bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
Song of Solomon 3
Song of Solomon 3
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
← Chapter 2
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 4 →
1
ለይቲ ኣብ ዓራተይ ኮይነ፥ ነቲ ነፍሰይ እትፈትዎ ደለኽዎ፤ ግና ኣይረኸብክዎን።
2
ተሲአ ናብ ከተማ ክኸይድ፤ ኣብ ዕዳጋን ኣብ ኣደባባይን ክዘውር፤ ነቲ ነፍሰይ እትፈትዎ ኸዓ ኽደልዮ እየ፤ ደለኽዎ ግና ኣይረኸብክዎን።
3
ኣብ ከተማ ዝዞሩ ሓለውቲ ረኸቡኒ፤ “ነቲ ነፍሰይ እትፈትዎ ርኢኹምዎዶ?” ኢለ ኸዓ ጠየቕክዎም።
4
ቁሩብ ምስ ሓለፍክዎም፥ ነቲ ነፍሰይ እትፈትዎ ረኸብክዎ፤ ሓዝክዎ፤ ናብ ቤት እኖይን ናብ ሕልፍኚ ወላዲተይን፥ ክሳዕ ዘእትዎ ድማ ኣይሰደድክዎን።
5
ኣትን ኣዋልድ ኢየሩሳሌም፥ ንሱ ኽሳዕ ዝደሊ፥ ንፍቱወይ ከይተተስአኦን ከይተበራብራኦን ብሜዳቝን ብእራብ በረኻን ኣምሕለክን ኣለኹ።
6
እዛ፥ ዓምዲ ትኪ መሲላ፥ ከርበን ዕጣንን ነጋዶ ዝሸጥዎ ዅሉ ዓይነት ቀመማትን እትምዕዝ፥ እዛ ኻብ ምድረ በዳ እትድይብ ዘላ መን እያ?
7
እንሆ፥ ዓራት ሰሎሞን፤ ካብ ጀጋኑ እስራኤል ስሳ ጀጋኑ ኸዓ ኣብ ዙርያኡ እዮም።
8
ኵላቶም ሰይፊ ዝሓዙ፥ ክኢላታት ውግእ እዮም፤ ብለይቲ ሓደጋ ኽከላኸሉ ኸዓ፥ ነፍሲ ወከፎም ሰሰይፎም ዕጡቓት እዮም።
9
ንጉስ ሰሎሞን ንመሰከሚ ዓራቱ፥ ብኦም ሊባኖስ ንባዕሉ ኣስርሐ።
10
ዓምዱ ብብሩር፥ መደገፊኡ ብወርቂ፥ መቐመጢኡ ድማ ብቐይሕ ሃሪ ገበረ፤ ውሽጡ ኸዓ ኣዋልድ ኢየሩሳሌም ብፍቕሪ ዝጠለፋኦ ነበረ።
11
ኣትን ኣዋልድ ፅዮን፥ ንጉስ ሰሎሞን፥ ብመዓልቲ መርዓኡን ብመዓልቲ ሓጐሱን እኖኡ ዝደፍአትሉ ኣኽሊል ገይሩ ኽትሪኣ ውፃ።
← Chapter 2
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 4 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8