bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
Nehemiah 4
Nehemiah 4
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
← Chapter 3
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 5 →
1
ሰንባላጥ፥ ንሕና ነቲ ቕፅሪ ኸም ዝነደቕናዮ ምስ ሰምዐ፥ ተቘጥዐን የመናውን ሓረቐን፤ ብኣይሁድውን ኣላገፀ።
2
ኣብ ቅድሚ ኣሕዋቱን ኣብ ቅድሚ ሰራዊት ሰማርያን ከዓ፦ “እዞም ድኹማት ኣይሁድ እንታይ ይገብሩ ኣለዉ? ነቲ ቕፅሪ መሊሶም ክነድቅዎ ድዮም ዝደልዩ ዘለዉ? ክስውኡኸ ድዮም? ብሓደ መዓልቲኸ ኽውድእዎ ድዮም? ካብቲ ብሓዊ ነዲዱ ትሕቲ ዅምራታት ሓመድ ዘሎኸ ንመንደቕ ዝኸውን ኣእማን ክረኽቡ ድዮም?” ኢሉ ተዛረበ።
3
ጦቢያ እቲ ኣሞናዊ ድማ ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሉ፦ “ኣብ ልዕሊ እቲ ብእምኒ ዝሰርሕዎ ቕፅሪ፥ ወኻርያ እንተ ደየበቶ እኳ ዝፈርስ እዩ” በለ።
4
ኣነ ኸዓ “ኦ ኣምላኽና፥ ስማዕ! ተንዒቕና ኢና እሞ ላግፃኦም ናብ ርእሶም ምለሰሎም። ምእንቲ ኽብዝበዙ ንማረኽቲ ኣሕሊፍካ ሃቦም።
5
ኣብ ቅድሚ እቶም ነዳቖ ኣቘጢዖምኻ እዮም እሞ በደሎም ኣይትሕደገሎም፤ ሓጢኣቶም ድማ ኣይትደምስሰሎም” ኢለ ፀለኹ።
6
እቶም ህዝቢ ብምሉእ ልቦም ስለ ዝሰርሑ፥ ነቲ ቕፅሪ ነደቕናዮ፤ ምብራኹውን ክሳዕ ፍርቂ ኣብፃሕናዮ።
7
ሰንባላጥን ጦብያን ሰብ ዓረብን ኣሞናውያንን ኣሽዶዳውያንን ምዕራይ ቅፅሪ ኢየሩሳሌም ከም ዝሰለጠን፥ እቲ ፍርስራስውን ክዕበስ ከም ዝጀመረን ምስ ሰምዑ፥ የመና ተቘጥዑ።
8
ኵላቶም ሓደ ኾይኖም መፂኦም ድማ ንኢየሩሳሌም ክወግኡን ከሸብሩን ተመሓሓሉ።
9
ሽዑ ናብ ኣምላኽና ፀለና፤ ካብኣቶም ዝተልዓለ ኸዓ ለይትን መዓልትን ዝሕልዉና ሓለውቲ ኣቖምና።
10
ህዝቢ ይሁዳ ድማ “ሓይሊ እቶም ተሰከምቲ ደኸመ፤ እቲ ፍርስራስ ከዓ ብዙሕ እዩ፤ በዝ ምኽንያትዙይ ቅፅሪ ኽንነድቕ ኣይንኽእልን ኢና” በሉ።
11
እቶም ፀላእትና ድማ “ኣብ ማእኸሎም ክሳዕ እንኣቱን ክሳዕ እንቐትሎምን፥ ስራሕቶምውን ክሳዕ እነቑሞ፥ ኣይፈልጡን ኣይሪኡን እዮም” በሉ።
12
እቶም ኣብ ጥቓኦም ዝነብሩ ኣይሁድ እናመፁ “ካብ ኵለን ቦታታት ናባና ተመለሱ” ኢሎም ዓሰርተ ሻዕ ነገሩና።
13
ስለዙይ ኣነ ነቶም ህዝቢ ብድሕሪ እቲ ቕፅሪ፥ በቲ ዘይተመልአ ቕሉዕ ስፍራታት በብማይ ቤቶም ኣስይፍቶምን ኲናውቶምን ቀስትታቶምን ሒዞም ደው ከም ዝብሉ ገበርክዎም።
14
ኵነታት እቶም ህዝቢ ምስ ረአኹ ድማ ተሲአ፥ ንዓበይትን ንሹመኛታትን ነቶም ዝተረፉ ህዝብን “ንኣኣቶም ኣይትፍርሑ፤ ነቲ ዓቢይን ዝፍራሕን ጐይታ ዘክሩ፤ ምእንቲ ህዝብኹምን ኣወዳትኩምን ኣጓላትኩምን ኣንስትኹምን ኣባይትኹምን ተዋግኡ” በልክዎም።
15
እቶም ፀላእትና እዝ ነገር እዙይ ኸም ዝፈለጥና፥ ኣምላኽ ከዓ ንምኽሮም ከንቱ ኸም ዝገበሮ ምስ ሰምዑ፥ ንሕና ዅላትናውን ናብቲ ቕፅሪ፥ ነፍሲ ወከፍና ድማ ነናብ ስራሑ ተመለስና።
16
ካብታ መዓልቲ እቲኣ ጀሚሮም እቶም ሓሻኽረይ ፍርቆም ይሰርሑ ነበሩ፤ ፍርቆም ድማ ዅናትን ዋላቱን ቀስትታትን ሒዞም ድርዒውን ተኸዲኖም ደው በሉ። እቶም ኣሕሉቕ ከዓ ካብ ኵሉ ቤት ይሁዳ ብድሕሪት ይቖሙ ነበሩ።
17
እቶም ቅፅሪ ዝነድቁን እቶም ተሸከምትን ድማ ብሓደ ኢዶም ይሰርሑ ነበሩ፤ ብሓደ ኢዶም ከዓ ኣፅዋሮም ይሕዙ ነበሩ።
18
እቶም ነደቕቲውን ነፍሲ ወከፍ ሰይፉ ኣብ ሕቘኡ ተዓጢቑ ይነድቕ ነበረ። እቲ መለኸት ዝነፍሕ ከዓ ኣብ ጥቓይ ነበረ።
19
ኣነ ድማ ንዓበይትን ንሹመኛታትን ነቶም ዝተረፉ ህዝብን “እቲ ስራሕ ብዙሕን ገፊሕን እዩ፤ ንሕና ኸዓ ንስንሳትና ተረሓሒቕና፥ ኣብ ቅፅሪ ፋሕ ኢልና ኣለና።
20
ስለዙይ ድምፂ መለኸት ምስ ሰማዕኹም ናብቲ ንሕና ዘለናዮ ተኣከቡ፤ ኣምላኽና ምእንታና ኽዋግአልና እዩ” በልኩዎም።
21
ከምዙይ ኢልና ኻብ ወጋሕታ ጀሚርና ኽሳዕ ከዋኽብቲ ዝወፁ ንሰርሕ ነበርና፤ ፍርቅና ኸዓ ዂናት ሒዝና ንሕሉ ነበርና።
22
ሽዑ ድማ ነቶም ህዝቢ “ለይቲ ሓለውቲ ኽትኮኑና ብመዓልቲ ድማ ኽትዓዩስ፥ ነፍሲ ወከፍኩም መምስ ሓጋዚኹም ኣብ ከተማ ኢየሩሳሌም ሕደሩ” በልክዎም።
23
ኣነን ብፆተይን እቶም ዝሕልዉኒ ሓሻኽረይን ክዳውንትና ኣይነውፅእን ነበርና። ማይ ክንሕፀብ እንተ ኸድናውን ነፍሲ ወከፍ ኣፅዋሩ ይሕዝ ነበረ።
← Chapter 3
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 5 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13