bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
Nahum 3
Nahum 3
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
← Chapter 2
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
1
ነታ ናይ ደም ከተማ ወይለኣ! ሓሰትን ዘመተን ዝመልአት፥ ከትሪውን ካብኣ ኣይርሕቕን።
2
ድምፂ ሓለንግን፥ ድምፂ እቲ ድዋዕዋዕ ዝብል መንኰራዅርን፥ ምግላብ ኣፍራስን ድምፂ ዝጐያ ሰረገላታትን ይስማዕ ኣሎ።
3
ፈረሰኛ ይጋልብ፤ ሰይፊ ሃልሃል ይብል፤ ኲናትውን ማሕማሕ ይብል፤ ዝሞተ ብዙሕ እዩ፤ ቍፅሪ ዘይብሉ ሬሳ ኣብ ልዕሊ ሬሳ ተዀመረ፤ ማእለያውን የብሉን፤ ብሬሳኣቶም ከዓ ይዕንቀፉ።
4
እዙይ ዝኾነ ቅጥዒ ብዝሰኣነ ፅባቐ፥ መጋገዪትን ጠንቋሊትን ዘማዊትን ብምዃና እዩ፤ ንሳ ብዘማዊነታ ንኣህዛብ፥ ብጥንቁልናኣ ድማ ንወገናት ዝሸጠት እያ።
5
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ፥ ኣብ ልዕሌኺ ተልዒለ እየ፤ ንዘፈር ክዳንኪ ኣብ ልዕሊ ገፅኪ ኽቐልዖ እየ፤ ንኣህዛብ ዕርቃንኪ፥ ንመንግስታት ከዓ ሕፍረትኪ ኸርእዮም እየ።
6
ርኽሰት ኣብ ልዕሌኺ ኽድርቢ እየ፤ ክንዕቐኪ እየ፤ መላገፂውን ክገብረኪ እየ።
7
ዝሪኡኺ ዅላቶም ካባኺ ኽሃድሙ፥ “ነነዌ ባደመት፤ መን ክበኽየላ እዩ? ዘፀናንዕዋኸ ኻበይ ክንደልየላ ኢና” ኽብሉ እዮም።
8
ንስኺ ኻብታ ኣብ መንጎ ሩባታት ዝተቐመጠት፥ ማይ ኣብ ዙርያኣ ኻብ ዝነበረ፥ መከባብያኣ ኸዓ ባሕሪ ኻብ ዝኾነ ኻብ ኖእ ኣሞንዶ ትበልፂ ኢኺ?
9
ኢትዮጵያን ግብፅን ዘይቍፀራ ሓይላ ነበራ፤ ፉጥን ሊብያንውን ሓገዝታ ነበራ።
10
ግናኸ ንሳ ተማሪኻ ፈለሰት፤ ህፃናታ ድማ ኣብ ኵሉ መንገድታት ተጨፍለቑ። ኣብ ልዕሊ ኽቡራት ሰባታ ዕፃ ኣውደቑሎም፤ ኵሎም ዓበይታውን ብሰንሰለት ተኣሰሩ።
11
ንስኺ ድማ ኽትሰኽሪ ኢኺ፤ ክትዋረዲ ኢኺ፤ ክትሕብኢ ድማ ኢኺ፤ ካብ ፀላኢ እትሃድምሉ ዕሩድ ቦታውን ኽትደልዪ ኢኺ።
12
ኵሉ ዕርድታትኪ፥ ከም በዅሪ ፍረ ዘለዎ ኣእዋም በለስ እዩ፤ ነቲ ኦም ነነው እንተ ኣበልካዮ፥ ኣብ ኣፍ እቲ በላዒ ይረግፍ።
13
እንሆ፥ እቶም ኣብ ማእኸልኪ ዘለዉ ህዝብኺ ኣንስቲ ኮኑ። እተን ደገታት ሃገርኪ፥ ንፀላእትኺ ኽፉታት እየን፤ ነቲ መሀርሀሪታት ኣፍ ደገታትኪ ሓዊ በልዖ።
14
ክትክበቢ ኢኺ እሞ፥ ማይ ቅድሒ፤ ዕርድኺ ኣፅንዒ፤ ናብ ጭቃ ኣቲኺ ርገፂ፤ ጡብ ክትሰርሒ ተዳለዊ።
15
ኣብኡ ሓዊ ኽበልዐኪ፥ ሰይፊ እውን ከጥፍአኪ እዩ። ከም ኵብኵብታ ኽበልዐኪ እዩ። ከም ኩብኵብታ ብዝሒ፥ ከም ኣንበጣውን ፍረዪ።
16
ንነጋዶኺ ኻብ ከዋኽብቲ ሰማይ ኣብዛሕኽዮም። ኵብኩብታ ፋሕ ይብል፤ በሪሩውን ይኸይድ።
17
እቶም ኣባኺ ዘለዉ ዘውዲ ዝደፍኡ ኸም ኣንበጣ፥ እቶም ኣሕሉቕኪ ድማ፥ ከምቲ ብመዓልቲ ቝሪ ኣብ ሓፁር ዝሰፍር ዕስለ ዅብኩብታ እዮም። ፀሓይ ምስ በረቐት ይሃድሙ፤ ኣበይ ከም ዘለዉ ድማ ኣይፍለጥን እዩ።
18
ኦ ንጉስ ኣሶር፥ ሓለውትኻ ደቂሶም እዮም፤ መኳንንትኻውን ዓሪፎም እዮም፤ ህዝብኻውን ኣብ እምባታት ፋሕ በሉ፤ ዝእክቦም ድማ የለን።
19
ስለዙይ ስብራትካ ፈውሲ የብሉን፤ ቍስልኻውን ዝኸፍአ እዩ። ኵሎም እቶም ወረኻ ዝሰምዑ፥ ብሓጐስ ኣእዳዎም የጣቕዑ፤ ኵልሻዕ ክፍኣትካ ዘይበፅሖ መን ኣሎ?
← Chapter 2
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
All chapters:
1
2
3