bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Jonah 2
Jonah 2
Amharic Tigrinya 2011
← Chapter 1
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 3 →
1
እግዚኣብሄር ንዮናስ ዚውሕጥ ዓብዩ ዓሳ ኣዳለወ። ዮናስ ከአ ኣብ ከብዲ ዓሳ ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ገበረ።
2
ዮናስ ኣብ ከብዲ ዓሳ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ጸለየ።
3
በለ ድማ ፡ ካብ መከራይ እተላዕለ ናብ እግዚኣብሄር ኣእዌኹ፡ ንሱ ኸአ መለሰለይ። ኣብ ከብዲ ሲኦል ኮይነ ኣእዌኹ፡ ንስኻውን ድምጸይ ሰማዕካ።
4
ንስኻ ናብቲ መዓሙቑ፡ ናብ ልቢ ባሕሪ፡ ደቤኻኒ፡ ወሓይዝ ከበብኒ፡ ኩሉ ማዕበልካን ሞገድካን ብልዕለይ ሐለፈ።
5
ኣነ ኸአ በልኩ፡ ካብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ተሰጎጉኩ፡ ግናኸ ናብ ቅዱስ መቕደስካ መሊሰ ኽጥምት እየ።
6
ማያት ክሳዕ ነፍሰይ ከበበኒ፡ መዓሙቑ ኣብ ዙርያይ ነበረ፡ ሳዕሪ ባህሪ ኣብ ርእሰይ ተጠምጠመ።
7
ናብ መሰተር ኣኽራን ወረድኩ፡ መሃርሃሪታት ምድሪ ንሓዋሩ ኣብ ልዕሌይ ኮነ፡ ግናኸ ንስኻ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፡ ንህይወተይ ካብ ጉድጓድ ኣውጻእካያ።
8
ነፍሰይ ኣብ ውሽጠይ ምስ ኣሕለለወት፡ ንእግዚኣብሄር ዘከርክዎ፡ ጸሎተይ ናባኻ፡ ናብቲ ቅዱስ መቕደስካ አተወ።
9
እቶም ናብ ሐሰውቲ ኸንቱነት ዜድህቡ፡ ጸጋኦም ይሐድጉ።
10
ኣነ ግና ብድምጺ ምስግና ኽስውኣልካ፡ ነቲ እተማባጻዕክዎ ኸአ ኽፍጽሞ እየ፡ ምስሓን ካብ እግዚኣብሄር እዩ።
11
እግዚኣብሄር ነቲ ዓሳ አዘዞ፡ ንሱውን ንዮናስ ናብ ንቑጽ ምድሪ ተፍኦ።
← Chapter 1
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 3 →
All chapters:
1
2
3
4