bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
Nehemiah 2
Nehemiah 2
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
← Chapter 1
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 3 →
1
ኣርጤክስስ ንጉስ ፋርስ ካብ ዝነግስ ኣብ መበል ዕስራ ዓመቱ፥ ብወርሒ ኒሳን፥ ካብቲ ተቐሪቡ ዝነበረ ወይኒ ወሲደ ንንጉስ ሃብክዎ። ቅድም ኣብ ቅድሚኡ ብዘይ ሓዘን እነብር ነበርኩ።
2
እቲ ንጉስ ከዓ “ዘይሓመምካ እንተለኻ፥ ገፅካ ዝሓዘነስ እንታይ ኴንካ ኢኻ? እዙይስ ሓዘን ልቢ ደኣ እዩ እምበር ካልእ ኣይኮነን” በለኒ። ሽዑ የመና ፈራሕኩ፤
3
መሊሰ ኸዓ “ንጉስ ንዘለኣለም ንበር፤ መቓብር ኣቦታተይ ዘለዋ ኸተማ፥ ፈሪሳ፥ ኣፍ ደገታታውን ብሓዊ ተቓፂለን ደኣ፥ ገፀይ ከመይ ዘይሓዝን?” በልክዎ።
4
እቲ ንጉስ ድማ “እንታይ ክገብረልካ ትደሊ?” ኢሉ ጠየቐኒ። ሽዑ ኣነ ናብ ኣምላኽ ሰማይ ፀለኹ።
5
መሊሰ ድማ “ንጉስ ፅቡቕ ኮይኑ እንተ ተርእዩካ፥ ኣነ ሓሽከርካ ኸዓ ኣብ ቅድሜኻ እንተ ደኣ ሞገስ ረኺበ፥ ነታ መቓብር ኣቦታተይ ዘለዋ ኸተማ ኸም ብሓድሽ ክሰርሓ ናብ ይሁዳ ስደደኒ” በልክዎ።
6
እታ ንግስቲ ኣብ ጥቓኡ ኾፍ ኢላ እንተላ፥ እቲ ንጉስ ድማ፥ “ናብኡ ኽትከይድ ክንደይ ጊዜ የድልየካ? መኣዝከ ትምለስ?” ኢሉ ጠየቐኒ። ኣነ ኸዓ ነቲ ንጉስ ዘመኑ ቘፂረ ነገርክዎ። እቲ ንጉስውን ተሓጒሱ ኽሰደኒ ደለየ።
7
መሊሰ ድማ “ፅቡቕ ኮይኑ እንተ ተርእዩካስ፥ እቶም ኣብ ምዕራብ ፈለግ ኤፍራጥስ ዘለዉ መሳፍንቲ፥ ክሳዕ ምድሪ ይሁዳ ዝበፅሕ ምእንቲ ኸሕልፉኒ፥ ትእዛዝካ ብፅሑፍ ይወሃበኒ” በልክዎ።
8
ከምኡ እውን “ንደገታት ቤተ መቕደስን ንቕፅሪ እታ ኸተማን ነታ ኣነ ዝኣትዋ ቤትን መስርሒ ዝኸውን ዕንፀይቲ ኽህበኒ፥ ንኣሳፍ ሓላዊ ዱር ንጉስ ዝወሃብ መልእኽቲ ፀሓፈለይ” በልክዎ። እታ ሕያወይቲ ኢድ ኣምላኸይ ምሳይ ስለ ዝነበረት ድማ ዝጠየቕኩዎ ሃበኒ።
9
እቲ ንጉስ ኣሕሉቕ ሰራዊትን ፈረሰኛታትን ምሳይ ሰዲዱ ነበረ። ናብ ምዕራብ ፈለግ ኤፍራጥስ ምስ በፃሕኹ ድማ እቲ ናይ ንጉስ መልእኽትታት ነቶም መሳፍንቲ ሃብክዎም።
10
ሰንባላጥ በዓል ሖሮንን ጦብያ በዓል ኣሞንን ንደቂ እስራኤል ፅቡቕ ዝሓስበሎም ሰብ ከም ዝመፀ ምስ ሰምዑ የመና ጐሃዩ።
11
ናብ ኢየሩሳሌም ከዓ ኸድኩ፤ ኣብኣ ድማ ሰለስተ መዓልቲ ምስ ተቐመጥኩ፥
12
ብለይቲ ተሳእኹ፤ ምሳይ ድማ ውሑዳት ሰባት ነበሩ። እቲ ኣነ ንኢየሩሳሌም ክገብረላ፥ ኣምላኸይ ኣብ ልበይ ዝሃበኒ ኸዓ ንሓደ ሰብ እኳ ኣይነገርኩን። እንትርፊ እታ ኣነ ተቐሚጠያ ዝነበርኩ እንስሳ ኻልኦት እንስሳ ምሳይ ኣይነበራን።
13
ብለይቲ ድማ በታ ናይ ሽንጥሮ ደገ ወፃእኹ፤ ኣብ መንፅር ዒላ ገበልን ኣብ ደገ መጕሓፍን ኣቢለ ኸዓ፥ እቲ ዝፈረሰ ቕፅሪ ኢየሩሳሌምን እቲ ብሓዊ ዝተቓፀለ ደገታታን ረአኹ።
14
ናብታ ደገ ዔላን ናብቲ ሓፅቢ ንጉስን ድማ ሓለፍኩ። እታ ተቐሚጠያ ዝነበርኩ እንስሳ እትሓልፈሉ ቦታ ግና ኣይነበረን።
15
ሽዑ በታ ለይቲ እቲኣ በቲ ሩባ ሩባ እናደየብኩ ነቲ ቕፅሪ እሪኦ ነበርኩ። ድሕሪዙይ ዘወር ኢለ በታ ናይ ሽንጥሮ ደገ ኣትየ ተመለስኩ።
16
እቶም ናይታ ኸተማ ኣሕሉቕ ግና ኣነ ናበይ ከም ዝኸድኩን እንታይ ከም ዝገበርኩን ኣይፈለጡን ነበሩ። ክሳዕ እታ ጊዜ እቲኣ ድማ ንኣይሁድ፥ ንኻህናት ወይ ንዓበይቲ ወይ ንሹመኛታት ወይ ነቶም ካልኦት ስራሕ ክሰርሑ ዘለዎም ፈፂመ ኣይነገርኩን።
17
ሽዑ ኣነ፥ “ንሕና ኣብ ከመይ ዝበለ መከራ ኸም ዘለና፥ ኢየሩሳሌምውን ባዲማ፥ ደገታታ ኸዓ ብሓዊ ኸም ዝተቓፀለ ንስኻትኩም ትሪኡ ኣለኹም፤ እምበኣርከስ ንዝመፅእ ጊዜ መሳለቒ ኸይንኸውን፥ ንዑናይ፥ ቅፅሪ ኢየሩሳሌም ንስራሕ” በልክዎም።
18
ኢድ ኣምላኸይ ኣብ ልዕለይ ከም ዝኾነን ከም ዝሓገዘንን እቲ ንጉስ ዝነገረኒ ዘረባን ነገርክዎም። ንሳቶም ድማ “ንለዓል እሞ ንስራሕ” በሉ። ነእዳዎምውን ነቲ ፅቡቕ ስራሕ ኣፅንዕወን።
19
ሰንባላጥ በዓል ሖሮንን ጦብያ በዓል ኣሞንን ጌሳም እቲ ዓረባውን ምስ ሰምዑ፥ ኣላገፁልናን ብንዕቐት ሰሓቑናን። ብምቅላል ድማ፦ “እዝ ንስኻትኩም እትገብርዎ ዘለኹም ነገር እንታይ እዩ? ኻብ ንጉስዶ ኽትዕምፁ ትደልዩ ኣለኹም?” በሉና።
20
ሽዑ ኣነ ኸምዙይ ኢለ መለስኩሎም፦ “ኣምላኽ ሰማይ ከቕንዐልና እዩ እሞ፥ ንሕና ባሮቱ ተሲእና ኽንሰርሕ ኢና። ንስኻትኩም ግና ኣብ ኢየሩሳሌም፥ ክፍልን መሰልን መዘከርታን የብልኩምን” በልክዎም።
← Chapter 1
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 3 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13