bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
Song of Solomon 2
Song of Solomon 2
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
← Chapter 1
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 3 →
1
ኣነ ፅጌረዳ ሳሮን፥ ናይ ቈላ ዕምበባውን እየ።
2
እታ ፍቕርተይ ኣብ ማእኸል ቈናጁ ኣጓላት እያ፤ ከም ኣብ ማእኸል እሾዅ ዝበቘለት ዕምበባ ሱፍ እያ።
3
ከምኡ ፍቱወይ ኣብ ማእኸል ኣወዳት እዩ፤ ከምቲ ኣብ ማእኸል ኣእዋም ዱር ዘሎ ምልዖ እዩ፤ ኣብ ትሕቲ ፅላሉ ደስ ኢሉኒ ተቐመጥኩ፤ ፍረኡውን ንጐረሮይ ጥዑም እዩ፤
4
ናብ ቤት ወይኒ ኣእተወኒ፤ ኣብ ልዕለይ ዘለዎ ዕላማውን ፍቕሪ እዩ።
5
ብፍቕሩ ተነዲፈ ሓሚመ እየሞ፥ ብጎጎ ዘቢብ ኣፅንዑኒ፤ ብምልዖ ኣበርትዑኒ።
6
ፀጋመይቲ ኢዱ ኣብ ትሕቲ ርእሰይ እያ፤ የማነይቲ ኢዱ ኸዓ ትሓቝፈኒ።
7
ኣትን ኣዋልድ ኢየሩሳሌም፥ ባዕሉ ኽሳዕ ዝደሊ፥ ንፍቑረይ ከይተተስአኦን ከይተበራብራኦን፥ ብዓጋዜንን ብዋልያ በረኻን ኣምሕለክን ኣለኹ።
8
ድምፂ ፍቱወይ እንሆ፥ ኣብ ልዕሊ እምባታት እናዘለለ፥ ኣብ ልዕሊ ዀረብታታት እናተናጠረ ይመፅእ ኣሎ።
9
ፍቱወይ ንሜዳቝን ርሕዶ ዋልያን ይመስል፤ እንሆ፥ ድሕሪ ግድግዳ ገዛ ደው ኢሉ ብመስኮት ይርኢ፥ ብዓይኒ ርግቢውን፥ ናብ ውሽጢ ይጥምት ኣሎ።
10
ፍቱወይ፥ ኣቲ ፍቕርተይ ተስኢ፤ ኣቲ ፅብቕተይ፥ ንዒ ኢሉ ተዛረበኒ።
11
እንሆ፥ ክረምቲ ሓሊፉ፥ ዝናምውን ዛርዩ፥ ተወዲኡ እዩሞ።
12
ዕምበባታት ኣብ ልዕሊ ምድሪ ተራእዩ፤ ጊዜ መዝሙር በፅሐ፤ ድምፂ ባሬቶ ኸዓ ኣብ ምድርና ተሰምዐ።
13
ፍረ በለስ ጐጕቡ፥ ተኽሊ ወይኒ ዓምቢቡስ መዓዛኡ ይህብ ኣሎ፤ ኣቲ ፍቕርተይ፥ ተስኢ፤ ፅብቕተይ ንዒ።
14
ኣቲ ኣብ ቋቝራ ኰዅሒ፥ ኣብ መሕብኢ ፀድፊ ዘለኺ፥ ርግበይ፥ ድምፅኺ ጥዑም፥ መልክዕኺ ፅቡቕ እዩ እሞ፥ ገፅኪ ኣርእይኒ፤ ድምፅኺውን ኣስምዕኒ።
15
ወይንና ዓምቢቡ እዩ እሞ፥ ነታኽልቲ ወይንና ዘበላሽዋ ወኻሩት፥ ነተን ኣናእሽተይ ወኻሩት፥ ኣፃዊድኩም ሓዙልና።
16
ፍቱወይ ናተይ እዩ፤ ኣነውን ናቱ እየ፤ ንሱ ንመጓሰኡ ኣብ ማእኸል ዕምበባታት ሱፍ የውፍረን።
17
መዓልቲ ኽሳዕ ዝድህር፥ ፅላሎት ድማ ኽሳዕ ዝሃድምስ፥ ኣታ ፍቱወይ ተመለስ፤ ከምተን ኣብ እምባታት ዘለዋ ሜዳቛት፥ ወይ ከም ብተይ ሰስሓ ምሰል።
← Chapter 1
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 3 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8