bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
Nehemiah 3
Nehemiah 3
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
← Chapter 2
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 4 →
1
እቲ ዓብዪ ካህን ኤልያሴብ ምስ ኣሕዋቱ ኻህናት ኮይኑ፥ ነቲ ቕፅሪ በሪ ኣባጊዕ ነደቕዎን ቀደስዎን፤ መዓፁውን ኣቖሙሉ። ክሳዕ እቲ ሃሜኣ ዝበሃል ግንብን ክሳዕ መሐለዊ ግንቢ ሃናንኤልን ድማ ቐደስዎ።
2
ሰብ ኢያሪኮ ኸዓ ቐፂሉ ዘሎ ነደቑ፤ ዘኩር ወዲ ኣምሪውን ካብኡ ዝቕፅል ነደቐ።
3
ደቂ ሃስናኣውን ነቲ በሪ ዓሳ ዝበሃል ደገ ነደቑዎ፤ ልዳት ኣጋጠሙሉ፤ መዓፁውን ኣቖሙሉ፤ መርሖታትን መሸጐሪታትን ድማ ገበሩሉ።
4
ሜሪሞት፥ ወዲ ኦርዮ ወዲ ኣቆስ ከዓ ኻብኣቶም ቀፂሉ ዘሎ ነደቐ። ሜሱላም ወዲ በራክያ፥ ወዲ ሜሴዜቤል ድማ ኻብኣቶም ቀፂሉ ዘሎ ነደቐ። ሳዶቅ ወዲ በዓና ድማ ኻብኡ ቐፂሉ ዘሎ ነደቐ።
5
ቴቁሓውያን ከዓ ኻብኡ ቐፂሉ ዘሎ ነደቑ። እቶም ክቡራቶም ግና ናብቲ ስራሕ ጐይታኦም ክሳዶም ኣየዘንበሉን።
6
ዮዳሄ ወዲ ፋሴሓን ሜሱላም ወዲ በሶድያን ከዓ ነቲ ዝኣረገ በሪ ሓደስዎ፤ ልዳውቲ ኣጋጠሙሉ፤ መዓፁ ድማ ኣቖሙሉ፤ መርሖታትን መሸጐሪታትንውን ገበሩሉ።
7
ካብኣቶም ቀፂሉ ዘሎ ድማ መልጥያና እቲ ገባዖናዊን ያዶን እቲ ሜሮኖታዊን እቶም ሰብ ገባዖንን ምፅጳን ክሳዕ ኣዳራሽ እቲ ገዛኢ ምዕራብ ፈለግ ኤፍራጥስ ነደቑ።
8
ዑዝኤል ወዲ ሓርሃያ፥ ሰራሒ ወርቂ ኸዓ፥ ካብኣቶም ቀፂሉ ዘሎ ነደቐ። ሃናንያ ኻብቶም ቀመምቲ ሽቱ ድማ፥ ካብኡ ቐፂሉ ዘሎ ነደቐ። ንኢየሩሳሌም ከዓ ኽሳዕ እቲ ገፊሕ ቅፅሪ ነደቕዋ።
9
ረፋያ ወዲ ሆር፥ ሹም ፍርቂ ግዝኣት ኢየሩሳሌም ድማ ኻብኣቶም ቀፂሉ ዘሎ ነደቐ።
10
ይዳያ ወዲ ኤርማፍ ከዓ ቐፂሉ ዘሎ ኣብ መንፅር ቤቱ ነደቐ። ሓጡስ ወዲ ኣስበንያ ድማ ቐፂሉ ዘሎ ነደቐ።
11
መልክያ ወዲ ካሪምን ኣሱብ ወዲ ፊሓት ሞኣብን ካልእ ክፍልን ነቲ ግንቢ እቶን ነደቑ።
12
ሰሎም ወዲ ኣሎኤስ ሹም ፍርቂ ግዝኣት ኢየሩሳሌምን ኣዋልዱን ከዓ ቐፂሉ ዘሎ ነደቑ።
13
ሓኖንን ኣብ ከተማ ዛኖዋ ዝነብሩን ከዓ ንበሪ እቲ ለሰ ሓደስዎ፤ ነዲቖምውን መዓፁ ኣቖሙሉ፤ መርሖታትን መሸጐሪታትንውን ገበሩሉ። ክሳዕ ደገ እቲ ምጕሓፍ ጐድፍ ኣርባዕተ ሚእትን ኣርብዓን ሜትር ዝምንዋሑ ቕፅሪ ሰርሑ።
14
መልክያ ወዲ ሬካብ፥ ሹም ቤትሃካሪም ከዓ ነቲ በሪ መደርበዪ ጐሓፍ ሓደሶ፤ ነዲቑውን መዓፁን መርሖታትን መሸጐሪታትን ገበረሉ።
15
ሰሎም ወዲ ኮልሖዜ፥ ሹም ግዝኣት ምፅጳ ድማ ንበሪ ዒላ ሓደሶ፤ ነዲቑውን ከደኖ፤ መዓፁን መርሖታትን መሸጐሪታትንውን ገበረሉ። ብዘይ እዙይ ድማ ኻብቲ ጥቓ ኣታኽልቲ ንጉስ ዘሎ መሐመሲ ወሽመጥ ክሳዕ እቲ ኻብ ከተማ ዳዊት ዘውርድ መሳልል ዘሎ መንደቕ ሰርሐ።
16
ብድሕሪኡ ነህምያ ወዲ ዓዝቡቅ፥ ሹም ፍርቂ ቤትፁር፥ ክሳዕ መንፅር መቓብር ዳዊትን ክሳዕ እቲ ዝተሰርሐ መሐመስን ክሳዕ ቤት እቶም ጀጋኑን ሓደሰ።
17
ብድሕሪኡ ዝሰርሑ ሌዋውያን፦ ሬሑም ወዲ ባኒ ቐፂሉ ዘሎ ሓደሰ። ኣብ ጥቓኦም ድማ ሓሸብያ ሹም ፍርቂ ግዝኣት ቅዒላ፥ ክንዲ ግዝኣቱ ኣልጊቡ ሓደሰ።
18
ብድሕሪኡ በዋይ ወዲ ኤንሓዳድ፥ ሹም እታ ኻልአይቲ ፍርቂ ግዝኣት ቀዒላን ኣሕዋቱን ሓደሱ።
19
ኣብ ጥቓኡ ድማ ዔፅር ወዲ ኢያሱ ሹም ምፅጳ፥ ቀፂሉ ዘሎ ሓደ ኻልእ ክፍሊ ኣብ መንፅር እቲ ናብ ቤት ኣፅዋር ዝወስድ መደያይቦ፥ ኣብቲ መኣዝን ሓደሰ።
20
ብድሕሪኡ ባሮክ ወዲ ዘባይ ካብቲ መኣዝን ጀሚሩ ኽሳዕ በሪ ቤት ኤልያሴብ እቲ ዓብዪ ካህን ተጊሁ ኻልእ ክፍሊ ሓደሰ።
21
ብድሕሪኡ ሜሪሞት ወዲ ኦርዮ ወዲ ኣቆስ፥ ካልእ ክፍሊ ኻብ በሪ ቤተ ኤልያሴብ ክሳዕ መወዳእታ ቤት ኤልያሴብ ሓደሰ።
22
ብድሕሪኡ እቶም ናይ ቈላ ሰባት እቶም ካህናት ሓደሱ።
23
ብድሕሪኦም ብንያምን ኣሱብን ኣብ መንፅር ቤቶም ዘሎ ሓደሱ። ካብኣቶም ቀፂሉ ኣዛርያስ፥ ወዲ መዕሴያ ወዲ ሓናንያ፥ ኣብ ጥቓ ቤቱ ዘሎ ሓደሰ።
24
ቢንዊ ወዲ ኤንሓደድ ካልእ ክፍሊ ኻብ ቤት ኣዛርያስ ኽሳዕ እቲ መኣዝን ዘሎ ሓደሰ።
25
ፋላል ወዲ ኡዛይ ኣብ መንፅር እቲ መኣዘንን፥ እቲ ኻብ ላዕለዋይ ቤት ንጉስ ወፃኢ ዘሎ ግንብን፥ ኣብ ጥቓ ሰፈር ሓለውቲ ነደቐ። ብድሕሪኡ ድማ ፈዳያ ወዲ ፋኖስ ሰርሐ።
26
እቶም ናታኒምውን ኣብ ዖፌል ዝቕመጡ፥ ክሳዕ መንፅር ደገ ማይ ብወገን ምብራቕን፥ ክሳዕ እቲ ወፃኢ ዝነበረ ግንብን ሓደሱ።
27
ብድሕሪኡ እቶም ቴቁሓውያን ካልእ ክፍሊ ኻብ መንፅር እቲ ውፁእ ዓብዪ ግንብን ክሳዕ እቲ መንደቕ ዖፌልን ዘሎ ኣዐረዩ።
28
እቶም ካህናት ነፍሲ ወከፎም ነቲ ኣብ ልዕሊ በሪ ኣፍራስ ዘሎ መመንፅር ቤቶም ሓደሱ።
29
ብድሕሪኡ ሳዶቅ ወዲ ኢሜር ኣብ መንፅር ቤቱ ዘሎ ሓደሰ። ብድሕሪኡ ሸማያ ወዲ ሴኬንያ፥ ሓላዊ በሪ ምብራቕ፥ ቀፂሉ ዘሎ ሓደሰ።
30
ብድሕሪኡ ሓናንያ ወዲ ሰላምያን ሃኑን ሻድሻይ ወዱ ንፃላፍን ካልእ ክፍሊ ቐፂሎም ሓደሱ። ብድሕሪኡ ሜሱላም ወዲ በራክያ ኻብ መንፅር ቤቱ ቐፂሉ ዘሎ ሓደሰ።
31
ብድሕሪኡ መልክያ፥ እቲ ሰራሒ ወርቂ፥ ክሳዕ ናታኒምን ክሳዕ ቤት እቶም ነጋዶን ኣብ መንፅር በሪ ሃሚፍቃድን ክሳዕ እቲ መደየቢ መኣዝን ዘሎ ሓደሰ።
32
ሰራሕቲ ወርቅን ነጋዶንውን ነቲ ኣብ መንጎ መደየቢ መኣዘንን ኣብ መንጎ በሪ ኣባጊዕን ዘሎ ሓደሱ።
← Chapter 2
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 4 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13