bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
Luke 3
Luke 3
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
← Chapter 2
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 4 →
1
ጢባርዮስ ቄሳር ካብ ዝነግስ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመት፥ ጲላጦስ ጴንጤናዊ ኣብ ይሁዳ ኽገዝእ እንተሎ፥ ሄሮድስ ኣብ ገሊላ፥ ፊልጶስ ሓዉ ኣብ ኢጡርያስን ኣብ ሃገር ጥራኮኒዶስን፥ ሊሳንዮስ ድማ ኣብ ሰቢላኒስ ገዛእቲ ኣብ ዝነበሩሉ፥
2
ሃናን ቀያፋን ከዓ ሊቃነ ካህናት ኣብ ዝነበሩሉ፥ ቃል እግዚኣብሄር፥ ናብ ዮሃንስ ወዲ ዘካርያስ ኣብ ምድረ በዳ መፀ።
3
ንሱ ድማ ንሕድገት ሓጢኣት ዝኸውን፥ ናይ ንስሃ ጥምቀት እናሰበኸ፥ ኣብ ኵሉ ኸባቢ ዮርዳኖስ ዞረ።
4
እዙይ ከዓ ኸምቲ ኣብ መፅሓፍ ነቢይ ኢሳይያስ፦ “ናይ ሓደ ኣብ ምድረ በዳ ዝእውጅ ድምፂ፥ ጐደና እግዚኣብሄር ኣመዓራርዩ፤ መንገድታቱውን ኣቕንዑ፤
5
ኵሉ ጕድጓድ ይምላእ፤ ኵሉ እምባን ኰረብታን ትሕት ይበል፤ ኵሉ ጥውይዋይ ዝኾነ ይቕናዕ፤ ድንጉር ይተኻኸል፤
6
ኵሉ ስጋ ዝለበሰውን ምድሓን እግዚኣብሄር ይርአ፤” ተብሂሉ ኸም ዝተፅሓፈ፥
7
ዮሃንስ ነቶም ክጥመቑ ናብኡ ዝመፁ ሰባት “ኣቱም ውሉድ ኣትማን፥ ካብቲ ዝመፅእ ቍጥዓ ኽተምልጡኸ፥ መን ሓበረኩም?
8
እምበኣርከስ ንንስሃ ዝበቅዕ ፍረ ኣፍርዩ እምበር፥ ብልብኹም ‘ኣብርሃም ኣቦ ኣለና’ ብምባል ኣይትዘሃሩ፤ እግዚኣብሄር ንኣብርሃም ካብዘን ኣእማን እዚኣተን፥ ውሉድ ከተስአሉ ኸም ዝኽእል እነግረኩም ኣለኹ።
9
እንሆ ማሕፀ ኣብ ሱር ኣእዋም ተቐሪቡ ኣሎሞ፥ ኵሉ ፅቡቕ ፍረ ዘይፈሪ ኦም ክቝረፅ እዩ፤ ናብ ሓዊውን ክድርበ እዩ” ይብሎም ነበረ።
10
እቶም ህዝቢ ድማ “እንታይ ደኣ ንግበር?” ኢሎም ጠየቕዎ።
11
ንሱ ኸዓ “ክልተ ኽዳን ዘለዎ ነቲ ዘይብሉ ይሃቦ፤ ምግቢ ዘለዎውን ከምኡ ይግበር” ኢሉ መለሰሎም።
12
ተቐበልቲ ቐረፅ ድማ ኽጥመቑ መፂኦም “ኦ መምህር፥ ንሕናኸ እንታይ ንግበር?” ኢሎም ጠየቕዎ።
13
ንሱ ድማ “ካብቲ ዝተኣዘዘልኩም ሕልፊ ኣይትውሰዱ” በሎም።
14
ወታደራት ድማ “ንሕናኸ እንታይ ንግበር?” ኢሎም ጠየቕዎ። ንሱ ኸዓ “ንሓደኳ ኣይትግፍዑ፤ ብሓሰትውን ኣይትኽሰሱ፤ ደመወዝኩም ይእኸልኩም” በሎም።
15
እቶም ህዝቢ ኣብ ትፅቢት ነበሩሞ፥ ኵሎም ንዮሃንስ “እዙይ እቲ ክርስቶስ ደኾን ይኸውን?” እናበሉ ብልቦም ይሓስቡ ነበሩ።
16
ዮሃንስ ከዓ “ኣነ ብማይ እየ ዘጥምቐኩም ዘለኹ፤ እቲ ኻባይ ዝብርትዕን፥ ኣነ መእሰሪ ኣሳእኑ ንምፍታሕ ዘይበቅዕን ግና፥ ይመፅእ ኣሎ፤ ንሱ ብመንፈስ ቅዱስን ብሓዊን፥ ከጥምቐኩም እዩ።
17
ንሱ ዓውዱ ዘፅርየሉ፥ እኽሉ ናብ ቆፎኡ ዝኸተሉ መስአ፥ ኣብ ኢዱ ሒዙ ኣሎ። ነቲ ሓሰር ግና ብዘይጠፍእ ሓዊ ኸቃፅሎ እዩ” ኢሉ መለሰሎም።
18
ካልእውን ብዙሕ ነገር፥ ነቶም ህዝቢ ይምህሮምን የብስሮምን ነበረ።
19
እንተ ኾነ ዮሃንስ፥ ንንጉስ ሄሮድስ ብዛዕባ ሄሮድያዳ ሰበይቲ ፊልጶስ ሓዉን፥ ብዛዕባ እቲ ዅሉ ሄሮድስ ዝገበሮ ኽፉእ ነገርን ይግስፆ ስለ ዝነበረ፥
20
ሄሮድስ ኣብ ልዕሊ እዝ ዅሉ እዙይ ወሲኹ ንዮሃንስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዓፀዎ።
21
ኵሉ እቲ ህዝቢ ምስ ተጠመቐ፥ ኢየሱስውን ተጠመቐ፤ ክፅሊ እንተሎ፥ ሰማይ ተኸፍተ።
22
መንፈስ ቅዱስውን፥ ብኣምሳል ርግቢ ኣብ ልዕሊኡ ወረደ፤ “ብኣኻ ዝተሓጐስኩ፥ ዝፈትወካ ወደይ ንስኻ ኢኻ” ዝብል ድምፂ ድማ ካብ ሰማይ መፀ።
23
ሽዑ ኢየሱስ፥ ወዲ ሰላሳ ዓመት ኣቢሉ ነበረ። ወዲ ዮሴፍውን ይመስሎም ነበረ፤
24
ወዲ ኤሊ፥ ወዲ ማቲ፥ ወዲ ሌዊ፥ ወዲ ሜልኪ፥ ወዲ ዮና፥ ወዲ ዮሴፍ፥
25
ወዲ ማታትዩ፥ ወዲ ኣሞፅ፥ ወዲ ናሆም፥ ወዲ ኤሲሊ፥ ወዲ ናጌ፥
26
ወዲ ማኣት፥ ወዲ ማታትዩ፥ ወዲ ሴሜይ፥ ወዲ ዮሴፍ፥ ወዲ ዮዳ፥
27
ወዲ ዮናን፥ ወዲ ሬስ፥ ወዲ ዘሩባቤል፥ ወዲ ሰላትያል፥ ወዲ ኔሪ፥
28
ወዲ ሜልኪ፥ ወዲ ሓዲ፥ ወዲ ዮሳ ወዲ ቆሳም፥ ወዲ ኤልሞዳም፥ ወዲ ኤር፥
29
ወዲ ዮሴዕ፥ ወዲ ኤልኣዘር፥ ወዲ ዮራም፥ ወዲ ማጣት፥ ወዲ ሌዊ፥
30
ወዲ ስምኦን፥ ወዲ ይሁዳ፥ ወዲ ዮሴፍ፥ ወዲ ዮናን ወዲ ኤልያቄም፥
31
ወዲ ሜልያ፥ ወዲ ማይናን፥ ወዲ ማጣት፥ ወዲ ናታን፥ ወዲ ዳዊት፥
32
ወዲ እሴይ፥ ወዲ ኢዮቤድ፥ ወዲ ቦኤዝ፥ ወዲ ሰልሞን፥ ወዲ ነኣሶን፥
33
ወዲ ኣሚናዳብ፥ ወዲ ኣራም፥ ወዲ ኣሮኒ፥ ወዲ ኤስሮም፥ ወዲ ፋሬስ፥ ወዲ ይሁዳ፥
34
ወዲ ያእቆብ፥ ወዲ ይስሓቅ፥ ወዲ ኣብርሃም፥ ወዲ ታራ፥ ወዲ ናኮር፥
35
ወዲ ሴሮሕ፥ ወዲ ራግው፥ ወዲ ፋሌቅ፥ ወዲ ኤቤር፥ ወዲ ሳላ፥
36
ወዲ ቃይንም፥ ወዲ ኣርፋክስድ፥ ወዲ ሴም፥ ወዲ ኖህ፥ ወዲ ላሜህ፥
37
ወዲ ማቱሳላ፥ ወዲ ሄኖክ፥ ወዲ ያሬድ፥ ወዲ መላልኤል፥ ወዲ ቃይናን፥
38
ወዲ ሄኖስ፥ ወዲ ሴት፥ ወዲ ኣዳም፥ ወዲ እግዚኣብሄር።
← Chapter 2
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 4 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21
22
23
24