bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Hosea 4
Hosea 4
Amharic Tigrinya 2011
← Chapter 3
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 5 →
1
ኣቱም ደቂ እስራኤል፡ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፡ ሓቅን ሳህልን ፍልጠትን ኣምላኽን ኣብታ ሃገር የልቦን እሞ፡ እግዚኣብሄር ምስቶም ኣብታ ሃኣገር ዚነብሩ ዘለው ነገር አለዎ።
2
መርገምን ሓሶትን ቅትለትን ስርቅን ምንዝርናን ገነነ፡ ደም ንደም ተጻናበረ።
3
ስለዚ እታ ሃገር ክትሐዝን፡ እቶም ኣብኣ ዝነብሩ ኹላቶም ምስ ኣራዊት መሮርን ኣዕዋፍ ሰማይን ኬሕልው፡ ዓሳ ባሕሪውን ኪውድኡ እዮም።
4
ህዝብኻ ኸምቲ ምስ ካህን ዚካታዕ እዩ፡ እምበኣርሲ ሓደ እኳ ኣይካታዕ፡ ሓደ እኳ ኣይግናሕ።
5
ንስኻ ብመዓልቲ ኽትወድቕ ኢኻ፡ እቲ ነብዩ ኸአ ምሳኻ ብለይቲ ኺወድቕ እዩ፡ ኣነውን ነዴኻ ኺድምስሳ እየ።
6
ንህዝበይ ሰኣን ፍልጠት ይጠፍእ። ፍልጠት ስለ ዝአቤኻ፡ ኣነ ድማ ካህን ከይትኾነኒ ኽአብየካ እየ። ሕጊ ኣምላኽካ ስለ ዝረሳዕካ፡ ኣነ ኸአ ንደቅኻ ኽርስዖም እየ።
7
ብመጠን እቲ ምብዛሖም ከምኡ ኣብዚሖም በደሉኒ። ኣነ ብኽብረቶም ናብ ነውሪ ኽልውጦ እየ።
8
ሓጢኣት ህዝበይ ይቕለቡ፡ ልቦም ድማ ናብ ኣበሳኦም የድህብ አሎ።
9
እቲ ኻህን ከአ ከምቲ ህዝቢ ኪኸውን እዩ፡ ኣነ ድማ ብሰሪ ኣኻይዳኦም ክቐጽዖም፡ ግብሮምውን ክመልሰሎም እየ።
10
ንእግዚኣብሄር ምስዓብ ሓሲጎም እዮም እሞ፡ ይበልዑ ኣይጸግቡን ከአ ይምንዝሩ ኣይበዝሑን ድማ።
11
ምንዝርና ወይንን ኮልዒ ወይንን ኣእምሮ የጥፍእ።
12
መንፈስ ምንዝርና ኣስሒትዎም፡ ካብ ኣምላኾም ርሒቆም መንዚሮም እዮም እሞ፡ ህዝበይ ነቲ ዕጨይቲ ይሐትት፡ በትሩውን የነግሮ።
13
ኣብ ርእሲ ኣኽራን ይስውኡ፡ ኣብ ልዕሊ ኹርባታት ከኣ፡ ኣብ ትሕቲ ኣውሕን ስየን ጽሕድን፡ ጽላሎም ጽቡቕ እዩ እሞ፡ ይዐጥኑ። ስለዚ ኣዋልድኩም ይምንዝራ፡ መርዑኹም ድማ ይዝምዋ።
14
ንሳቶም ከኣ ምስ ኣመናዝር የግልሱ፡ ምስ ዘመውቲ ኣንስቲውን ይስውኡ አለው እሞ፡ ኣዋልድኩም ምስ ኣመንዘራ መርዑኹምውን ምዝ ዘመዋ፡ ኣነ ኣይክቐጽዔንን እየ። ኣእምሮ ዜብሉ ህዝብስ ኪወድቕ እዩ።
15
ኣታ እስራኤል፡ ንስኻ እንተ መንዘርካ፡ ይሁዳ ኣይበድል። ናብ ጊልጋል ኣይትእተው፡ ናብ ቤት ኣዌን ድማ ኣይትውጽኡ፡ ህያው እግዚኣብሄር ኢልኩም ከአ አይትምሐሉ።
16
እስራኤል ከም ሕንግድ ኣርሒ ሐንጊዱ እዩ እሞ፡ ሕጂ እግዚኣብሄር ከም ዕየት ኣብ ገፊሕ ቦታ ኺጓሰዩ እዩ።
17
ኤፍሬም ምስ ጣኦታት ሐቢሩ እዩ፡ ሕደጎ።
18
ሰኽራኖም ይገድድ አሎ፡ ምንዝርና የብዝሑ፡ ሓላቑኣ ኣዝዮም ነውሪ ይፈትው አለው።
19
ንፋስ በኽናፉ ይአስራ፡ ንሳቶምውን ብመስዋእቶም ኪሐንኩ እዮም።
← Chapter 3
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 5 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14