bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Hosea 5
Hosea 5
Amharic Tigrinya 2011
← Chapter 4
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 6 →
1
ኣብ ሚጽጳ መፈንጠራ፡ ኣብ ታቦር ከአ እተዘርግሐ መርበብ ስለ ዝኾንኩም፡ ፍርዲ ኣባኻትኩም እዩ እሞ፡ ኣቱም ካህናት፡ እዚ ስምዑ ኣቱም ቤት እስራኤል ኣድህቡ ኣቱም ቤት ንጉስ፡ ጽን በሉ።
2
እቶም ዓለወኛታት ኣብዚሖም ይሐርዱ፡ ኣነ ግና ነዚኣቶም ኩሎም ክቐጽዖም እየ።
3
ኣታ ኤፍሬን፡ ንስኻ ሕጂ መንዚርካ እስራኤል ድማ ረኺሱ እዩ እሞ፡ ኣነ ንኤፍሬም እፈልጦ እየ፡ እስራኤልውን ኣይተሰወረንን።
4
መንፈስ ምንዝርና ኣብ ውሽጦም አሎ፡ ንእግዚኣብሄር ከአ ኣይፈልጥዎን እዮም እሞ፡ ናብ ኣምላኾም ከይምለሱ ግብሮም ይኸልኦም።
5
ትዕቢት እስራኤል ኣብ ገጹ ይምስክር። እስራኤልን ኤፍሬምን ከአ ብአበሳኦም ይወድቁ፡ ይሁዳውን ምስኦም ይወድቕ።
6
ኣባጊዖምን ከብቶምን ሒዞም ንእግዚኣብሄር ኪደልይዎ ይኸዱ፡ ግናኸ ኣይረኽብዎን፡ ንሱስ ካብኦም ርሒቑ እዩ።
7
ድቓላታት ደቂ ስለ ዝወለዱ ንእግዚኣብሄር ጠለሙ። ሕጂ ድማ ሰርቂ ወርሒ ምስ ርስቶም ኪውሕጦም እዩ።
8
ኣብ ጊብዓ ቐርኒ ኣብ ራማ ኸአ መለኸት ንፍሑ፡ ናብ ቤትኣዌን ድማ፡ ኣታ ብንያም፡ ኣብ ድሕሬኻ፡ ኢልኩም ኣእውዩ።
9
ኤፍሬም ብመዓልቲ ቕጽዓት ኪባድም እዩ፡ ኣነ ኣብ ነገድ እስራኣኤል ርግጽ ነገር ኣፍለጥኩ።
10
ሓላቑ ይሁዳ ኸምቶም ድብ ዚደፍኡ እዮም፡ ቁጥዓይ ኣብ ልዕሊኦም ከም ማይ ክኽዑ እየ።
11
ኤፍሬም ደድሕሪ ትእዛዝ ምዃድ ፈትዩ እዩ እሞ፡ ግፉዕ፡ ፍርዲ ኸአ ውጹዕ እዩ።
12
ስለዚ ኣነ ንኤፍሬም ከም ነቐዝ፡ ንቤት ይሁዳ ኸአ ከም ቁንቁነ እየ።
13
ኤፍሬም ሕማሙ፡ ይሁዳ ኸአ ቁስሉ ምስ ረአዩ፡ ኤፍሬም ናብ ኣሶር ከደ፡ ናብ ንጉስ ያሬብ ድማ ለአኸ፡ ግናኸ ኬጥዕየኩም ኣይከአሎን፡ ካብ ቁስልኹም ከኣ ኣይኬሕውየኩምን እዩ።
14
ኣነ ንኤፍሬም ከም ኣንበሳ፡ ንቤት ይሁዳ ኸአ ከም ሽደን ኣንበሳ ክኾኖም እየ። ኣነ፡ እወ ኣነ ዘሪፈ ክኸይድ እየ፡ ክወስድ እየ፡ ዜድሕን ድማ የልቦን።
15
በደሎም ክሳዕ ዚፈልጡ ገጾም ከአ ክሳዕ ዚደልዩ ኣነ ክኸይድ ናብ ቦታይውን ክምለስ እየ። ምስ ጸበቦም ኣንጊሆም ኪደልዩኒ እዮም።
← Chapter 4
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 6 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14