bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
Song of Solomon 1
Song of Solomon 1
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 2 →
1
ናይ ሰሎሞን መሃልየ መሃልይ።
2
ፍቕርኻ ኻብ ወይኒ ይጥዕም እዩ እሞ፥ ብምስዓም ኣፉ ይስዓመኒ።
3
ቅብእኻ ምዑዝ ሽቱ ኣለዎ፤ ስምካ ኸም ዝፈስስ ምዑዝ ሽቱ እዩ፤ ስለዙይ ኣዋልድ ይፈትዋኻ።
4
ሰሓበኒ እሞ ደድሕሬኻ ኽንጐዪ ኢና፤ እቲ ንጉስ ናብ ሕልፍኚኡ ኣእተወኒ፤ ብኣኻ ኽንሕጐስን ደስ ክብለናን እዩ፤ ሕልፊ ወይኒ፥ ንፍቕርኻ ንሓስብ ኢና፤ ብቕንዕና እየን ዝፈትዋኻ።
5
ኣትን ኣዋልድ ኢየሩሳሌም፥ ኣነ ፀላም እየ፤ ግና ፅብቕቲ እየ፤ ከም ድንኳናት ቄዳር፥ ከም መጋረጃታት ሰሎሞን እየ።
6
ፀሓይ መልክዐይ ኣፀሊማትኒ እያሞ፥ ፀላም ብምዃነይ ኣይትጠምታኒ፤ ደቂ እኖይ ፀልኡኒ፤ ሓላዊት ኣታኽልቲ ወይኒ እውን ገበሩኒ፤ ናይ ባዕለይ ኣትክልቲ ወይኒ ግና ኣይሓለኹን።
7
ኣታ ነፍሰይ እትፈትወካ፥ እስኪ ንገረኒ፤ ንመጓሰኻ ኣበይ ተውፍረን? ቀትርኸ ኣበይ ኢኻ እተዕርፈን? ስለ ምንታይከ ደድሕሪ መጓሰ ኣዕርክትኻ ዀለል ዝብል?
8
ኣቲ ኻብ ኣንስቲ እትፅብቒ፥ ዘይትፈልጢ እንተ ዄንኪ፥ ኣስኣሰር መጓሰ ተኸቲልኪ ውፂ፤ መሓስእ ኣጣልኪ ኣብ ጥቓ ድንኳናት ጓሶት ኣውፍሪ።
9
ኣቲ ፍቕርተይ፥ ኣብ ሰረገላታት ፈርዖን፥ ከም ዘሎ ፈረስ መሰልኩኺ።
10
ምዕጕርትኺ ብቐለበት ወርቂ፥ ክሳድኪ ብድሪ ሉል ዘጌፀ እዩ።
11
ንሕናውን ጐባጉብ ብሩር ዘለዎ፥ ሽልማት ወርቂ ኽንገብረልኪ ኢና።
12
ንጉስ ኣብ ማእዱ እንተሎ፥ ናርዶሰይ መዓዛኡ ሃበ፤
13
ፍቱወይ ንኣይ ኣብ መንጎ ኣጥባተይ ከም ዝዓርፍ፥ ከም እተቛፀረ ኸርበ እዩ።
14
ፍቱወይ ንኣይ፥ ከምቲ ኣብ ኣታኽልቲ ወይኒ ዓይን ጋዲ ዘሎ፥ ከም ሕቝፊ ዕምበባ እዩ።
15
ኣቲ ፍቕርተይ፥ ፅብቕቲ ኢኺ! እንሆ ንስኺ ቘንጆ ኢኺ! ኣዒንትኺ ኸም ርግቢታት እየን።
16
ኣታ ፍቱወይ! ክንደይ ትፅብቕ! ክንደይከ ትምልክዕ! ዓራትና ድማ ልምሉም እዩ።
17
ሰረገላ ቤትና ኦም ዝግባ እዩ፤ መዋቕር ገዛና ድማ ኦም ፅሕዲ እዩ።
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 2 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8