብርቱዕ ጥሜት ዝኾነሉ እዋን፥ ኣብ እስራኤል ብዙሓት መበለታት ከም ዝነበራ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።
26
እንተ ኾነ ኤልያስ፥ ናብታ ኣብ ሰራጵታ ናይ ሲዶና እትርከብ ሓንቲ መበለት ደኣ እምበር፥ ካብኣተን ናብ ሓንቲ እኳ ኣይተልኣኸን።
27
ብዘመን ነቢይ ኤልሳዕውን፥ ኣብ እስራኤል ብዙሓት ለምፃማት ነይሮም፥ እንተ ኾነ እንትርፊ እቲ ሶርያዊ ንእማን፥ ካብኣቶም ሓደኳ ኣይነፅሀን” በሎም።
28
እቶም ኣብታ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ዝነበሩ ዅሎም፥ ነዙይ ምስ ሰምዑ የመና ተቘጥዑ።
29
ሽዑ ተሲኦም ካብቲ ዓዲ፥ ናብ ወፃኢ ኣውፅእዎ። ከፅድፍዎውን ዓዶም ተሰሪሓትሉ ናብ ዝነበረት ገምገም እምባ ወሰድዎ።
30
ንሱ ግና ብማእኸሎም ሓሊፉ ኸደ።
31
ድሕሪዙይ ናብ ቅፍርናሆም ከተማ ገሊላ ወረደ፤ ብሰንበትውን ይምህሮም ነበረ።
32
ቃሉ ብስልጣን ስለ ዝነበረ ድማ፥ ብትምህርቱ ተገረሙ።
33
ኣብታ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ድማ ጋኔን፥ ንሱውን ርኹስ መንፈስ፥ ዝሓደሮ ሰብኣይ ነበረ፤ ብዓብዪ ድምፂ ኸዓ
34
“ናይ ናዝሬት ኢየሱስ፥ ንስኻ ምሳና እንታይ ኣለካ? ክተጥፍአናዶ መፂእኻ? መን ምዃንካ እፈልጥ እየ፤ ንስኻ ናይ እግዚኣብሄር ቅዱስ ኢኻ” እናበለ ኣእወየ።
35
ኢየሱስ ግና “ስቕ በል! ካብኡውን ውፃእ!” ኢሉ ገሰፆ። እቲ ጋኔን ድማ ነቲ ሰብኣይ ኣብ ማእኸሎም ፃሕ ኣቢሉ ኣውደቖ፤ እንተይጐድኦውን ካብኡ ወፀ።
36
ኵሎም ከዓ ተገረሙ፤ ንስንሳቶም ከዓ “እዝ ነገር እዙይ እንታይ እዩ? ንርኹሳት መናፍስቲ ብሓይልን ስልጣንን ይእዝዞም፤ ንሳቶምውን ይወፁ” እናበሉ ተዘራረቡ።
37
ዝናኡ ድማ ኣብቲ ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ዅሉ ዓድታት ተሰምዐ።
38
ኢየሱስ ካብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ወፂኡ፥ ናብ እንዳ ስምኦን ኣተወ። ሓማት ስምኦን ብርቱዕ ረስኒ ሓሚማ ስለ ዝነበረት፥ ብዛዕባኣውን ለመንዎ።
39
ኢየሱስ ከዓ ኣብ ጥቓኣ ደው ኢሉ፥ ነቲ ረስና ገሰፆ፤ እቲ ረስናውን ሓደጋ፤ ሽዑ ንሽዑ ተሲኣ ኸዓ ኣገልገለቶም።
40
ፀሓይ ክትዓርብ እንተላ ድማ፥ ንዅሎም እቶም በብዓይነቱ ዝኾነ ሕማም ዝነበሮም ናብኡ ኣምፅእዎም። ንሱ ድማ፥ ኣብ ነፍሲ ወከፎም ኢዱ እናንበረ ኣሕወዮም።
41
ብዙሓት ኣጋንንቲ እውን ዓው ኢሎም “ንስኻ ክርስቶስ ወዲ እግዚኣብሄር ኢኻ” እናበሉ ኻብ ብዙሓት ሰባት ይወፁ ነበሩ። ንሱ ግና ገሰፆም፤ ክርስቶስ ምዃኑ ስለ ዝፈለጡውን ክዛረቡ ኣይፈቐደሎምን።
42
ምስ ወግሐ ኢየሱስ ካብኡ ወፂኡ፥ ናብ ፅምዊ ቦታ ኸደ፤ እቶም ህዝቢ ኸዓ ይደልይዎ ነበሩ፤ ናብኡ መፂኦምውን፥ ካብኣቶም ሓሊፉ ኸይኸዶም ሒዞም ኣቖምዎ።
43
ንሱ ግና “ንኻልኦት ዓድታት ድማ፥ ብስራት መንግስቲ እግዚኣብሄር ክሰብከለን ኣለኒ፤ ምእንቲ እዙይ እየ ዝተልኣኽኩ እሞ” በሎም።
44
ኣብ ይሁዳ ኣብ ዘለዋ ኣብያተ ፀሎት ኣይሁድ ከዓ ይሰብኽ ነበረ።
← Chapter 3
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 5 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21
22
23
24