bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
Nahum 2
Nahum 2
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
← Chapter 1
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 3 →
1
እቲ ዘድቅቕ ናባኻ መፂኡካ ኣሎ፤ ነቲ ዕርድኻ ኣፅንዓዮ፤ ነቲ መንገዲ ሰልሎ፤ ሕቘኻ ኣፅንዕ፤ ንሓይልኻውን የመና ኣበርትዓዮ።
2
ከተርቲ ኸቲሮምዎም እዮምሞ፥ ሃረግ ወይኖምውን ኣጥፊኦም እዮምሞ፥ ከምቲ ኽብሪ እስራኤል፥ ንኽብሪ ያእቆብውን እግዚኣብሄር ክምልሶ እዩ።
3
ዋልታ እቶም ጀጋኑ ቀዪሑ እዩ፤ እቶም ተዋጋእቲውን፥ ቀይሕ ክዳን ተኸዲኖም እዮም፤ ንሱ ንውግእ ድልዊ ብዝኾነሉ መዓልቲ፥ ሰረገላታቱ ኸም ሃልሃልታ ሓዊ እየን፤ እቲ ዛብያታትውን የምበጥብጥ።
4
እተን ሰረገላታት ኣብ መንገዲ ብናህሪ ይኸዳ፤ ኣብ ኣደባባያት ድማ ይጋጨዋ፤ ትርኢተን ከም ሃልሃልታ ሓዊ እዩ፤ ከም መባርቕቲ ድማ ይበርራ።
5
ነቶም መሳፍንቱ ይዝክር፤ ግና ብኣካይዳኦም ይዕንቀፉ፤ ቀልጢፎም ናብ ቅፅራ ይድይቡ፤ መዕቈቢውን ተዳለወ።
6
ማዕፆ እቲ ሩባ ተኸፈተ፤ ቤተ መንግስቲ እቲ ንጉስ ድማ መኸኸ።
7
እታ ንግስቲ ተገለፀት ተማረኸትውን፤ እተን ኣግራዳ ድማ ብሓዘን ኣፍ ልበን እናወቕዓ፥ ከም ድምፂ ርግቢ ዋይ ዋይ ይብላ ኣለዋ።
8
ነነዌ ካብ ጥንቲ ጀሚራ፥ ከም ማይ ዝመልአ ሓፅቢ ነበረት፤ ሕዚ ግና ሃደሙ፤ ንሳቶምውን ደው በሉ! ደው በሉ! በልዎም፤ ዝተመለሰ ግና የለን።
9
መዛግብታ መወዳእታ የብሉን፤ ብዝሒ ዝኸበረ ኣቑሑታውን ኣይቝፀሩንሞ፥ ብሩር ዝመቱ፤ ወርቅውን ውረሩ።
10
ጥራሓ ኾይና እያ፤ ባዲማውን እያ፤ ልቢ መኸኸ፤ ኣብራኽ ራዕራዕ በለ፤ ሕቘ ሓመመ፤ ገፅ ኵሎምውን ፀለመ።
11
እታ ሽደናት ዝበልዑላ፥ ኣንበሳን ዋዕሮን ኰራዅር ኣንበሳን ድማ፥ መፍርሒ ዘይብሎም ዝዛውኑላ ዝነበረት፥ ቦታ ኣናብስ ኣበይ ኣላ?
12
ኣንበሳ ንዀራዅሩ ዝኣኽሎም መንዝዐ፤ ንዋዕሮታቱውን ሰባበረለን፤ በዓትታቱ ብግዳዩ፥ ንጕድጓዱ ኸዓ ብዝዘረፎ መልአ።
13
“እንሆ ኣብ ልዕሌኺ እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፤ ንሰረገላታት ኣንዲደ ኸትክኾ እየ፤ ንዀራዅር ኣናብስክውን ሰይፊ ኽበልዖም እዩ፤ ንዝዘመትክዮ ኻብ ምድሪ ኸጥፍኦ እየ፤ ድምፂ ልኡኻትክውን ካብ ደጊም ኣይስማዕን።”
← Chapter 1
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 3 →
All chapters:
1
2
3