bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Deuteronomy 25
Deuteronomy 25
Amharic Tigrinya 2011
← Chapter 24
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 26 →
1
ኣብ መንጎ ሰባት ባእሲ እንተ ኾነ፡ ኺፍረዱውን ናብ ፍርዲ እንተ መጹ፡ ነቲ ቕኑዕ ናጻ የውጽእዎ፡ ነቲ በዳሊ ኸአ ይፍረድዎ።
2
ይኸውን ድማ፡ እቲ በደለኛ መግረፍቲ ዚግብኦ እንተ ኾይኑ፡ እቲ ፈራዲ ናብ ምድሪ ኣውዲቑ፡፡ ከም በደሉ ልክዕ ብቑጽሪ ኣብ ቅድሚኡ የግርፎ።
3
ኣርብዓ ይግረፎ፡ ሓለፋ እቲ ቑጽሪ ኣብዚሑ እንተ ገረፎ ሓውካ ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ ኸይሓስር ካብኡ ኣይብዛሕ።
4
ኣፍ እቲ ዜይድ ብዕራይ ኣይትእሰር።
5
ኣሕዋት ብሓንሳእ እንተ ተቐመጡ እሞ፡ ሓዲኦም ውሉድ ዜብሉ እንተ ሞተ፡ ሰበይቲ እቲ ዝሞተ ናብ ወጻኢ ጓና ኣይትእቶ። እቲ ሓሙታ ናብኣ ኣትዩ ንርእሱ ይውረሳ እሞ ናይ ሓሙት ግቡእ ይፈጽመላ።
6
ይኸውን ድማ፡ ስም እቲ ምውት ሓው ኻብ እስራኤል ምእንቲ ከይድምሰስ፡ እቲ ዝወለደቶ በኹሪ ብስሙ ይጸዋዕ።
7
እቲ ሰብኣይ ንሰብይቲ ሓው ኺወርሳ እንተ ዘይፈተወ፡ እታ ሰበይቲ ሓው ናብ ደገ፡ ናብቶም ዓበይቲ ትደይብ፡ እዚ ሓሙተይ ስም ሓው ኣብ እስራኤል ከየቕውም ኣብዩ፡ እቲ ኸም ሓሙት ዚግብኦ ኺፍጽመለይ ኣይደለየን፡ ድማ ትበሎም።
8
ሽዑ እቶም ዓበይቲ ኸተማኡ ናባታቶም ጸዊዖም ይዛረብዎ። ንሱ ኸአ፡ ክወርሳ ኣይፈቱን እየ፡ ኢሉ እንተ ጸንዔ፡
9
እታ ሰበይቲ ሓው ድማ ቅድሚ እቶም ዓበይቲ ናብኡ ቐሪባ፡ ሳእኑ ኻብ እግሩ ተውጽእ፡ ናብ ገጹውን ጡፍ ትበለሉ፡ ቤት ሓው ንዘይሰርሕ ሰብ ከምዚ ይብገሮ፡ ኢላ ድማ ትምለስ።
10
ስሙ ኸኣ ኣብ እስራኤል፡ ቤት ፍቱሕ ሳእኑ ይበሀል።
11
ክልተ ሰብ ንሓድሕዶም ኣንተ ተበኣሱ፡ ሰበይቲ እቲ ሓደ ኸአ፡ ንሰብኣያ ኻብ ኢድ እቲ ዚወዖ ኸተድሕኖ፡ ኢዳ ዘርጊሓ ሕፍረቱ እንተ ሐዘት፡
12
ኢዳ ቑረጻ፡ ዓይንኻ ኣይተናሕስየላ።
13
ኣብ ከረጺትካ በብይኑ ሚዛን፡ ዓብይን ንእሽቶን፡ ኣይሀሉኻ።
14
መስፈሪ፡ ዓብይን ንእሽቶን፡ ኣይሀሉኻ።
15
ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ዕድሜኻ ምእንቲ ኺነውሕሲ፡ ድልድልን ቅኑዕን ሚዛን ይሀሉኻ፡ ድልድል ቅኑዕን መስፈሪ ድማ ይሀሉኻ።
16
እዚ ዚገብር ኩሉን ዓመጻ ዚገብር ኩሉን ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ፍንፉን እዩ።
17
እቲ ኻብ ግብጺ ምስ ወጻእኩም፡ ኣማሌቅ ኣብ መገዲ ዝገብረካ ዘክሮ።
18
ንስኻ ደኺምካን ተሓሊልካን ከሎኻ፡ ኣብ መገዲ ተጛነፈካ ንእግዚኣብሄር ከይፈርሄ ኸአ፡ ነቶም ዳሕርቶካ፡ ንኹሎም ኣብ ድሕሬኻ ዝነበሩ ድኹማት ወቕዔ።
19
ክኸውን ድማ እዩ፡ ካብቶም ኣብ ዙርያ እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽትወርሳ ንርስቲ ዚህበካ ምድሪ ዚነብሩ ኹሎም ጸላእትኻ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምስ ኣዕረፍካ፡ ንዝኽሪ ኣማሌቅ ካብ ትሕቲ ሰማይ ደምስሶ፡ ኣይትረስዓዮ።
← Chapter 24
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 26 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21
22
23
24
25
26
27
28
29
30
31
32
33
34