bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Jonah 4
Jonah 4
Amharic Tigrinya 2011
← Chapter 3
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
1
ግናኸ እዚ ንዮናስ ኣዝዩ ኣጉሀዮ፡ ኮረየውን።
2
ናብ እግዚኣብሄር ጸለየ በለ ድማ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ እልምነካ አሎኹ፡ እቲ ኣብ ሃገረይ ከሎኹ እተዛረብክዎስ እዚዶ ኣይኮነን፡ መሓርን ርሕሩሕን ንኹራ ደንጓይን ብዓል ዓብዩ ሳህልን ንእኩይ እትጥዐሰሉን ኣምላኽ ከም ዝኾንካ ስለ ዝፈለጥኩ፡ ስለዚ እየ ቐዲመ ናብ ተርሲስ ዝሀደምኩ።
3
ዎ እግዚኣብሄር፡ እምበኣርሲ ሕጂ ኻብ ብህይወት ምንባር ሙማት ይሕሸኒ እሞ፡ እልምነካ አሎኹ፡ ንነፍሰይ ካባይ ውሰዳ።
4
እግዚኣብሄር ድማ፡ ብምኹራይካስ ጽቡቕዶ ትገብር አሎኻ በለ።
5
ዮናስ ከአ ካብታ ኸተማ ወጸ፡ ኣብ ወገን ምብራቕ እታ ኸተማውን ተቐመጠ። ኣብኣ ንርእሱ ዳስ ገበረ። ነታ ኸተማ ዚወርዳ ኽርኢ ድማ፡ ኣብ ትሕቲኡ ኣብ ጽላል ተቐመጠ።
6
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከአ ንዮናስ ርእሱ ኸተጽልሎ እሞ ኻብ ሕሰሙ ኽተናግፎ ኢሉ፡ ጉልዒ ኣዳለወ፡ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ኣዕበያ። ዮናስውን በታ ጉልዒ ኣዝዩ ተሐጎሰ።
7
ግናኸ ንጽብሒቱ ምስ ወግሔ፡ ኣምላኽ ሓሰኻ ኣዳላወ፡ ንሱ ኸአ ነታ ጉልዒ ወቕዓ እሞ ነቐጸት።
8
ጸሓይ ምስ በረቐት ድማ፡ ኣምላኽ ውዑይ ንፋስ ምብራቕ ኣዳለወ፡ ጸሓይ ከአ ንዮናስ፡ ክሳዕ ዜሕለሉ፡ ርእሱ ወቕዓቶ። ንሱውን፡ ካብ ብህይወት ምንባርሲ ሙማት ይሕሸኒ፡ ኢሉ ንነፍሱ ሞት ለመነላ።
9
ኣምላኽ ከአ ንዮናስ፡ በታ ጉልዒ ኽትቁጣዕዶ ይግበኣኣካ እዩ፡ በሎ። ንሱ ድማ ክሳዕ ሞት ክቑጣዕ እኳ ይግበኣኒ እዩ፡ በለ።
10
እግዚኣብሄር ከአ በሎ፡ ንስኻ በታ ዘይደኸምካላን ዘየዕቤኻያን፡ ብሓንቲ ለይቲ ዝበቖለት ብሓንቲ ለይቲ ድማ ዝጠፍኤት ጉልዒ ጉሂኻ።
11
ኣነኸ ነታ ዓባይ ከተማ ነነዌ፡ የማኖም ካብ ጸጋሞም ኪፈልዩ ዘይኽእሉ፡ ካብ ሚእትን ዕስራን ሽሕ ዚበዝሑ ሰብን ብዙሓት እንስሳን ዘለውዋዶ ኣይርሕርሓላን እየ።
← Chapter 3
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
All chapters:
1
2
3
4