bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
Nahum 1
Nahum 1
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 2 →
1
እዝ መፅሓፍ እዙይ እቲ ኣልቆሻዊ ናሆም ስለ ነነዌ ዝረኣዮ ራእይ ዝገልፅ እዩ።
2
እግዚኣብሄር ቀናእን ተበቃልን ኣምላኽ እዩ፤ እግዚኣብሄር ተበቃልን፥ ቍጥዓ ዝመልአን ኣምላኽ እዩ። እግዚኣብሄር ንተፃረርቱ ይብቀል፤ ኣብ ልዕሊ ፀላእቱውን ቍጥዓ የምፅእ።
3
እግዚኣብሄር፥ ንቝጥዓ ዝደንጐየ፥ ሓይሉ ድማ ዓብዪ እዩ፤ ነቲ በዳሊ ንፁህ ኢኻ ኣይብልን፤ እግዚኣብሄር ብንፋስ ኣውሎን ብመሸምቦባን መንገዲ ኣለዎ፤ ደመናውን በነንታ እግሩ እዩ።
4
ንባሕሪ ይግስፃን የንቅፃን፤ ንዅሎም ሩባታት የንፅፎም፤ ባሳንን ቀርሜሎስን ፀምለዉ፤ ዕምበባ ሊባኖስውን ረገፈ።
5
እምባታት ኣብ ቅድሚኡ ተናወፁ፤ ኰረብታታት ከዓ መኸኹ፤ ምድርን ዓለምን ኵሎም ኣብኣ ዝነብሩን፥ ኣብ ቅድሚኡ ተናወፁ።
6
ኣብ ቅድሚ ቝጥዓኡ ዝቐውም መን እዩ? ንረስኒ ቝጥዓኡ መን ይዕገስ? መዓቱ ኸም ሓዊ ይፈስስ፤ ካብኡ ዝተልዓለ ኣኻውሕ ይጭደዱ።
7
እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ፤ ብመዓልቲ መከራውን ዕርዲ እዩ፤ ነቶም ብእኡ ዝእመኑውን ይፈልጦም እዩ።
8
ነታ ቦታ ግና፥ ዓብለቕለቕ ብዝብል ውሕጅ፥ ፈፂሙ ኸጥፍኣ እዩ። ንፀላእቱውን ናብ ፀልማት ከሳጕጎም እዩ።
9
ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር እትሓስብዎ እንታይ እዩ? ንሱ ፈፂሙ ኸጥፍእ እዩ፤ መከራውን መሊሱ ኣይለዓልን።
10
ምንም እኳ ንስንሳቶም ከም ዝተመሰቓቐለ እሾዅ እንተ ኾኑ፥ ብመስተኦምውን እንተ ሰኸሩ፥ ከም ንቑፅ ሓሰር፥ ፈፂሞም ክጠፍኡ እዮም።
11
እቲ ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር ዘሻሩን፥ ክፉእ ዝመክርን ካባኻ ወፀ።
12
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ምንም እኳ ሓያላትን ብዙሓትን እንተ ኾኑ፥ ክቝረፁ እዮም፤ ንሱውን ክውዳእ እዩ፤ ኣነ ኣጨኒቐካ ነይረ፥ ድሕሪ ደጊም ግና ኣየጨንቐካን እየ።
13
ሕዚ ድማ ነቲ ኣርዑቱ፥ ካባኻ ኽሰብሮ እየ፤ ንእስራትካ ኸዓ ኽበታትኾ እየ።”
14
እግዚኣብሄር ብዛዕባኻ ኸምዙይ ኢሉ ኣዚዙ እዩ፦ “ስም ዘፀውዕ ትውልዲ ኣይህልወካን እዩ፤ ኣነ ነቶም ዝተቐረፁ ምስልታትን፥ መኺኾም ንዝተሰርሑ ጣዖታትን፥ ካብ ቤት ኣማልኽትኻ ኽድምስሶም እየ። ንስኻ ዝተጠቓዕኻ ኢኻሞ መቓብርካ ኽዅዕት እየ።”
15
እንሆ እግሪ እቲ ብስራት ዘምፅእ ሰላም ከዓ ዝእውጅ ኣብ እምባታት ኣሎ። ኣታ ይሁዳ፥ እቲ ዘጥፍእ ጠፊኡ እዩሞ፥ ካብ ደጊም በኣኻውን ኣይሓልፍን እዩሞ፥ ዓመት በዓላትካ ግበር፤ መብፅዓኻውን ክፈል።
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 2 →
All chapters:
1
2
3